ቕልዕቲ ደብዳበ ናብ ሓው ተኽለሰንበት ተኽላይ

ኮሚሽነር ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ

ከተማ ቦን ፡ ሃገረ ጀርመን

 

     ጉዳይ፡ ተራ ኮሚሽነር ኣብ ንጥፈታት ጨንፈር ስዊዝ

ፈለማ፡ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ጨንፈር  ስዊዝ፡  አብ ሂወትካ ጥዕና፡ ኣብ ስራሕካ ድማ ኣሳልጦ ትምነ፡፡

ካብዚ ብምቕጻል፡ንኣንብብቲ ናይዚ ንሰዶ ዘሎና ጽሑፍ ከነብርሆ እንደሊ፡ እዚ ደበዳበብቐንዱ ንሓው ኮሚሽነር ተኽለሰንበት ተኽላይ ዝቐንዐ ይኹን ደአምበር፡ ንአቦ መንበር ሃገራዊ ኮሚሽን፡ ሓው አምሃ ዶመኒኮ እዉን፡ ዝምልከት ሙኻኑ ኢዩ፡፡ ጎድኒ ጎድኒ እዚ ድማ፡ እታ ሽማግለ ነዚ ትጽሕፎ ዘላ፡ ነዘን  ዚስዕባ ክልተ ዕላማታት ንምዉቓዕ፡ ስለ ዝሃቀነትኢዩ፡፡

1. ነቲ ኣብ ስርሓ ዘጋጠማ ሽግራት፡ ብዓቕሊ ንምፍታሕ፡ ብወገን እታ ሽማግለ ዝተገብረ ጻዕሪዘይሰለጠሉ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ዘሎ ደላይ ለዉጢ፡ ክፈልጥ መሰል ስለ ዘለዎን

 

2.ክልቲኦም ኮሚሽነራት፡ ብቐንዱ ድማ ኮሚሽነር ተኽለሰንበት፡ ነዚ ኣብዛ ቕልዕቲ ደብዳበ፡ ከም ጉድለታት ሰፊሩ ዘሎ ነጥብታት መልሲክህቡሉን፡ ርእይቶኦምንህዝቢ ንኽገልጸሉ፡ ወይዉን ክልቲኣቶም ኣብዚ ጉዳይ እዚ፡ መርገጻቶም ንህዝቢ ንክሕብሩ ንምሕታት ኢዩ፡፡

 

ንንጹር ርድኢት ኪምችእን፡ ንብዙሓት ክለዓሉ ዝኽእሉ ሕቶታት ንምምላስ ክፍተን ምእንቲ፡እዚ ጽሑፍ እዚ ዝርዝራዊ ኮይኑ፡ መእተውን ድሕረ-ባይታን፡ ኣብ መስርሕ ዘጋጠሙሽግራት፡ ጉድለታት ኮሚሽነር ተኽለሰንበት፡ ቀጥታዉን ዘይቀጥታዊ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ናይቲ ጉድለታትን መደምደምታን ብዝብሉንኡሳን ኣርእስትታት፡ ተመቓቒሉ ክቐርብ ኢዩ፡፡

 

  1. መእተዊን ድሕረ-ባይታን

ኣብ ወርሒ ነሓሰ2010፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ – ኢትዮጵያ፡ ምርጫ ኮሚሽነራት ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ዕማማት ኮሚሽን ኣብ ስዊዝ ምስ በዓል ጀርመን፡ ሆላንድን ካልኦት ሃገራትን ተጸንቢሩክስራሕ፡ ዝብል ዉዳበ ምርድዳእ ተገይሩሉ፡፡ ብድሕሪዚ፡ 18 ታሕሳስ 2010 ፡ ሓደ ተሳታፊ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ነቲ ዋዕላ ብዝምልከት፡ ኣብ ከተማ ዙሪክ ንህዝቢ ጸብጻብን መግለጺን ሂቡ፡፡ ኣብዚ ኣኼባ እዚ፡ ሓዉ ኮሚሽነር ዳንኤል ወልደትንሳኤ፡ዕላማታት ሃገራዊ ኮሚሽን ንህዝቢ ንምልላይ፡ ኣብ ዙሪክ ንክመጽእ መደብ ተታሒዙ፡ ምቕርራብ ተገይሩ እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ኣብቲ እዋን እቲ አጋጢሙ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ኣየር (በረድ)፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ክመጽእ ኣይከኣለን፡፡ሓው ተኽለሰንበት እዉን ብወገኑ፡ ምሰ ሓብትና ፍረወይኒ ገብረጻድቕ፡ኣብ 15 ጥሪ 2011 ናብLoerrach ( ምስ ስዊዝ  ዝዳወብ ቦታ ኣብ ጀርመን) ብምምጻእ፡ ንዕላማ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ፡፡

