ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ቃልዕ መንገዲ

“ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንጓኖት መዓር ወለላ ሰዀልስ፡ ኣብ ለምለምን ሰቲ ዘደቕስ፡  ንህዝቡ ከኣ ዓንዴል ዕረ ዝምግብ፡ ኣብ ወትሩ እሾኽ ዘናብር ኮይኑ ኣሎ። ”

ኣብ’ዛ ንነብረላ ዘሎና ዘይፍትሓዊት ዓለም፡ ካብ ዝረኣዩ ባህሪያዊ ይኹን ሰብኣዊ ዕንወታት ብቀዳምነት ግዳያት ዝዀኑ ኣህዛብ ስሉስ ዓለም እዮም። እዚ ከኣ ብሰንኪ እቶም ብዘይካ ስልጣኖም’ምበር፡ ስቓይን ቃንዛን ህዝቦም ዘይግድሶም ዲክታቶራውያን መራሕቲ ኣብ ልዕሊኡ ብዝፍጽምዎ ከቢድ ጭቆና፡ ግፍዕን መግረፍትን፡ ክኸውን እንከሎ፡ ባህሪያዊ ሓደጋታት ኣብ ዘጋጥም ከኣ፡ ነቲ ዕንወት ክሳራታትን ንምትካእ ዝኣክል ምጣነ ሃብታዊ ትሕዝቶ ንስለ ዘይርከብ፡ ብክልቲኡ ሸነኽ ብዘይድሌቱን ምርጭኡን ሂወቱ ምሩኽ ናይ ሕማምን ድንቑርና፡ ድኽነትን ጥሜትን፡ መለኽቲ ብዘጓሃህርዎ ኵናት ኣደዳ ሞትን ስንክልና ዕግርግርን ኮይኑ ይተርፍ።

ሎሚ ኣብ ዓለምና ካብ ዝረአ ኣብነታት ናይ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓደ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ነዚ ንምብራህ ብዙሕ ትንታነ ዘድልዮ ኣይኮነን። ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ሰጥ ለበጥ ኣቢሉ ተመሃደር ይብሎ ከም ዘሎን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ካልኣይ ዜጋ ኮይኑ ይኸድ ምህላዉ ንማንም ብሩህ’ዩ።

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንውሽታዊ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ድሕሪ መጋረጃ እቐሚጡ፡ ጎልቢቡን ንሕብረተ ሰብ ዓለም ኣብ ኤርትራ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ኣሎ ክብል፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ሰላም ከምጽእ ይጓየይ ምህላዉ ናይ ሎሚ ሓድሽ ተርእዮ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣይኮነን።

1   2  3

ህዝቢ ሰብኣዊ ክብሪ መሰሉ ፍጹም ተመንጢሉ ኣብ ዝነብረሉ ዘሎ እዋን፡ ብዋጋ መሰሉን ክብሩን፡ ብመራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ብሓዳስ ኤርትራን ናይ ማዕከናት መሻርክታን ብጉዳይ ሰላም ዓዲ ሃገር ጸሓይ በሪቓ ክሳብ ትዓርብ ክሰምዕን ከንብብን ተገዲዱ ይነብር ኣሎ። እዚ ዝስዕብ ጥብቆታት 1,2,3 ተመልከት።

ብዛዕባ ሰላም ኣብ ኤርትራ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ተዘሪብሉ ይፈልጥ’ዶ ? ተሓሲብሉ ይፈልጥ’ዶ ? ነዚ ከም ዘይተዘርበሉን ዘይተሓሰበሉን 100% ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ምስክር ምዃኑ ዘይጠራጠረሉ’ዩ። ምስክረነቱ ከኣ ከም ዘይሰምዐን ዘይረኣየን’ዩ። እቲ ዝምስክሮ ብኣንጻሩ ናይ ጭውያን ማእሰርን ግፍዕን ስደትን’ዩ። እቲ ኩሉ ናይ ህ.ግ.ዲፍ. ስርዓት ዘዘክሮ ከኣ ጭቆና’ዩ።

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ መንግስትነት ምስ መጸ ዘተኣታተዎ ወይ ዘምጽኣኦ ባህርያት ኣይኮነን። ቅድም ክብል  ካብ መጀመሪያ ሰብዓታት ምስ ዝተፈላልዩ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝዀኑ ሓይልታት ብምዕዳም ኣንጻር ህዝቡን ወገናቱን ኵናት ዝኣወጀ ውድብ ቀዳማይ ምልክት ክኸውን እንከሎ፡ ቀጺሉ ሜዳ ኤርትራ ንበይኑ ምስ ብሓተ ከኣ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ደራኺ፡ ጽንኩር ኩነታት እንዳሃለወ፡ ጣልቃ ኣብ ሱዳን ተራእየ ህልው ናይ ትማሊ ምስክር’ዩ።

