ተቓውሞና በየናይ ቅዲ ቃልሲ

ካልኣይ ክፋል፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ካብ ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን ዘለወን መንቀሊ ኣገባብ ቃልሲ ኣብ ኪዳን ንቕድሚት ይኹን ንድሕሪት ኣብ ምድፋእ ጸላዊ ባህሪ ከም ዘለዎ ዝሰሓት ኣይኮነን።

እቲ ካልኣይ ገጽ ናቱ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ድሕረ-ግንባር ክህልወና ኣይንመር ጽን ዝብል,ዩ። ነዚ ዘቕርብዎ ምስምስ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲና ነቲ ጸጊዕ ህግድፍ ሒዙ ዝጸንሔ ሓይሊ ክንክስቦ ኣይንኽእልን ይብሉ።

እዚ እቲ ደጋዊ ሽፋን ብኢፋ ዝብልዎ ኮይኑ እቲ ሓቀኛ ኣባሃህልኦም ናብ ውሽጦም  ዝብልዎ ግን ነዚ ገዲም ክቃወም ዝጸንሔ ውድባት ይኹን ሰልፍታት “ ብወያኔን መጋበርያ ኢትዮጵያን ስለ ዝፍለጡ ከምኦም ክንውቀስ ኣይንደልን ከም ዝብሉ ሓበረታት ይርከቡ ኢዮም።

በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ህግድፍ ኣብ ዝተፋላለየ ኣጋጣሚታት ካብ ዘለዉን ዝነበሩን ሰበ-ስልጣናቱ ከም ዝስማዕ ኣብ መደረታቶም ብጨቕ ኢሉዎም ካብ ተቓወምቲ ኣብ መሰርሕ ፓርቲታት ከነፍቅድ እንተድኣ ኮይና ነተን ኣብ ኢትዮጵያ ዘይኣተዋ ኢና ከነፍቅድ ዝብል ሓሳባት ይቐርብ ጸኒሑ።

ኣብነት ነፍሰ-ሄር ዓሊ ሰይድ ዝበሎ እዩ። ኣልኣሚንውን ደጊምዎ። ስለዚ ምናልባሽ ናይዚ ዘይከውን መብጻዓታት ናይ ህግድፍ ዶኾን ይኸውን ናብ ኢትዮጵያ ዘየእትዎም ዘሎ ኤልካ ክትጥርጥር ናይ ግድን,ዩ። ብዝተረፈ ኣብ ናብ ኢትዮጵያ ምእታውን ዘይምእታውን ዝህብዎ ብሩህ ምኽንያት የለን።

ካልእ በዞም ሸነኻት እዚኣቶም ዝቐርብ ዲዕ ኢሎም ዝምህርሉ ነጥቢ ኣብ ኪዳን ጉዳይ ጀሃድን ጉዳይ ብሄራትን ከምዘይኣምንሉ ይገልጹ ኢዮም። እቲ ዘይምእማኖም መሰልን ሓቅን ኮይኑ ኪዳን ብልቢ ክሰርሕ ኣብ ከምዚ ኩነታት ይከኣልዶ? ንኽብል,የ ዘምጽኦ ዘለኹ። ብዝተረፈ እቲ ቻርተር ናይ ኪዳን ነዚ ክልተ ነጥቢ,ዚ ኣብ ማህደር ኪዳን ከእቱ ከሎ ሓደ ካብቲ ጸገማት ናይ ኪዳን ምዃኑ ብሩህ እዩ። ግን እዚኣ ጥራይ ድያ ኣብ ኪዳን ከየድምዑን ከይወሃሃዱ -ን ትዓግት ዘላ ንዝብል ኣይኮነን,ዩ መልሱ ብወገነይ። ብዝተረፈ ኣብ ኪዳን ዕንቅፋትን ተራን ናይዞም ክልተ ነጥብታት ድሒረ ከምጽኦ ስለ ዝኾንኩ ኣብቲ ተሪፉኒ ዘሎ ተመሳሳሊ ሓሳባት ከስዕብ,የ።

