11 መንእስያት ዓፋር ካብ ደሴት ዳህላክ ንወደብ ኣልሓያ ዝተባህለ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ።

ብዕለት 07 ሓምለ 2011 ዓሰርተ ሓደ ኣባላት ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና መንእስያት ዓፋር ካብቲ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ብምህዳም ካብ ከባቢ ዳህላክ ብምብጋስ ናብ ኣልሓያ ዝተባህለት ወደብ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ። ምንጭታትና ከም ዝሕብርዎ ምክንያት መህደሚ ናይዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ባሕሪ ዝተረኽበ ዕጭኡ ምርሻን ምዃኑ ዝተመሓላለፈ ኣረሜናዊ ውሳኔ ስርዓት ህግደፍ ብምንጻግ፡ ኣብ ከባቢ ዳህላክ ዓሳ ንምግፋፍ ምስ ወረዱ፡ ፋይቨር ዝዓይነታ ወተሃደራዊ ጀልባ ንምህዳኖም ምስ  ተጓየየት፡ ነብሶም ንምድሓን ኢዶም ንሰበ-ስልጣን ክህቦ ምግዳዶም ይሕብሩ። ዕድመ ናይዞም መንእሰያት እዚኣቶም ካብ 15-28 ከም ዝበጽሕ ብድሕሪ ምሕባር ከኣ፡ ኣስማቶም ከምዚ ዝስዕብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣረጋጊጾም።

1.         መሓመድ ኣሕመድ ፈርሰነ

2.         ዓብዱ ኣሕመድ ፈርሰነ

3.         ያሕያ ዓብደላ

4.         ሓሰን መሓመድ ሮሞዳን

5.         ሙኽታር ዓሊ

6.         መግቡል መሓመድ

7.         መሓመድ ዑስማን

8.         ዒሳ ሓሰን

9.         ዓሊ ሰዓድ

10.       መሓመድ ሓጅ

11.       ኣሕመድ ዓብደላ 

ግፍዓዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ዘካይዶ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊስታትን ተግባራትን ብፍላይ ከኣ ነቲ ዕለታዊ መነባብሮኡ ምስ ውጽኢት ባሕሪ ዝተኣሳሰረ ህዝቢ ዓፋር ንምብራስ ኣብ ባሕሪ ምውራድ ንምርሻን ዘብጽሕ ኣረሜናዊ ውሳኔ ብምውሳዱ፡ ነቲ ህዝቢ ንጥምየትን ዓጸቦን ክጋለጽን ከምኡ’ውን ካብ መረበቱ ክፈናቐልን ይገብር ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ነዚ ኢ-ሰብኣዊ ፖሊስታትን ተግባራትን’ዚ ብድሕሪ ምኹናን ንመላእ ማ/ሰብ ዓለምን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንህዝቢ ዓፋር ንምድሓንን ሂወት ናይቶም መንእስያት ንምዕቋብን ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻወቱ ይጽውዕ።

ቤት ጽሕፈት ዜና

ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

15/07/2011

Red Sea Afar Democratic Organization, Info.&Comm.Office, Addis Ababa- Ethiopia

+251913075764 (telephone) +251912097006 (telephone), Email: rsado98@yahoo.com, Website: – www.dahlak.org

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5363

Posted by on Jul 17 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net