 

ብድሕርዚ፡ አብ 27 ለካቲት 2011 ኣብ ከተማ በርን፡ ዛዛሚጸብጻብ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንምቕራብን፡ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ጨንፈር ስዊዝ ንምምሰራትን፡ ሓበሬታ ጻውዒት ንህዝቢ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ፡፡ ብመሰረት እዚ፡ አብቲ ዕለት እቲ ጸብጻብ ጉባኤ ብተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ ድሕሪ ምቕራብን፡ ዕላማ ሃገራዊ ኮሚሽን ድሕሪ ምግላጽን፡ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ተኻይዱ፡፡ብ16 ኣባላት ዝቖመት፡ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ጨንፈር ስዊዝ፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ተመሪጻ፡፡ እዚዉን ኣብ ወብሳይታት ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣሰና.ኮምን ብጽሑፍ ከም ዝቓላሕ ተገይሩ፡፡

  1. ኣብ መስርሕ ዘጋጠሙ ሽግራት

እታ ሽማግለ፡ ድሕሪ ሕድሕዳዊ ሌላ፡ ኩሉቲ ኣባል ኣብ ዕላማታት ሃገራዊ ኮሚሽን ዘለዎ መረዳእታ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ብሓባር ክብገስ ምእንቲ፡ ፈለማ ነብሲ ወከፍኣባል ኣብቲ ዋዕላ ዘለዎ ተረድኦታትን ርእይቶታትን ከም ዝለዋወጥ ገይራ፡፡ ስዒባ ኸኣ፡ምክፍፋል ስራሕ ብምግባር፡ ንጥፈታታ ጀሚራ፡፡

 

ኣብቲ ዝሰዓበ ርክባታ ፡ እታ ሽማግለ ኣብ መጻኢ ንእተካይዶ ንጥፈታት፡ ወጻኢታት ስለዝህልዉዋ፡ ንዕኡ መሸፈኒ ዝኸዉን ገንዘብ ምዉጻእ ከም ዘድሊብኣባላታ መዘኻኸሪ ተዋሂቡ፡፡ ብመሰረትዚ፡  ነቲ ተወፋይነት ባዕላ ብምጅማር፡ ነብሲ ወከፍ አባል ሽማግለ ሓምሳ (50) ስዊዝ ፍራንክስ ክኸፍል፡  ሓሳብ ቐሪቡ፡፡ መዓላ ናይዚ ገንዘብ እዚ፡ ወጻኢታት ክራይ መአከቢ ኣዳራሽ፡ ናብ ዝተፈላለያ ካንቶናት ንህዝቢ ሰሚናር ንምግባር ምንቕስቓስ ኣብ ዝግበረሉ ግዜ፡ወጻኢታት ትራንስፖርት ኣባላት ሽማግለ ንምሽፋን፡ ካብ ኮሚሽን ንዝመጽእ ኣገደስቲ ጽሑፋት ፎቶ ኮፒ ብምግባር፡ ንደለይቲ ለዉጢ ንምዕዳልን፡ ካልእ ተመሳሳሊ ወጻኢታት ንምሽፋን ተባሂሉ ዝተኣመመ ኢዩ ከኣ ነይሩ፡፡ እዚ ጉዳይ እዚ 17 ሚያዝያ 2011 ከምኡዉን5 ሰነ 2011ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት ኢዩ ተዘቲይሉ፡፡

 

