ህጹጽ ጸዋዒት ንህዝቢ ኤርትራ

እዚ ኣብ ሃገርና ዝርኤ ዘሎ ሓደገኛ ምዕባለ መሰረት ብምግባር ብዕለት 27/4/2012 ኣብ ከተማ ርያድ ህጹጽ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባዚ ቀንዲ ዘተኮሮሎም ጉዳያት እዚ ኣብዚ ቅንያትዚ ኣብ ርእሲ ከተማና ዝርኤ ዘሎ ሓደገኛ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት ብዕምቅቶ ድሕሪ ምዝታይ ሃገርና ካብ ግዜ ናጽነት ኣትሒዛ ክሳብ እዚ ተኣፋፊ ህሞትዚ ብሰንኪ ጉጉይ ፖሊሲ ህግደፍ ህዝብና ኣብ ፍርህን ራዕድን ተሸሚሙ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎ ድሕሪ ምስትብሃል ነዚ ዝስዕብ ጸዋዒት ኣቕሪቡ፡
ጸዋዒት ንሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዝርኤ ዘሎ ኣብ መንጎ መራሕቲ ወታሃደራት ምትፍናን ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ሃገራውን ሞያውን ግቡእ ስለዝኾነ ኣንጻር ዲክታቶርትያዊ ስርዓት ብትሪ ክቃወም ከምዘሎዎን ብፍላይ ውን በቲ ብዜሮ ሰለስተ (03) ዝፍለጥ ናይ ህግደፍ ናይ ሓሶትን ፕሮፖ ጋንዳን ከይተዳህለ መኸትኡ ከሕይል ጸዋዕትና ነቕርብ።

ቀጺልና ንደምበ ተቓውሞ ኩሉ ዓቕምታቶም ኣዋሃሂዶም ምስ ኩሎም ግዱሳትን ሲፊካዊ ማሕበራትን ብምውህሃድ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ናይ ምልጋስ ቃልስታቶም ከሕይሉን ነት ብናይ ዜሮ ሰለስተ (03) ዝፍኖ ፍሹሉ ናይ ህግደፍ ፕሮፖጋንዳ ኩሉ ዕርቃኑ ከውጽኡ ዝክኣሎም ክገብሩ ንጽውዕ።

ብተወሳኺ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከብ ህዝብና ሃገራዊ ሓድነትካ ኣትሪርካ በዚ ዝብሃል ቤላቤለው ከይተታለልካ እንጻር እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክትምክት ህጹጽ ጸዋዒትና ነቕርብ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ህዝባዊት ሽማግለ
ርያድ

Contact us: publicomt@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6967

Posted by on May 1 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net