ጻውዒት ስመር ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ሓዘን ኤርትራውያን

ብ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ በይ ኤርያ ካሊፎርኒያ

 ዝኸበርካ አብ ውሽጢ ዓዲ እትነብር ህዝቢ ኤርትራ፡

 ዝኸበርካ ካብ ሃገርካ ወጺኻ አብ ስደት እትነብር ህዝቢ ኤርትራ፡

          ንሰላሳ ዓመት መሪርን ጽንኩርን ቃልሲ ተቓሊስካ፡ ደም እትፈትዎም ቀያሕቲ ውልድካ ከፊልካ ናጽነት መሬትካ ካብ ትጭብጥ ድሮ ዕስራ ዓመት ኮይኑ። እንቶኾነ ግና ድሕሪ ናጽነት ብሰላምን እፎይታን ንኽትነብር ዝነበረካ ድልየት ከም ሕልሚ ደርሆ ተቐይሩ አብ ዓለም እቲ ዘስካሕክሕ ናብራ ከተሕልፍ ተገዲድካ አለኻ። ጀጋኑ ስውኣትና በጃ እቶም ብህይወት ዘለና እንክሓልፉ ሕድሮም ብልዕልና ሕጊ እትምሓደር ምዕብልትን ብልጽግትን ኤርትራ ንኽትህልወና እዩ ኔሩ። ሕድሪ ጀጋኑና ግና አንኳይዶ ክትግበር ንካሊኢታት’ውን ዝዝክር መራሒ ወይ’ውን ሰበ ስልጣናት ግና የልቦን።

         ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡

        ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍቖዶ በረኻን ቀላያትን ይሞቱ ዘይኮነስ ይጸንቱ አለው። አብ ዝሓለፈ እዋን አብ ቀላይ ሜዲተራንያን አስታት አርባዕተ ሚእቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ብዘይ መላሲ አውያት ተላሒሶም። አንኳይዶ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኮይኑ ንስለኦም ባንዴራ አብ ፍርቂ ክትስቀልስ ይትረፍ ንቡር ናይ ሽምዓ ምሸት እውን ከምቲዝድለ አይተገብረሎምን። ሞት አሕዋትናን አሓትናን ግና ብእኦም አየብቀዔን ገና ይቕጽል አሎ። ሞት ኤርትራዊ መንእሰይ ግና ገና ጠጠው አይበለን።

        አብዚ ቀረባ ኣዋን ሬሳታት አሕዋትናን አሓትናን አብ አጻምእ ሲናይ ካብ መሬት ተፋሒሩ ክወጽእ ርእዩ ዘይነብዔን መዓንጣ ከብዱ ዘይተቓጸለን ሰብ ሕልና ኤርትራዊ የልቦን። እህህ ኢልና ድቃስ ሲኢና ክንትክዝ ቀኒና አባድን ተአባድን ዘይብሉ መሪር ሓዘን። እቶም “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ዝሕላገቶም ሰብ ጥጁእ ሕልሚ ግና ሞት እዞም ዕሸላት አይንታዮምን እዩ። ንዕኦም ዘገድሶም መሪሕነትን መንበርን ኢሰያስ ጥራይ እዩ። እቶም ተዓጺፍካ ሞት ተዘርጊሕካ ሞት ኮይኑዎም ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡ ዘለው፡ አብ በረኻ ሲናይ ናውቲ አካላቶም ማለት ኩሊቶም፣ ሳንብኦምን ጸላም ከብዶምን ብበደዊን ዝበሃሉ ዓሌት ምስሪ ዝምንዝዑ ዘለው ደቂ ሃገር ንዕኦም አይንታዮምን እዮም።

ዝኸበርካ አብ ውሽጢ ሃገር እትነብር ህዝብና፡

         እዚ አብ ልዕሌኻ ዝወርድ ዘሎ ንኽትዛረበሉ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ክጻወርዎ ዘይከአሉ አብ ስደት ዝርከቡ ምዑታት ደቅኻ አብ ልዕሊ እቲ አባይካ ስርዓት ህግደፍ ሕነ ክፈድዩልካ ስመር ኢሎም ተላዒሎም ይርከቡ። ውልቀ መላኽን ቀንዲ መሻርኽቱን አብ ኒው ዮርክ ከም ጤለ በጊዕ ተኾብኩቦም ክሃድሙ፡ አምባሳደራት ህግደፍ አይትውኩሉናን ኢኹም ተባሂሎም አብ ከተማ ሊድስን እስራኤልን ካብ መድረኽ ክባረሩ ትርእይዎም አለኹም። አብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝገበርዎ ደርማስ ሕቖ ህግደፍ ዝሰበረ ሰላማዊ ሰልፊ አብ ጀርመን፣አብ ስዊድንን ዓዲ እንግሊዝን አይሰማዕኩሞን አይንብልን። አብ ደገ ዘለና አሕዋትኩምን አሓትኩምን “ወዲ ኤረይ ኩሕሎ ኤርትራናስ ብህግደፍ ዶ ትሕሎ ሎምዘመን ሓዲኡ’ሎ” ኢልና ተበጊስና አለና’ሞ ነዛ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኢልና ጸዊዕናያ ዘለና ዕለት ኩሉኹም አብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለኹም ደቂ ሃገር ንኸተዓውትዋ አብ ደገ ዘለና ህዝቢ ንጽወዓኩም።

        ን 11.11.11 ማለት 11 ሕዳር 2011 ዓ.ም ዓርቢ መዓልቲ ኩሉኹም ኤርትራውያን ናይ ሓዘን መዓልቲ ስለዝኾነት ድሕሪ ስራሕ ወይ ትምህርቲ አብ ገዛኹም ኮፍ ኢልኩም ከተምስዩን፡ ንኸተማታት ሃገርና ብጭውጭውታ ከም ዝወሓጣ ብምግባር አካል ናይ’ዚ ሃገራዊ ናይ ሓዘን መዓልቲ ንኽትኮኑ ሃገራውን እዋናውን ጻዊዒትና ነቕርብ። አብ ስደት ዘልኻ ህዝብና ድማ አብ ከከባቢኻ ተአኪብካ ሽምዓ አብሪህካ ንኸተምስይ ንጽውዕ።

ስመርርርርርርርርርር ደቂ ኤረይ ዓርቢ ምሸት ጽምጽም ነቡለን ከተማታት ኤርትራ!!!!!!

ሕቖ’ቲ ጠላም ስርዓት ንኽስበር!!! ስመርርርርርርርርርር!!!!  

ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ በይ ኤርያ ካሊፎርኒያ

04 ሕዳር 2011 ዓ.ም

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6255

Posted by on Nov 7 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net