እዚ ሓሳብ እዚ፡ ብዝበዝሑ አባላት ተቐባልነት ዝረኸበ ክኸውን እንከሎ፡ ሓደ ሓሙሽተ ዝኾኑ ኣባላት ግን፡ ገሊኦም ቅድም ንማሕበር ክንሕብር ኢና፤ ገሊኦም ድማ ክንሓሰበሉ ኢናኢሎምመልሲ ሂቦም፡፡ በታፈጻሚትሽማግለን በቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ኣባላትን፡ ነቶም ንማሕበር ክንሕብር ኢና ዝበሉ፡ ’እዚ ጉዳይ እዚ ናብ ማሕበር ዝወስድ ጉዳይ ኣይኮነን፤እዚ ከም ኣባላት ናይታ ሽማገለ ንገብሮ ዘሎና ኣበርክቶ ኢዩ፤ ንሓደ ማሕበር ወይ ዉድብ ወኪልና ነዋጽኦ ዘለና ኣይኮነን፡፡ምናልባሽ ማሕበርኩም እንተሓጊዙኩም፡ ሰናይ፡ ካብኡ ዝተረፈ ግን 50 ሰዊዝ ፍራንክስ፡ ምስቲ ከም ኣባላት ክንዉፈ ትጽቢት ዝግበረልና ብምንጽጻር፡ ብዙሕ ኣይኮነን፡፡ክንድኡ ከነዋጽእ ከለና፡ ነቲ ተራ ኣባል ደንበ ተቓዉሞ፡ ነብሲ ወከፍዓዓሰርተ ስዊዝ ፈራንክስ ክንሓቶውንየጸብቐልና ኢዩ፡፡ ንኣገባብ ኣወጻጽኡኡ ብዝምልከትድማ፡ ብተሓዝ ገንዘብን ሓላፊ ፋይናንስን ይትግበር፡፡ ጠቕላሊ ተጸባጻቢ ወይ ኦዲተር ድማ ይከታተሎን ይቖጻጸሮን’ ዝብል መልሲ ተዋሂብዎም፡፡

 

ገሊኦም ሸዓ ኣብቲ ኣኼባ ምስ ተረኸቡ፡ ዳግማይ ዳርጋኣይተቐልቐሉን፡፡ እቶም ዝተረፉ ድማ፡ ብድሕሪኡ ቁሩብ መዓልታት ትርእይ ኣቢሎም፡ ሃጢሞም፡፡ እታ ሽማገለ ዳርጋ ኩሉ ተካይዶ ናይ ዝነበረት ቐንዲ ቐንዲ ኣኼባታትቓለ ጉባኤ( ደቓይቕ ) ተታሒዙ ስለ ዘሎ፡ ተወሳኺ ዝርዝራት እንተ ኣድልዩ እዉን ንምቕራብ ይከኣል ኢዩ፡፡እቶምምሳና ኣብታ ሽማግለ ዝነበሩሞ፡ ደሐር በብእዋኑካባና ናይ ዝወጹ ኣሕዋት ዝርዝር ኣስማት፡-1.ኪዳነገብሩ/ወዲገብሩ/ 2.ገብረመስቀልፍስሓጽዮን /ገሬ/ ክልቲኦምካብካንቶን ቲቺኖ 3.ክፍሎምበየነ ካብ ካንቶን ሽዊዝ 4. ጸጋይደስበለካብካንቶንሉዘርን 5.ተኽለ ተኪኤን ኢዮም፡፡

 

ጎድኒ ጎድኒ ዚ ምዕባለታት እዚ፡ ሓደካብ ካንቶን ባዝል ዝመጸ ኣባል ናይቲ ሽማግለ፡ ቁሩብ ፍሉይ ብዝመስል ምክንያት ብምቕራብ ኢዩ ካብቲ ሽማግለ ወጺኡ፡፡  እዚ ብሓደ ኣባል ናይታ ሽማግለንሓላፊ ኣሃዱ ስርርዕ ተሓጽዩ፡ ግን ክምረጽ ዘይከኣለ ሓውተኽለ ተኪኤ፡ ኣብ 8 ጉንበት 2011 ኣብዝተገብረኣኼባናይታሽማግለ፡ ቕድሚኣ ኣብዝነበረትኣኼባቦኺሩድሕሪምጽናሕ፡ ‘ኣነእዚሽማግለ’ዚብቐዋሚዝሰርሕእዩዝመስለኒነይሩ።ግዝያዊኮይኑ፡ምስምዝዛምጉባኤስርሑዘብቕዕምዃኑኣይፈለጥኩንነይረ።ስለዚ፡ኣነኣብቲብዓቕመይዝያዳከድምዓሉዝኽእል፡ኣብምጥርናፍመንእሰያትክሳተፍ እየዝደሊብምባልተካኢከይሓደገብምውጽኡ፡ ተወሳኺ ሃጉዋፍ ተፈጢሩ፡፡ ብዛዕባ’ዚንምዝርራብ፡ ልክዕ ከምቶም ብጾቱ፡ ኢመይላትተሰዲዱሉ፤ስልኪ’ዉንተደዊሉሉ፡፡ እንተኾነደሃዩ ኣይተረኽበን። ናይዚ ኣባል እዚ ምዉጻእ ከይኣክል፡ ናይቲ ኣብ ዘየለወሉ፡ ብጾቱ የእሚንና ከነምጽኦ ኢና ስለ ዝበሉ፡ ተመሪጹ ናይ ዝነበረ’ሞ ናብቲ አኼባ ሽማግለ ዘይመጸ፡ ኣብ ካንቶን ባዘል ዝቕመጥ ኣባል ኣድራሻ፡ ንኽልእኸልና ሓቲትናዮ’ዉን ኣይለኣኸልናን፡፡