በዚ መዓስ ተወዲኡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዓጽሚ ዝወደቑ ስውኣቱ ከየልዓለ፡ ነቲ ዓብይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝተፈጸመሉ፡ ጉዳይ ሩዋንዳን ቡርንድን፡ ብፍላይ ከኣ ንጉዳይ ኮንጎ ብሽምግልና ክኣትዎን ሰራዊት ኤርትራ ክለኣኽ ገበረ።

ንሰላም ምጽዓር ጽቡቕን፡ ፍትውን ስርሓት’ኳ እንተዀነ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ነዚ ኣስተውዒሉ ዘይኮነስ ርእሱ ከልዕል ኣብ ዝጀመረሉን፡ ካብ ትዕቢትን ወታሃደራዊ ትምክሕትን ዓወታት ዘንቐሎ ከም ዝነበረ ክንደይ ተንተንቲ ኣብሪሆም ተዛሪቦምሉ’ዮም።

በዚ ጉዳይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝሓለፎ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ተጋድሎ ዘኸተሎ ዕንወት፡ ቍስሉ ከይሓወየ፡ ብሚሊዮን ዝቁጸር ሰራዊት እሞ ከም ኤርትራ ኣብ ብዙሑን ነዊሕን ኩናት ዘይተሳተፋ ሃገራት ኣፍሪቃ’ኳ ንጉዳይ ኮንጎ ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይሃባሉ ኤርትራ ተቐቢላቶ።

ግን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ህ.ግ.ዲ.ፍ ጸኒሓ ከም ዘቕረበቶ ጠለብ ሰራዊታ ብዝዀነ ዘይኣፍሪቃዊ መራሒ ሰራዊት ከም ዘይእዘዝ ኣፍሊጣ ሰራዊት ክሳብ ትስሕብ ገይራ። እዚ ፈጺማ’ያ።

ኣብ 1997 ሰራዊት ኤርትራ ኣብ’ቲ ምስ ሱዳን ዝካየድ ዝነበረ ምትህልላኽ’ውን ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣሉታ ዝሃብሉ። ሎሚ ብዝሓት ካብ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ስደት ዝርከቡ ኣብ’ቲ ኵናት ክሳተፉ ከም ዝተገደዱን ዝተዋግኡን’ዮም ዝገልጹ።

ብዛዕባ ሎሚ ኣብ ጉዳይ ሶማል ክንዛረብን ከይንዛረብን ዝገብረና፡ ካብ’ቲ ንህ.ግ.ዲ.ፍ ብ ናይ ወጻኢ ማዕከን ዜና ዝበሃል ዝዝርግሖ ዘይኮነስ እቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ባዕሉ ዘንቕሎ ዘረባ እኹል ምኽንያት’ዩ። ቅድሚ ኣብ’ዚ ጉዳይ ምእታወይ ግን ሓደ ሰላም ንዝምልከት ሓጺር ትንተና ከስፍር እደሊ።

ሰላም ካብ ተበጊሱ ኣበይ ከም ዝበጽሕ እንተዘይፈሊጥካ፡ ሰላም ንምምጻእ ትወስዶ ኣገባብን መስርሑን ዘኸትሎ ዕንወትን መወዳእታ የብሉን። እዚ ማለት ከኣ ሰላም ንነፍስኻ ዘይፈጠርካ፡ ርጕእ ሃለዋት ገዛእ ሃገርካ ከየጽናዕካን ከይተኸልካን ብሰላም ክትዛረብን ናይ ሰላም መራሕን ወካልን ሸምጋልን ክትኸውን ፍጹም ዘይከኣል ተልእዀ’ዩ።

ካልኣይ ኣብ ክሊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ንዘሎ ናይ ሓድሓዳዊ ምክብባር ልምዲ እንተዘይኣጥሪኻ ምስ ኩሉ እንዳተጻፋዕኻን ክትከይድ ምንባር እንትርፎ ጸላእቲ ምብዛሕ ካልእ ረብሓ ትፍደየሉ ኣይልቦን። ኣብ ዓለምና ካብ’ቲ ኤርትራ ዘለዋ ዓቕምን ብዝሕን ሰራዊት፡  ሃብቲ ዘለወን፡ ዝተመሓየሸ ዕብየት ደረጃ ማሕበራዊ ናብራን ዘለወን ሃገራት መቁጸሪ የብለንን፡ ግን ምስ’ዚ ኩሉ ትሕቶአን ብዛዕባ ዘይፍትሓዊት ዓለም፡ ብጉዳይ ጎረባብተን ብዙሕ ከም መንግስቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣይምድራን፡ ኣይዛረባን፡ ጣልቓ ኣይኣትዋን፡ ዝብል እዚ ምስ ፍርሒ ድዩስ ወይ ሃገራዊ ጸጥታዊ ድሕነት ዝምልከት ምስጢር ከዛርብ ዝኽእል ኣገዳሲ ጉዳይ’ዩ። ኣብዝ’ኢ ሸነኽ ከኣ’ዩ ህዝብና ክነቕሕን ኣስፊሑ ክዛረበሉ ዘለዎ።

ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምዕራባዊ ዓቓቢ ሰላም ክቃወም ካብ ዝጅምር ድሮ ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝተጠቕሰ እዋን ካብ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ፕረሲደንት ሞቡቱ፡ ምስ ምምጻእ ናይ ፕረሲደንት ካቢላ’ዩ።

ይኹን’ምበር ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምዕራብ ሃገራት ገንዘብ፡ ነገራዊ ደገፋት ዘይገብረና ዘይገብራን እንዳበለ ክኸስስን፡ ኣብ ፈቐዶ ዓድታት ብዘቕርቦ መደብ ናይ ዝተፈላልየ ፕሮጀክትታት ዝተፈልጠ መንግስቲ’ዩ ኮይኑ ነቲ ዝምድናታት ብሓደ ኣንፈት ጥራሕ ክስዕቦ ዝደሊ’ዩ።

እቲ ኣብ መብዛሕትኡ ዓለም ዝሰርሕ ኣገባብ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ነዚ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝኽተሎ ኣገባብ ናይ ሰላም ምዕቋብ ዝመሳሳል ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ ንህ.ግ.ዲ.ፍ ንበይኑ ዓንቐጽ ክሰፍረሉ ኣይክእልን፡ እንታይ ደኣ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክለዝብ ኣለዎ።

ጉዳይ ሶማል ንዝምልከት፡ ንሕና ንሶማላውያን ተሰማሚዖምን ተሳንዮምን ብሓብር ዝነብሩላ ሃገሮም ክሃንጹ ንምንዮ’ምበር፡ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገር ሶማል ንሶማላውያን ዝምልከት’ዩ፡ እዚ ንዜጋታትን ሃገራውያን ኣሕዋት ሶማል ዝምልከ’ዩ።

እቲ ካልኣይ ገጽን ንዓና ንኤርትራውያን ዘገድስን ከዛርብን ዝኽእል፡ እቲ ኵናት ብቀንዱ ኣዕናዊ ባህሪያ ሃልይዎ ጎዳኢ ስምብራት ዝገድፍ ዘሕዝን ተርኽቦ ሃገራት ቀሪኒ ኣፍሪቃ ብምዃኑ’ዩ።

 እንተዀነ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ልዕሊ ኩሉ ኣባል ኢ.ጋ.ድ ዝኸና ሃገራት፡ ብቀረባ ድማ ቅድሚ መሓዙት ሱዳንን፡ ጅቡትን ሶማልያን ጋዜጣዊ ዋዕላ ምክያድ ምስ ምንታይ ክቁጸር ይከኣል። ስለምንታይ ሓባርዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዘይካየድ ? ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእሱ ክምልሶ ዝኽእል ኣለዎ።

ሕራይ ከኣ ስለምንታይ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ዓዱ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዘየካይድ፡ ስለምንታይ ኣብ ወጻኢ ክኸውን ተመሪጹ? ዝብል ሕቶታት’ውን ይመጽእ።

ናይ ምዕራብ ጋዜጠኛታት ካብ ኤርትራ ንስለ ዝተሰጎጉ ኣብ ኤርትራ ብኵራት ጋዜጠኛታት ኣሎ፡ ካልኣይ’ውን በቲ ብዘይፍትሓዊ ተጨውዮም ዝተኣሰሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፡ ዝተቃወሙ ኣካላት ንኤርትራ ገዲፎም ብዘይድሌቶም ንዓዶም ዝተመልሱ ወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ብዙሓት ስለ ዘለዉ፡ እቲ ስርዓት ዋዕላ ኣብ ዘድልዮ እዋን ብመገሻ ኣሳስቢቡ ጋዜጣዊ ዋዕላ ክዕድም ዘገርም ኣይኮነን።

ልዕሊ ኩሉ ድማ ካብ ህዝቡ ርሒቑ ክዛረብ፡ ይቐለሉ። ከመይ ኣብ ኤርትራ ዝበሃልን ዝግበረን፡ ካብ ኤርትራ ወጺኻ ዝበሃልን ዝዝረብን ዝጸሓፍን በበይኑ ስለ ዝኸነ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዓዊ’ልካ ክትዛረበሉ ዘይደሊ ስርዓት’ዩ።