ሕጂ ድማ ብዛዕባ እቲ ቅዋምን ንዑዑ ንኸረድኡ ዘጥፍእዎ ጊዜን ኣብ ግምት ዘእተወ ሓሳባት ከቕርብ እየ። ካብቲ ዘቕርብዎ ከም መበገሲ ንጠቐመሉ ክብሉ ብዙሕ ዝነጽጎ ኣይኮንኩን። ኣብቲ መግለጽታቶም እዚ ቅዋም,ዚ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝደገፎን ዝደኸመሉን ስለ ዝኾነ ብዘይካ ገለ ኣብ ተቓወምቲ ዘለዉ ኣካላት እቲ ቅዋም ቅዋም ህዝቢ እዩ ኢሎም ክገልጽዎ ቅቡል ኣይመስለንን። እዚ ንይምሰል ኢሳያስ ዘበገሶን ኢሳያስ ጠጠው ዘብሎን ቅዋም ከም ዝነበረ ናይ 2001 ታሪኽ ምሂሩና እዩ። ናይ ህዝቢ ቅዋም ናይ ህዝብ ንህዝቢ ዘገልግል ድኣ እንበር ኣብ ጅባ ውልቀ-ሰብ ዝበሊ ቅዋም ክጅምር ከሎ ናይ ህዝቢ ኣይነበረን ኣይኮነን ኢለ ክሓልፎ ምመረጽኩ ግና ክፈልጥዎ ዘለዎም ነዞም ናይ ቅዋም ተከላኸልቲ ብዓይንን ዕግበትን ህዝቢ ኤርትራ ዋላ,ኳ ኣብ ሓደ ዝተጠርነፈ ኣይንበር ቅድሚ 250 ዓመት ዝተጠርየን ዝነኣድን ሕግን ቅዋምን በብኣውራጅኡ ከም ዘጽንሔ ርዱእ ኮይኑ ነዚ ደም -ሲሱ ነታ ዝጣበቑላ ዘሎው ሓቡኡ ንህዝቢ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝደለዮ ይሓንቆ ስለ ዘሎ ኢሳያስ ሓቢኡዋ ዝጸንሔት ሕጊ ተቐበል ኣይቲቀበል ዝብል ሸንኮለል ዳግም ንህዝቢ ኤርትራ ዝድብስ ኣይመስለንን። እንተ ኣድለየ ድማ ህዝቢ ምስ ተሓተ። ምኽንያቱ ርግጸኛ,የ እዚ ቅዋም እዚ ክሕንጸጽ ከሎ ህዝቢ ብዘለዎ ተመኲሮ ናይ ሕጊ ብዛዕባ ሕጊ ኣድግና-ተገለባ ተሃቲቱ,ዶ? ብዛዕባ ሕጊ ኣድመ-ምልጋእ፤ ሕጊ-ዓዲ.ቆጺ፤ ሕጊ ሎጎ-ጭዋ፤ ሕጊ. (7) ዓንሰባ፤ ሕጊ ሕጊ. እንዳከንቲባ፤ ሕጊ. ዕናይን-ለይጓይን ወዘተ ዝሓተቶ ኔሩ ድዩ? ኣይመስለንን። ምኽንያቱ እዚ ሕግታት,ዚ ገሊኡ ኣብ ቀረባ ዘመን ዝተሓደሰን መዋዳድርቲ ዘይብሉን ክነሱ ገሊኡ ምጽጋንን በዚ መዋእል ምስትኽኻልን ዘድልዮ ጥራይ ምንባሩ ማንም ዜጋ ዝፈልጦ ሃቂ ክነሱ ኢሳያስ ዝነደፎ እንተዘይ ተጠቐምና ዘብል ግድን ዘሎ ኣይመስለንን።