 

እቲብኡ ኣቢልካምጥፋእ፡ኣብኣኼባኔርካኔርካምስታፍን፡ ኣዚኻዶንጊኻምምጻእንምስበዝሐ፡ ንሕናዘይተረዳእናዮጌጋንፍጽምወይንብድሎምከይንህሉ’ ዝብልመረዳእታበታሽማግለተታሒዙ።ፊት ንፊት ዘይኮነ፡ ብወረ ወረ፡ ብሕሹኽታ፡ ብስልኪጎቦጎቦዝብሉመልእኽትታት ክመጹ ጀሚሮም።እቶም አብ አኼባዘይመጹዘለዉ፡ ዘይዕግበታትክህልዎምስለዝኽእል፡ ነቲዘይዕግበታቶምኣብኢመይልናሕንጥጥኣቢሎምልናክጸንሑእሞ፡ መደብሰሪዕናከነዘራርቦምከምእንደሊብምሕባር፡ ኣኼባጸዊዕና።ቕድሚኣብቲኣኼባምምጻእና፡ ‘በዚምኽንያትእዚ፡ኣብኣሰራርሓኹምኣይዓገብኩን’ ኢሉዝጸሓፈልናኣባልየልቦን።ደሓርእቲኣኼባምስተጀመረ’ውን፡ዘይዕግበትወይቕርዘብልነገራትንጌጋታትንእንተልዩክነግሩናተወኪስናዮም። ‘እዚኣእያእታዘየዕገበትኒ’ ዝበለናሓደኣባል’ኳኣይተረኽበን።

 

የግዳስ፡ ኣባላት ሽማግለ በዚከይሰልከና፡ ነቶምወከልቲካንቶናትቲቺኖንሽዊዝን (ብተዛማዲጥቡቕርክብ’ውንስለዘለዎም) ደሃዮምክንፈልጥኣብዝጀመርናሉ፡ብኣካልምስኣቶምክንራኸብከምዝደልዩ ብቓልሓቢሮምና።እታሽማግለተዘራሪባ፡ሓደ 4 ዝኾኑኣባላት፡ናብቲእሳቶምዘለዉዎካንቶንሽዊዝንካንቶንቲቺኖ’ውንዝቐርቦምቦታብምምጻእ፡ን 26 ሰነ 2011 ንክንረኽቦምድሉዋት

ምዃናን፡ነዚንምግባርድማመደብከምዝሓዝናንብስልኪተነግሮም።እንተኾነ፡ኣብቲዕለቲእቲምሳናንምርኻብከምዘይጥዕሞምን፡ ንዕዑ’ውንምቕርራብከምዘይገበሩሉንሓቢሮም።ስዒቡካብካልእምንጭታትዝረኸብናዮሓበሬታእንተነይሩግን፡ ነታኣብመስርሕዝጸንሐትምምስራት ‘ማሕበርመንእሰያት’ ብዝምልከት፡ ወግዓውነትብዛዕባእትለብሰሉኩነታት፡ ምስቶምካብካንቶናትባዝልንዙሪክን ዝመጹ መንእስያትንምምይያጥን፡ መስራቲኣኼባንምክያድንከምዝነበረበጺሕናዮ።

 

ንሕናምምስራትማሕበርመንእሰያትየሐጉሰና’ምበርኣየግሁየናንእዩ።ወሸለተመስሪቱን

ዓንቢቡን!! ንመስርሕተቓውሞዘቐላጥፍ፡ ከምዚዝኣመሰለንጥፈታትኣብዝኻየደሉ፣

ብዉሑዱንያታዊሓገዝክንህብባህምበለና!! ተኾነ፡ ናብቲኣኼባቲቕድሚምኻዶም፡ምሳናብተለፎንተዘራሪቦምከብቕዑ፡ብዛዕባ’ቲኣኼባኦምወስ’ኳኣየበሉልናን።እዛተመስሪታዝተባህለት፡ኣብFacebook ዝተቓልሐት ‘ማሕበርመንእሰያት’፡ሕጋዊሰብነትለቢሳዲያኣይለበሰትን? ለቢሳ

