ናይ ሓዘን መግለጺ
ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምኽንያት ሞት ሓው ዓብደላ እድሪስ፡ ኣቦ መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና: መስዋእቱ ብከንቱ ከምዘይሓልፈን፡ ዘበገሰና ዕላማ ሓርነት ከኣ ኣብ መዓርፍኡ ንምብጻሕ ሕድሪ ከም ዘለናን ብተወሳኺ ነረጋግጽ።። ሓው ዓብደላ እድሪስ ካብ ዕሸል ዕድሚኡ ጀሚሩ ክሳብ ብሕማም ዝወደቐሉ እዋን፡ ካብ ዝተሓተ ጽፍሒ ክሳብ ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ውድብ፡ ክሳብ ኣብ ዝዓረፈሉ እዋን ንውድብ ተጋድሎ ሓርነት ብጅግንነት ዝመርሐ ተባዕ ተጋዳላይ ኢዩ፣ ኣብ ጊዜ ዕረፍቱ ነታ ካብ ህጻነንቱ ኣትሒዙ ዝተጋደለላ ሃገሩን፡ መዳሕንቱ ዝተቐብረትላ ዓዱን ተመሊሱ ከይረኣየ ብሞት ምፍላዩ ናይ ብዙሓት ከምኡ መሬት ዓዶም ተነፊግዎም ናይ ዝሓልፉ ዘለዉ መስዋእቲ እናዘከርና ተደራብ ናይ ሓዘን ስምዒታት ዘኸትል ሞት ምዃኑ ክንገልጽ ንግደድ።።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ በታቲኑ ኣብ ግዳም ደርብይዎ ዘሎ ስርዓት ንምእላይ፡ ንቕሓትናን ዕጥቅናን ከነትርር እናተላቦና፡ ንዕኡ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ። ንስድራ ቤቱ ከኣ ኣምላኽ ጽንዓት ይሃቦም፣
ኤ.ሃ. ኮ.ደ.ለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
ግንቦት 5, 2011
Short URL: https://english.farajat.net/?p=4395