ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ንመበል ዕስራ ዓመት ማዓልቲ ነጻነት ምኽንያት ብምግባር ኩሎም ደሞክራሲያዉያን ተቓለስቲ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ንህልዉ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ምልክነት ህግደፍ ንኽሕልፎ ዝጸንሐን ዘሎን መከራን ስቓይን ብዘንጸባርቕ መገዲ ተባዒሉ፡፡

እዚ ኣብ ኣዳራሽ ቤት መግቢ ኦሜጋ ስቶክሆልም ብጽላል ሲቪካዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዉልቀ ዜጋታትን ኣብ ሽወደን ተዳልዩ ዝተኻየደ ባዓል መዓልቲ ነጻነት፡ ንኽልተ ቀንዲ ህልዉ ኩነታት ኣተኩሩ እዩ ተባዒሉ፡-
1. ንህልዉ ኩነታት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት መሬታዊ ነጻነት እምበር ሓርነቱ ዘይረኸበ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዘሕልፎ ዝጸንሐን ዘሎን መሪር ናይ ሞት፡ ጥምየት፡ ማእሰርቲ፡ ስደት፡ ባርነት፡ ራዕዲ፡ ኮታ ብሓፈሻ መሰረታዊ ሰብኣዉን ደሞክራሲያዉን መሰላት ዝረገጸ ምሕደራ፡ ግቡእ ገምጋምን ግንዛቤን ሂብካ ንስርዓት ህግደፍ ፖሊስኡን ዝዳረግ ግብረ-መልሲ ክህብ ዝኽእል ኣብ ምንዳይን ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ድሮ ዘሎ ደምበ ደሞክራሲያዊ ለዉጢ ኣያ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ እሙንን ዓርሞሸሻዊ ሓይሊ ናይ ለዉጢ ኣብ ምግባሩ ሓሳባት ምእካብ።
2. ኣብ ኣከያይዳን ኩነታትን ደምበ ቃልሲ ንደሞክራሲያዉያዊ ለዉጢ ኣወንታዉን ኣሉታዉን ጎድንታት ብምፍታሽን ብምግምጋምን ንቅድሚት ዘሰጉሙ ናይ ሓሳብን ግብርን ሓሳባት ዝእከብሉ መድረኽ ምጥጣሕን ኮይኑ ፡ሎሚ ህዝብና ነዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ምሕደራ ህግደፍ ዝልወጠሉን ሃገር ካብ ምብታን ንምድሓን ስጋብ ሕጂ ዝተዓመሙን ብሕጂ ተሪፎም ዘሎዉ ዕማማትን ተራ ኩሎም ኤርትራዉያን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝዓዘሉን ዝያዳ ዝድንፋዓሉ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ንኹሉ ዝጠምረና ሃገራዊ ሕቶታትን ከምኡ እዉን ኣብ ኣካያይዳ ቃልሲና ሓባራዊ መረዳእታ ብምጥራይ ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ህዝቢ ዋና እቲ ለዉጢ ዝኾነሉን ኩነታት ኣብ ምጥጣሕ ዘሎ ተኽእሎታት ዝሕግዙ ሓሳባት ምፍሳስ ዝብልን ካልኦትን ከም ንጉዳይ መንእሰያት፡ ሃገራዊ ዋዕላን ዉጽኢቱን ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ንሃገራዊ ጉባኤ ንምድላዉ ዝስራሕ ዘሎ ዕማማት ኮምሽን ወዘተ.. ዝምልከቱ ኣርእስትታት ማእከል ጌሩ ዝተባዕለ ባዓል ኔሩ።

በዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ መንቀሊታት እቲ በዓል፡ ብመራሕቲ መደባት ቴሌቭዥን ዘተን ቴሌቭዥን ኣዳልን ኣሕዋት መሓሪ ኣብራሃምን ዓብደልከሪም ሙስጦፋን ዝተመርሓ ህዝብን ዕዱማት ተዛተይትን ዝተሳተፉዎ ሓባራዊ ዘተ ተኻይዱ፡፡ ብወገን ንዘተ ዝተዓደሙ ተዛተይቲ ብዘይካ እቶም ተዓዲሞም ክነሶም ዘይተረኽቡ ገለ ሸነኻት፡ መብዛሕቶም ማለት ሰለስተ ደቀኣንስትዮ ዝርከበኦም ክልተ ደቂተባዕትዮ ቦተኦም ሒዞም ብኣዝዩ ዝምስገን ስነስርዓትን ትሕትናን ተዛትዮም ዕዱማት ተዛተይቲ እዞም ዝስዕቡ ነበሩ፡-
1. ኣቶ ነጋሽ ዑስማን ካብ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን
2. ኣቶ ኣንቶንዮ ተስፋይ ካብ ሰልፊ ሕዝቢ ኤርትራ (ሸነኽ ወልደየሱስ ዓማር)
3. ወ/ሮ ዓሻ ጋዓስ ካብ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ
4. ወ/ሮ ምሕረት ዳዊት ካብ ማሕበር ኤርትራዉያን ደቂኣንስትዮ ንዉህደት
5. ወ/ሮ ኸድጃ ሓሰን ብዉልቂ