እንተኾይና፡ኣበየናይመንግስታዊበዓልመዚተመዝጊባ? ወይክንደይንጡፋት(active)

ወይ’ውንልኡማት (passive) ኣባላትኣለዉዋ? ብወገንናብወግዒ ንፈልጦነገር የብልናን።

 

ኣብዚ ሓጎጽጎጽ ዝበዝሖ መስርሕ እዚ፡ ካልእ ባህ ዘየብል ኩነታት እዉን ተፈጢሩ ኢዩ፡፡ ወዮ ቶም ብሓንሳብ ንኸጠራነፉ፡ ምቕርራብ ክገብሩ ዝጸንሑ መንእሰያት፡ አብ ሞንጎኦም ምርድዳእ ተሳእነ፡፡ከም ሳዐቤኑ ድማ፡ ኣብ መስርሕ ዝነበረ ጉዳይ ምንዳፍ መመሓደሪ ሕጊ ማሕበር፡ ገና ከይተጻፈፈ እንከሎ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ተገምዑ፡፡ እዚ ድማ ነቲ መሪሕነት ማሕበር ናይ ምምራጽን ምስኡ ዝኸይድ ካልእ መስርሓትን ከም ዝደናጎይገበሮ፡፡ ካልእ ክህሉ ዝክእል ተወሳኺ ፍልልያት አረኣእያ ኣይነበረን ንምባል ዘጸግም እኳእንተኾነ፡ እቲ ሓደ ጉጅለ ምስ ሽማግለ ተሓባቢሩክሰርሕዝደልይ፡ እቲ ካልእ ጉጀለ ድማ፡ ምስ ኮሚሽነር ተኽለሰንበት ተኣሳሲሩ ክኸይድ ዝደሊኮነ፡፡

 

  1. ጉድለታት ኮሚሽነርተኽለሰንበት ተኽላይ

 

ኣብዚብኮምሽንዞባኣውሮጳ (ጀርመን)፡ ብኣውርኡድማ ብሓውኮሚሽነር ተኽለሰንበት፡ 3 ጌጋታትተፈጺሙ፡ ዝብልገምጋምወሲድና።

 

. ርግጽዩ፡ ሓደሓደመንእሰያት፡ ናይ ነገርመንእሰይ፡ በቲዘለዎምውዑይደምተደፋፊኦም፡ኣብቲኮሚሽንዘካይዶዘሎቃልሲ፡ ክሕወሱከምዝደልዩብምግላጽ፡ ንኮሚሽነርተኽለሰንበትይኹንንኻልኦትኣብዝዉከሱሉ፡ ኮሚሽነራትሓንጎፋይኢሎምክቕበልዎምንከተባብዕዎምንባህርያዊነገርጌርናንወስዶ።ምእንቲ’ዚ፡ንምንታይርክባትኣካይዶምኣይንብልን።ኣይግባእንከኣ።

 

ኣብቲብ19ን 25 ሰነን 2011 ብተጠቓሲኮሚሽነር ተጻሒፉ፡ኣብመስከረም.ነትዝተረኽበጽሑፍ፡ ‘ገለሸነኽካብስዊዘርላንድክራኸቡናጸኒሖም’ ዝብልንካልእተመሳሳሊትሕዝቶዘለዎመልእኽቲይርከቦ፡፡ዕማማትሃገራትሆላንድንስዊዘርላንድንምስኮሚሽነራትኣብጀርመንተጠርኒፉክሰላሰልዝተበጽሐስምምዕምንባሩጠቒሱከብቕዕ፡ ኣብስዊዘርላንድዘለዉብቑጽሪመንእሰያትዝዓብለሉተቓወምቲ፡ኣብ በርን ኣብዝተሳተፉላኣኼባ፡ብዲሞክራሲያዊኣገባብዝተመርጸት፡ ኣብሞንጎህዝብንኣካላትኮሚሽንንከምድልድልኮይናከተገልግልንዝቖመት፡ ሽማግለህዝቢንጉባኤ – ጨንፈርስዊዝ ኣይተወከሰን፡፡ እታ ሽማግለብደዋእንከላ፡ ንዓዓክንዲ ምዉካስ 1-2 ሰባትቴለፎንናብኮሚሽነርስለዝደወሉ፡ ከምኡ ዓይነት ጸብጻብ ምቕራቡሲ፡ ነቲቓልሲዉዱብ ወይ ዉሁድይገብሮዶ?ኣይፋሉን፡፡ እዚ ደረትካ ሰጊርካ ኣብ ዘይዋኒንካ ኣቲኻ ምሕማስ ኢዩ፡፡