እቲ ቀንዲ ግን መልሲ ግን ኣብ ሶማል ዝተኻየደ ኵናት፡ ብፕረሲደንት ኤርትራ ጋዜጠዊ ዋዕላ ክግበረሉ ምድላይ፡ ካብ ናይ ሓልዮንትን ድሌት ቅኑዕ ምሕዝነት ወጻኢ ዝኸደ’ዩ።

እዚ ጉዳይ ተደማሚሩ ንመንግስቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ቃልዕ መንገዲ ኣብጽሕዎም ይርከብ፡ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ብሰላም ገዝኦም እንተትዛረቡ፡ ንኩለን ጎረባብቶም ካብ ዓብይ ሓገዝ ምስተቆጸረ። ሰላም ነፍሲ ወከፍ ሃገር ከኣ ሰላም ኩሉ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳስነት ኣለዎ።

መደምደምታ

 

ህ.ግ.ዲ.ፍ ብዛዕባ ሰላም ክዛረብ፡ ቅድም ቀዳድም ሰላም ቤቱ ከጽፍፍ ይግባእ፡ ብድሕሪኡ ነቶም ንሰላም ክዕድሞም ዝድለዮም ክብሪ ኣብ ርእሲ ምርካቡ፡ ምስ እቶም ኣብ ኵናት ተሳቲፎም ዘለዉ ወገናት ብማዕረ ዝተዛመደን፡ ሰላምዊ ምሕዝነት ዘጥረየን ተኣማንነት ዘለዎን ኽከውን ይግባእ። እዚ ዓይነት መንገዲ ምስ ትፍጽም ከኣ ነቲ ትዛረቦ ሰማዒ፡ ነቲ ትገብሮ ከኣ ሰዓቢ ትረኽበሉ።

ኖርወይ ሓንቲ ነጻ ሃገር ኣብ ስካንዲናቪያን’ያ። ካብ’ቲ ምስ ሃገር ሽወደን ዝነበራ ምምሕዳር ነጻ ካብ ትወጽእ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መበል 100 ዓመት ቆጺራ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዕድመ ነጻነታ ምስ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ ሶቪየት ሕብረት፡ ዓባይ ብርጣኒያ ብባህሪ፡ ምስ ኣይስላንድ ናይ መሬትን ባሕርን ዴሴታትን ሕቶ ኣለዋ። ነዚ ኩሉ ግን ብዘተን ብሰላምን’ያ ክፈትሖ ጸኒሓ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ኣብ ሃገር ኖርወይ ሓንቲ ጥይት ተትኵሳ ኣይትፈልጥን፡ ኣብ ሃገራ ሰላም ካብ ዘሎ’ያ ከኣ ትብገስ።

እዛ ሃገር እዚ’ኣ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ መራሕትን ግለ ሰባትን ንሰላም ጻዕርታት፡ ቃልስታት ንዘካየዱ ከኣ ትሽልምን፡ መንጎኝነት ትፍጽምን። ነቲ እተካይዶ ናይ ሰላም መንጎኝነት ከኣ ካብ ጣልቃን ወገን ብዝረሓቐ ኮይኑ ዓለም ዝኣመነሉ ናይ መንጎኝነት ዕርቒ ክንደይ ተፈጺሙን ተሰሪሑን። (ህዝቢ ኖርወይ ቁጽሮም ካብ 4 ሚሊዮን ዘይበዝሑ’ዮም።)

እዛ ሃገር ካብ ዘለዋ ናይ ሰላም ድሌት፡ ኤርትራ ብዝምልከት’ኳ ቅድሚ 50 ዓመታት ዝፈጸመቶ’ውን ግጉይ መስርሕ ምዃኑ ዝኣመነትሉን፡ ዝምድናታት ክትዕሪ ዝጸዓረት ሃገር፡ ኣብነት ናታ ስዒብካ ናይ ዝካየድ ስርሓት እዩ ሰላም ኣብ ከባቢና፡ ምስ ጎረበብትና መሓዙትናን ከምጽኣልና ዝገብር። 

ስለ’ዚ እቲ ክተኽሎ ዝደለኻ ሰላም፡ መሰረቱ ኣብ ቤትካ’ዩ። ሰላም ካብ ቤትካ’ዩ ዝብገስ፡ ኣብ ገዛኻ ናይ ዘሎ ሰላም ከኣ ንጎረባብትኻን ንካልእ ክባጻሕን፡ ካልኦት ሰላም ንዝሰኣኑ ከስተማቕርዎን ትገብር።

ሰላም

8 ጥሪ 2006

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2618

Posted by on Jan 10 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net