ብመሰረቱ እዚ ቅዋም,ዚ ናይ ህዝብን ብህዝብን ዝተነድፈ ኔሩ እንተዝኸውን ናይ ባድመ ሽግርውን ኣይምተፈጥረን ኔሩ። ህዝቢ ተሓቲቱን ረድዩን ዝገብሮ ክንዲ ኣድሪ ትኣክል መሰል ኣይነበሮን ኣይተሓተን ከምኡ እንተዘይኸውን ኔሩ ዝነበሮ ኣውራጃታት ደምሲስካ ዞባ ማእከል ዞባ ደቡብ ዝብሉ ኣብ ሓንጎሉ ዝኣትው ኣይኮኑን ኣይነበሩን። እዚ ንባዕሉ እኹል መረዳእታ እመስለኒ። ካልእ ይትረፍ እዛ ትበሃል ዘላ ቅዋም ህግድፍ ነቲ ኣቦ ወንበር ኮይኑ ዝሓንጸጻን ዘተግበራን ሓላፊ ኮሚሽን ፕ/ር በረኸት ሃብተስላሴ እኳ ፍረ ጻዕሩን ፍረ-ጻዕሪ ብጾቱን ኣብ ንግስተ-ሳባ እስታዲዩም ንኸንብባ ዕድል ኣይተዋህቦን ከይብሉኒ ከይበለ ምንጥል ኣቢሉ ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ጅብኡ ከም ዘእተዋ ትኽሕድዎ ኣይመስለንን ኣንቱም ትጣበቑላ ዘለኹም። ነዚ ነውሪ,ዚ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርኩሞ ክትከላኸልሉ ዘይበቓዕኩም ሎሚ ነጽድቃ ንጠቐመላ እንታይ ፍርያት ይህብ። ዝኸውን እንተዝኸውን እቶም ብድፍረት ሞት ተጎዝጒዞም ኣብ ግብሪ ነውዕላ ዝበሉ በዓል ድሩኦ በዓል ሸሪፎ በዓል ጴጥሮስከ ብዓል ጀ/ ዕቚብ ጀ. ብርሃነ ጀ.እስቲፋኖስ ወ/ሮ ኣስቴር ብራኺ ገብረስላሴ ዘጥፍኤት ቅዋም ትብህጉዋ ኣሎኹም!!! እዚኣስ……………………እቲ ጉዳይ ብዙሕ  እንተታት እንዳሓዘ ይኸይድ ኣሎ ካብዚ ሓሊፉ ካልእ ኣሰካፊን ኣጠራጣርን ነገራትውን ብረቂቕ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኤውሮጳ ዘለው ምሁራት ትማሊ ዲክታቶር ኣብ,ዚ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ሃገር ጥፍኣት ንኽበጽሕ ኣጆኻ እንዳበሉ ዘሰወድዎ ምሁራት ድጉል ድብያ ሒዞም ኤርትራ እንደጋና ብታሕታዋይ ቀጸላ ህግድፍ ዳግም ንኽትምራሕ ይምነዩን ይንቀሳቐሱን ምህላዎም ብረቂቕ ዳህሳስ ዘይረኣየና መሲልዎም ታሕቲ ላዕሊ ይብሉ ምህላዎም ዝሰሓት ኣይኮነን። ሓንቲ ንእሽቶ ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ብመንግስቲ ከም ፓርቲ ኣይፍለጥን ኩለን ውድባትውን ከም ውድባት ብመንግስቲ ደረጃ ትፍለጥ የብልናን እቲ ዝርካቡ መራኸቢና ብዓይኒ ፖሊሲ ኣብ ጀርመን ብማሕበራት ማለት ብሕጋዊ ኣብ ጀርመን ብሕጊ ቅቡል ማሕበር ስለ ዘለወን ናይ ውሑዳት ውድባት ደብዳቤ ኣብ ጽፍሕታት መንግስቲ ጀርመን ቅቡል,ዩ ዘይቅበሉወን ብዙሕ ዓመታት ዝገብራ ምንቅስቓሳትውን ኣሎዋ። ኣገራሚ ንሰ.ዲ. ግን እዚ ከየጽደቐ ኣብ ውሱን ጊዜ ንዝህቦ ደብዳቤታት እቲ ዝምልከቶ ጽፍሕታት ምስ ተቐበሎ ኣብ ምንታይ ዝተመርኮሰ ኢልካ ምስ እትሓትት ኣዕጋቢ መልሲ ኣይርከብን።