 

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ሽማግለህዝቢንጉባኤ – ጨንፈርስዊዝክምስረትምዃኑኣብኣስና.ኮምንካልእወብሳይትንተቓሊሑ።እዚ ኩነታት’ዚከሎእዩ’ምበኣር፡እታፈለማምናልባሽተጠቓሲ ኮሚሽነርብግርህነቱፈጺምዋ ዝነበረትርክብ፡ብኣኣቐጺሉ፡ናብዓቢጌጋዘሰጋገራ።ንሕናብእንፈልጦ፡እቶምምስኡርክብክገብሩዝጸንሑመንእሰያት፡ብቐንዱካባናዝተፈንጨሉኢዮም።እንተኾነ፡ ምስታሽማግለህዝቢብሓባርስርሑኣይተባህሉን።ከምኡስለዘይተባህሉድማ፡እቲበብኣንፍኻዝግበርርክባትቀጺሎምሉ።ክንዲዝኾነ፡እታሽማግለህዝቢ፡ነቲኣብስዊዝዘሎተቓዋሚደንበ፡ኣወሃሂዳንጠሚራንንኽትሰርሕዓቢ ዕንቕፋትኣጋጢምዋ።በዚኸኣ፡ ኣሰራርሓናይቲኮሚሽነር፡ኣካልናይቲፍታሕዘይኮነ፡ኣካልናይቲጸገምክኸውንበቒዑ።

 

ለ.እታሽማግለህዝቢ፡ ተገዛዚዕካቓልሲከምዘየዐውት፡ ብዓንተቦኡስለዘስተብሃለትሉ፡ምስቶምተፈንጪሎምምስኮሚሽነርተኽለሰንበትርክባትከካይዱዝጸንሑሰባት፡ ከምኮሚሽነርመጠንሓላፍነትወሲዱ፡ ንክልቴናኣብመኣዲዘተንኸምጻና፡ ብተደጋጋሚብጽሑፍሓቲትናዮኣይመለሰን፡፡ እንተመለሰ ኸኣ፡ኣዝዩ ዱንጉይ፡ ልኡምን ካብ ዉሳነ ምሃብ ዝረሓቐብሙኻኑ ኢዩ፡፡።

 

ብተወሳኺ፡ እቲጸገምገናከይተፈትሐእንከሎ፡ ምስቶም መንእሰያት ብዛዕባዚ ጉዳይ እዚ ከየራኸበና ጸኒሑ ክነሱ፡ኣኼባናይLocal Committees(Europe)ብዝብል፡ ሽማግለታት ህዝቢ ኣብ ኣዉሮጳ ኣብ ዘለዉሉ፡ ንዓናንንዓዓቶምን ኣብኣኼባፓልቶክጸዊዑና።እቶም ‘ንመንእሰያትወኪልናኢና’ ዝብሉሰባትወከልቲሽማግለህዝቢስለዘይኮኑ፡እታሽማግለህዝቢ፡ካብቲኣኼባንኽወጹ ሐቲታ።በዚኸኣእቲኣካልናይቲጸገምኮይኑዝጸንሐ፡ኣዝዩዝሕቱልኣሰራርሓናይቲኮሚሽነርተጋደደ።ኣብቲእዋንእቲ፡በቲበቲንኽብሪናይቶምወከልቲLocal Committeesንኮሚሽነራትንኣውሮጳክንብል፡በቲኸኣንገሌናማይክሮፎንስለዝኣበየትና፡ኣዝዩሓፈሻዊዝኾነጸብጻብጥራሕብምምሕልላፍ፡ኣብቲካብ ኣኼባ ንኽወጹዘቕረብናዮጠለብኣይነቐጽናን።ነቲዓቢስእሊዝያዳሚዛንሂብናዮ፡፡

 