እዮም ኔሮም፡፡ ድሕሪ እቲ ርሱንን ኣገዳሲ ዘተን ምልዉዋጥ ሓሳብን ምስተገብረ ኣዳለዉቲ እቲ ዘተ ናይ ተዛተይቲን ተሳተፍትን ሓሳባት ብምጥማር ዛዛሚ ቃል ቅድሚ ምሃቦም ሓደ ካብ መራሕቲ እቲ መደብ ሓዉ መሓሪ ኣብራሃም ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ሽወደን ተወዳዲሩ ኣብ ባይቶ ሽወደን ዝኣተወ ኤርትራዊ ኽቡር ሓዉና ኣርሀ ሓመድ ናካ ከምዚ ክብል ቃል ሂቡ ”ኣብ ባይቶ ሽወደን ካብ ዝኣተወላ እዋን ኩሉ ኣገባብትን ተኽእሎታትን ናይ ባይቶ ስወደን ተጠቂሙ ካብቲ ንሱ ወኪልዎ ዘሎ ሰልፊ ሶሻል ደምክራሲያ ሽወደን ጥራይ ከይተወሰነ እንኮላይ ምስካላኦት ሰልፍታት ሽወደን ኮይኑ ኣብ ባይቶን ዓበይቲ መድረኻትን ንኹነታት ህዝቢ ኤርትራን ደሞክራሲያዊ ቃልስናን ኣብ ምልላይን ኣብ ምፍላጥን ዝጻወቶ ዘሎ ዓቢ ዲፕሎማሲያዉን ደሞክራሲያዊ እጃምን ብቐሊል ዘይግመት ብምዃኑ ንክቡር ኣባል ባይቶ ሽወደን ሓዉ ኣርሀ ሓመድ ናካ ብኣጋጣሚ እዚ ታሪኻዊ ምትእኽኻብና ገዛ ከመስግኖን ከተባብዖን ይሓትት።” ብምባል ድሕሪ ምሕታቱ ተስተፍቲ ከም ግብረ መልሲ ነጎዳ ጣቕዒትን ዕልልታን ጌሮም ደገፎምን ምስጋነኦምን ገሊጾም ፡ ብድሕሪ እዚ ሓዉና ኣርሀ ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሸነኽ ደምበ ደሞክራሲያ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘሎና ብልጫታት ብምጥቃም ዲፕሎማሲና ብናህሪ ክንሰርሓሉ ከምዘሎና ተላብዩ፡፡
ኣብ መወዳእታ ተስተፍቲ እቲ ባዓል ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ብምህብታምን ርእይቶ ብምዉሳኽን፡ ብፍላይ ከኣ ደምበ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ዝእርሞም ኣሉታዊ ሸነካት፡ በርቲዑ ክሰርሓሎም ዝግበኦ ኣዎንታዊ ጎድንታትን ዘተቓለሉ ሓሳባትን ርእይቶን ብማሃብ እቲ ናይ ዘተ መድረኽ ተወዲኡ፡፡

ኣብ ካልኣይ ገጽ መደብ እቲ ባዓል ምስቲ ዝተቐረበ ባህላዊ ድራርን መስተን ምቁር ሕብስትን ተሰንዩ ንህሉዉ ኩነታትና ዘንጸባርቑ በቶም ወናማት ወትሩ ኣብ ጎድኒ ፍትሒ ጠጠዉ ኢሎም ብጽንዓት ዝተቓልሰሱን ዝቃለሱ ዘሎዉን ሕልናዊ ቅሳነት ዝደሞዞም ኣብ ሽወደን ዝምቕማጦም ክኢላታት ሙዚቃን ስነ-ጥበበኛታትን ዝኾኑ ኣሕዋት
• ስነ-ጥበባዊ ተመስገን
• ” ” ተኽለ ኣብርሃ
• ” ” ኣሉላ ሃብተ
• ” ” ዮሴፍ መለስ
• ” ” ሙሳ ሳልሕ
• ክኢላ ናዉቲ ሙዚቃ ሳሙኤል ናሽሕ
ብምዃን ብዝምስጥ ክኢላዊ ዓቕምታቶም እንዳተበራረዩ ዘመናዉን ባህላዉን ሙዚቃ ንተሳተፍቲ ብምእንጋድ እቲ ባዕል ብኣዝዩ እዱብ ስነ-ምግባር ተዛዚሙ።
ኣብ መደምደምታ ብኣጋጣሚ ክንብሎ እንደሊ ተዕዝብቲ ከዚ ዝኣመሰለ ጉልበትን ገንዘብን ፈሲስዎ ዝተዳለወ ምዕሩግ ናይ ምትእኽካብ ምሸት ሰዓት ኣብ ምኽባር ዝተራእየ ሸለልትነት ክዉቀስ ይግበኦ እዩ፡፡ ተሳተፍቲ ባዓል መደብ ዝጅመረሉ ግዜ ተነጊሩ ከብቅዕ ኣብ ግዜኻ ዘይምርካብ ንምድንጓይን ዘተደለየ ግዜ ምኽሳርን የስዕብ ስለዝኾነ ሰዓትካ ኣኽቢርካ ዘይምምጻእ መል ናይቶም ሰዓቶም ኣኽቢሮም ዝመጹ ምግሃስ እዉን እዩ,ሞ ክሕሰበሉ ዘሎዎ እዩ፡ ብወገን ኣዳለዉቲ እዉን መደባት ኣብ ዝተመደበሎም ሰዓታት በቶም ዝተረኽቡ ተስተፍቲ ምጅማር ተመራጺ እዩ ስለዝኾነ ንብድሕሪ ሕጂ መድባት ኣብ ግዜኦም ዝጅመርሉ ግዜ ኣብ ምዉሳን ተባዓት ክትኮኑ ከድልየኩም እዩ፡፡

ኣገልግሎታት ቴሊቭዥን
ዘተን ኣዳልን
ስቶክሆልም – ሽወደን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4769

Posted by on May 25 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net