ኣብ ኣመሪካ እንተረኣካ ብፍላይ ኣብቲ ንወጻኢ ዝምልከት ዝወጸ ናይ መጽናዕቲ ፖሊሲ እንተረኤኻ ኣቲ ብቐዳማይ ቦታ ናይ ተቓውሞ ሰሪዔሞ ዘለዉ ከም ቀዳማይ ሰ. ዲ. ዝብል ትረክብ። እዚ ካበይ ይነቅል ኣበይከ ክዓርፍ,ዩ? እቲ ናይ ኣመሪካ ከምኡ ምባሉ ጥራይ ኣይኮነን ዘገርም ንዲ.ፒ ንበይኑ ኣቐሚጡ ካልእውን ብኺዳን ዝፍለጥ ተረፍመረፍ ጉጅለታት ኣሎ ክብል ይጠቅስ፡ ስለዚ ሰ.ዲ.ኤ ካብ ኪዳን ውጻኢ ከም ዘሎ ይገልጽ። እዚ ኣብ ውሽጢ ኪዳን እንታይ ይንበብ? በዚ ትዕዝብቲ,ዚኸ? ምትእምማን ይሰፍን,ዶ? እዚ መበልየይ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ትማሊ ኣብ ሜዳና ኣትዮም እንታይ ፈጺሞም? ኣብነት ጀርመን ክሳብ ቀረባ ዓመታት እንታይ ግደ ኔሩዎም? ኣብዚ መንጎ ንህግድፍ ዘለለዩዎ ይመስሉ ኔሮም ሎሚኸ ተመኲሮ ናይ ሕሉፍ በየናይ መንገዲ ይመጹና ኣሎዉ? ምክትታል ዝሓትት,ዩ። ኣብ ኣመሪካኸ እንታይ ይነፍስ ኣሎ? ምዝታይ ምስ ህግድፍ ዝብል ቋንቋታት ክዝንቢ ንሰምዕ ኣሎና!! ሓቂ,ዶ ይህልዎ? እዙይ ኩሉ ዘምጽኦ ዘለኹ ንኺዳን ክሳብ ክንደይ ንቕድሚት ከሰጉሞ ይኽእል ንምግማት ጥራይ እዩ። ካብ ናይ ህግድፍ ስለያ ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ስለያ ኪዳን ይኹን ዝኾነት ውድብ እንታይ መለክዒታት ኣሎ ነጻ ምዃነን መልሲ የብለይን ከም ሰብ ክጠራጠር ግን  ከም ሰብ ጠርጠራታት ክሕድር ውሁብ,ዩ።

ከም መጠቓለሊ እቶም ትማሊ ንኢሳያስ ከም ልኡኽን ቅቡልን ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ተቓዋማይ ይምልከቶ ክነሱ (ህ.ግንባርን) ( EPRDF) ( ደርግን ) ጥራይ ከም ዝምልከቶም ኣብ ኣትላንታን ኣብ ናይሮቢን ኣብ ለንደንን ዘኤንገድዎም ሓይልታት ሎሚኸ ክሳብ ክንደይ ነጻ ይገድፍዎ ንኹነታት ታቓውሞ ደጊሙ ኣብ ጠርጠራታት ዝእቱ ቀዳድ ባይታ ምህላው ኣይንረስዕ።

ካብዚ ነቒለ  ሕቶ ብሄራትን ሕቶ ሃይማኖትን ኣብ ኪዳን  ክሳብ ክንደይ ጽልዋን ዕንቅፋትን ይፈጥር ብመጠኑ ከብርህ ክፍትን,የ። ኩሉ ዝጽሕፎ ዘለኹ ኣብ መዋእል ግሉጽነት ኩሉ ክዝንቢ እትራዮን እትሰምዖን ኣብ ባይታ ኣውሪድካ ዘሎ ንኡስ ይኹን ዓብይ ፍልልያት ምስ ዝወርድ ወይ መኣረምታ ይረክብ መብርሂውን ክመጽእ ይኽእል,ዩ ካብ ዝብል ነቒለ እንተዘይ ኮይኑ ንሓደ ኣቕሪበ ነቲ ካልእ ክነጽግ ማለተይ ከም ዝይኮነ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ይላቦ። ሓላፍነት ዘይስምዓኒውን ኣይኮነን ቊስልኻ እንዳሓባእካ ሓላፍነት ግን ንዝኾነ ጠቕሚ ህዝብን ሃገርን ኣይውዕልን።

ይቕጽል………………………………………….                         ፍስሓጽዮን ገብረ.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2654

Posted by on Jan 3 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net