.ኣሰራርሓናንምጽፋፍክሕግዝይኽእል’ዩብዝብልመንፈስ፡ኮሚሽነራትሓውዳንኤል

ወልደትንሳኤንሓውተኽለሰንበትተኽላይን፡ክሳብሕጂምሳናርክብከካይዱምጽንሖም

ብምጥቃስ፡ንጉዳይተሓታትነትግሉጽነትንንምንጻርክከኣልምእንቲ፡ሽማግለህዝቢንጉባኤ

ጨንፈርስዊዝተጸዋዕነታናብኣየናይክፋልኣውሮጳኢዩ?ማለትናብኮሚሽነርኣብጀርመንዲዩ

ዋላስናብኮሚሽነርኣብ UK? ዝብልሕቶብጽሑፍኣቕሪብና።ንኣንበብቲ ከም ሓበሬታ ክኾኖኩም፡ ክልቲኦም ኮሚሽነራት ይረኽቡና ብምንባሮም፡ ጸብጻብ ርእይቶታት ኣብ ፖለቲካዊ ሰነዳት ኮሚሸን እዉን ንክልቲኦም ኢና ንሰድድ ኔርና፡፡ብዝኾነ፡ ንተጸዋዕነትና ብዝምልከት ንዝሓተትናዮ ሕቶ፡ ካብክልቲኣቶም፡ብጽሑፍዝረኸብናዮመልሲኣይነበረን።ብቴለፎን፡ሓውተኽለሰንበት፡ ‘ደሓንእስኻትኩምኢኹምእትዉስንዎ።ዝምእመኣኩምክትገብሩትኽእሉኢኹም።ምሳናኣብጀርመንክትኮኑትኽእሉ።ምስኣብካልኦትሃገራትዘለዉኮሚሽነራት’ውንክትኮኑትኽእሉ፡፡’ ዝብልመልሲኢና ረኺብና።ጸወታምስተጀመረደኣ’ሞ፡ሕጊጸወታይቕየርዲዩ?

 

በሉ’ስኪኣንበብቲ ናይዚጽሑፍ፡ወከልቲማሕበርመንእሰያትኢናዝብሉ፡ምስኣብጀርመንዘሎኮሚሽነርክጥርነፉ፡ንሕናሽማግለህዝቢንጉባኤድማ፡ንበልምስናይ UK ዘሎኮሚሽነርክንጥርነፍሲግቡእወይኣገባብዲዩ? ዉዱብወይዉሁድቃልሲ’ዩዶኸከብልይኽእል? ዕማም ኮሚሽን ሓድሽ ተሞክሮ ብሙኻኑ፡ ኣብ ትግባረ ነቓዕ ክፍጠር ዝኸእል እኳ እንተኾነ፡ማዕረክንድ’ዚዝኣክልሃጓፍኣሎዎ? ብወገንና፡ምስኩሉሕጽረታቱ፡ክሳብክንድኡዝኣክልሃጓፍየብሉንንብል።እቲጉድለትዘለዎኣገባብ ኣሰራርሓኮሚሽነር፡ ነቲክህሉዝኽእልምጡንሃጓፍመሊሱኢዩኣግፊሕዎ።እዚኣብላዕሊዝጠቐስናዮ ዓይነት ኣሰራርሓ ከኣ፡ ነቲዝጸንሐሽግርከምዝገድድ ገይሩ።

 

 

 

 

 

  1. ቀጥታዉን  ዘይቀጥታውን ኣሉታዊሳዕቤናት ናይቲ ጉድለታት

 

 

ሀ. እታ ሽማግለ ዓቕምታት ደለይቲ ለዉጢ ብምዉህሃድን ብምዉዳብን ሓንጺጻቶ ዝነበረት መደብ ጎስጉዋስን ተዛማዲ ንጥፈታትን ከምቲ ዝደለ ክስጉም ኣይከአለን፡፡

 

ለ. ናብ ሓባር ዉራይ ጉባኤ ክካየድእንዳተባህለ፡ አብ ክንዲ እንዳተመላለአ ንቕድሚት ዝኸይድ ሓይልታት፡ ሓደዘላግስ ሓይሊ ተፈጢሩ፡፡

 

ሐ. ኣብቲ ኣብ 21 ነሓሰ 2011፡ ኣብ ፓልቶክዝተኻየደ ርክብ፡ ምስታ ሽማግለ ርክብ ንምፍጣር ዘድልዩ ኣወሃሃድቲ ካብ መንእሰያት ንኽመዙ 2 ሰሙን ተዋሂቦም፡፡ ከይመዘዙ ኣቕቢጾም፡፡

 

መ. ኣብ 10 መስከረም 2011፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ካንቶን ሉዘርን ኣብ ዘዳለዉዎ መደብ፡ ሽማግለ ህዝቢ ተዓዲማ፡ ኣብ ዝተሳተፈትሉ እዋን ዘቕረበቶ፡ ተደጋጊፍካ ናይ ምስራሕ ሓሳብ፡ በቶም መንእሰያት ብኡ ብኡተነጺጉ፡፡

 

 

  1. መደምደምታ

 

ኣብቲኣመዛዝና ጉድለታት፡ ንተሞክሮን ጽፍሒ ሓላፍነትን ኣብ ግምት የእቲና ደኣ ኣብ ኮሚሽነር ተኽለሰንበት ተኽላይ አቶኪርና እምበር፡ እቶም ምስኡ ርክብ ዝገብሩ ዝነበሩ ወይ ሕጂ’ዉን ዝገብሩ ዘለዉ፡ ’ንማሕበር መንአሰያትንዉክል ኢና’ ዝብሉ፡ ካብ ኣበር ናጻ ኢዮም ማለትና ኣይኮነን፡፡ብተብተብ ማሕበር መንእሰይ ኣቁምካ፡ ነታ ብሕጋውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ዝተመርጸት ሽማግለ ከምዛ ዘየላ ኣምሲልካ፡ ሰንሰለት ርክብ በቲኽካ፡ ምስ ሓደ ርእዩ ከም ዘይረኣየ ክኸዉን ዝደሊ ኮሚሽነርምቑራን፡ ቕኑዕ ኣይመስለናን፡፡

ወዮ ደኣ ሕጂ እቲ ኩነታት ይቕየር ኣሎ እምበር፡ ልኡካት ስርዓት ዉልቐ መላኺ ዝዕወቱልና ዝነበሩ፡ ሓቒ ስለ ዝሓዙ ወይ ድማ ንፍትሒ ስለ ዘቓለሱ ኮይኖም ኣይኮነን፡፡ ተግባራቶም ዘበለ ኩሉ እከይ ዶ ኣይኮነን! እንታይ ደኣ፡ ኣዝዮም ዉዱባትን ዉሁዳትን ስለ ዝኾኑ እዮም፡፡ ንሕና ከአ፡ ካብቲ ዝፈላልየና /ምናልባሽ እንተልዩ/ ዝጠምረና ስለ ዝበዝሕ፡ በብቲ ነድምዓሉ ዓዉዲ ቓልሲ እንዳተሓጋገዝና፡ ዘይንሰርሓሉ ምኽንያት ኣይነበረን፡፡

ኣብ መደምደምታ፡ከምቲ ፈለማ ኣብቲ መእተዊ ዝተጠቕሰ፡ እቲ ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ፡ ንደለይቲ ለዉጢ ብዝከኣል መጠን፡ እኹልሐበሬታ ንምሃብ ኮይኑ፡ ኮሚሽነር ተኽለሰንበትድማ ብዛዕባቲ ኣሰራርሕኡ ተዋሂቡ ዘሎ ገምጋም ወይ ተጠቒሱ ዘሎ ጉድለታት ኣመልኪቱ፡ ግብረ መልስን ርእይቶኡን ንህዝቢ ንኽገልጽንምሕታት እዩ፡፡ ተስፋ ንገብር ድማ፡ ኮሚሽነር ተኽለሰንበት፡ እዛ ደበዳበ እዚኣ፡  ናይተን ቕድሚ ሕጂ ብኢመይል ዝተላእካልካ ብዙሓት ካልኦት ብጾታዕጫ፡  ከየጋጥማ፡፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ሓዉ ኣምሃ ዶመኒኮ  እዉን ብወገንካ፡ ነቲ ጉዳይ ብመጠኑ እዉን ይኹን ስለ እትፈልጦ፡ ካባኻ እዉን ተመሳሳሊ ግብረ- መልሲ ንጽበ፡፡ ነመስገን ከኣ፡፡

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ!!!

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ስዊዝ

14 ሕዳር 2011

ደለይቲ ለዉጢ ንርእይቶታትኩምኢመይልnshmagleswiss@yahoo.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6322

Posted by on Nov 15 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net