“ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ እንተድኣ ኰይኑ፡ ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ” ዮሴፍ ገብረሂወት

እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ንራብዓይ መዓልቶም ተኣኪቦም ዝወዓሉ መንእሰያት ኤርትራ፡ ክዛተዩ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ ናይ ኤርትራ ተቓውምቲ ውድባትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ጸቕጢ ከገብሩ ከምዘለዎም ተሓቢሩ።

ዮሴፍ ገብረሂወት

ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዓዲ ኣሜርካ ዝምቕማጡ ዮሴፍ ገብረሂወት እዩ። ንሱ እቶም መንእሰያት፡  ነቲ ተኣኪበሙሉ ዘለዉ ቦታን ሰዓትን ተጠቂሞም፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሙሉእ ሓይሎም ኣብ ስደተኛታትን ስርዓት ህግደፍን ከተኩሩ ጸቕጢ ክገብሩ ኣለዎም በሃላይ’ዩ። “ ተቛወምቲ ውድባት፡ ብዛዕባ ደሞክራስን ድሕሪ ኢሰይያስ ምውዳቑ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ይመጽእ ዝብል ገዲፎም፡ ከመይ ጌርና ኢና ንስርዓት ኢሰይያስ ንግምጥሎ ወይ ነውድቘ? ኣብ ዝብል ሕቶ ከምኡ’ውን ናብ’ቲ ናይ ህዝቢ ሽግር ከተኩሩ ጸቕጢ ክትገብርሎም ኣለኩም” ኢሉ ዮሴፍ ገብረሂወት።

ሽግር ኤርትራ ኣብ ህጹጽን ዘይህጽጹን ከፋፊሉ ዝገለጸ ዮሴፍ፡ ነቲ ኣብ መብዛሕትኡ ኣኸባታት ናይ ተቓውሞ ደንበ ብዝያዳ ዝዝረበሉ ዝበሎ፡ ኣርእስትታት ብዛዕባ ቅዋም፡ ቋንቋ፡ ኢሰይያስ ድሕሪ ምልጋሱ ዝትከል ጊዝያዊ መንግስትን ደሞክራስን ዝኣመሰልዎ ነገራት ዘይህጹጽ ሽግር ክብል ይገልጾም።

ዮሴፍ፡ ነቲ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን፡ ስርዓት ኢሰይያስ ንምጥፋእ ዝካየድ ቃልሲን ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጀሚርካ ክሳብ ሲናይ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዘለዉ ስደተኛታት ንምርዳእ ዝሰላሰል ስርሓት ከም ህጹጽ ሽግር ገይሩ የቐምጦ።

ከም’ቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ናይ ተቓውሞ ደንበ ድኹም ጐኒ እንዳ መዝመዘ ስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ፡ ንሕና ከኣ ድኹም ጐኒታት ናይ ህግደፍ ኣለሊና ክንምዝምዞ ኣሎና በሃላይ እዩ ዮሴፍ።

“እታ ዝዐበየት ሕጂ ንህግደፍ ጠጠው ኣቢላቶ ዘላ ዕደና እያ። ብእኡ ዝኣተወ ቁጠባ እዩ ጠጠው ኣቢልዎ ዘሎ።”  ድሕሪ ምባል፡ “እታ ዝዓበየት ክትግብር ትኽእል ነቲ ዕደና ጠጠው ምባል እዩ።” ድማ ኢሉ።

ከም ኣገላልጻ ዮሴፍ፡ ንኣብነት፡ ተቓወምቲ ውድባት ወይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ከባቢ ንኡሽተይ መጥቃዕቲ እንተ ፈጺሞም፡ እቶም ምዕራባውያን ኣቑሑቶም ጠቕሊሎም ክወጹ እዮም። እቲ ዕደና ከኣ ጠጠው ክብል ይኽእል እዩ። እቲ መንእሰያት ተኣኪበሙሉ ዘለዉ ቦታ ንተቃወምቲ ወድባት ጥራይ ዘይኰነ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ድፊኢት ክገብሩ ከምዘለዎም’ውን ከተባብዖም ፈቲኑ እዩ።

 

ካብ ካናዳ ዝመጸት፡ መንእሰይ ወጋሕታ ብርሃን፡ ኢትዮጵያ እንታይ ንክገብሩ ኢና ጸቕጢ ክንገብረሎም? ክትብል ንዮሲፍ ሓቲታቶ ነይራ።

መልሲ፡ ኣብ ምንታይ ኢዩ ጸቕጢ ክግበር ዘለዎ፡ ኩላትና ኢና ክንረኽቦ ዘሎና። ንኣብነት ነቶም ክንቃለስ በረኻ  ክንወጽእ ኢና ዝብሉ ዘለዉ፡ ንዓዓቶም ሓገዝ የድልዮም’ዩ ንብል እንተ ኰይና፡  እሞ ከኣ ግቡእ ሓገዝ ኣይዋሃቦምን እዩ ዘሎ ኢልና ንኣምን እንተ ኰይና፡ ክንሓትት ኣሎና። ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ባይታ እንታይ ትገብር ከምዘላ፡ እቶም ተቓወምቲ ኸ ነቲ ነገር’ቲ ይጥቀምሉ እንተልዮም ንሕና እዚታት ኩሉ ክንርእይ ኣሎና።

ወጋሕታ ንብዙሓት ዘዛረብት ኣገዳሲት ሕቶ’ውን ኣቕሪባ  ነይራ እያ። ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ውድባት መጥቃዕቲ ፈጺማ ነይራ። ገለ ቦታታ’ውን ሒዛ ክበሃል ሰሚዕና ነይርና። ኢትዮጵያ ሉኡላውነት ኤርትራ ትደፍር ዶ የላን?

ዮሴፍ፡ ኩሉ ጊዜ ዓድኻ ክውቃዕ ከሎ ባህ ስለዘይብለካ ሰጋእ ሰጋእ ትብል ኢኻ። ብዛዕባ ጉጅለ 15 ሓደ ነገር ክገልጸልኩም። ጉጅለ 15 ንኽለዓሉ ዝፈጠረ  ጸቕጢ ካበይ እዩ መጺኡ? ትብል እያ ነይራ። ንደሞክራሲ ኣይነበረን፡ ንደሞክራሲ ነይሩ እንተዝኸውን ቅድም ምስተሓተ ነይሩ።

እቲ ሕትኦም ንምናትይ ኵናት ጀሚሩ? ዝብል’ውን  ኣይነበረን። ምኽናይቱ ንጉጅለ 15 ኣስተብሂልክምሎም እንተዀይንኩም፡ ንምናታይ ኵናት ተኻይዱ ዝብል ኣይነበረን፡  ኢሰይያስ ነቲ ኵናት ሕማቕ ገይሩ ኣካይድዎ ዝብል እዩ ነይሩ።

እታ ከተላዓዕሎም ዝኸኣለት እንታይ እያ? እንተድኣ ኢልና፡ ንህዝባዊ ግንባር ብዓቢኡ ከኣ ነታ ሃገር ደጋዊ ቅልውላው ኣቲዋ። ምኽንያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ደፊኡ ንውሽጢ ኤርትራ ደፊኡ ብምእታው ክሳብ ባረንቱ በጺሑ። ኢሰይያስ ደኺሙ ሰንከልከል ክብል ምስረኣይዎ፡ እዚ ሰብኣይ’ዚ ለከመና። ዕዳ ይዀነና ኣሎ፡ እዛ እዋን’ዚኣ ክንጥቀመላ ኣሎና ኣብ ዝብልሉ ደርጃ በጺሖም ማለት እዩ።

ስለ’ዚ እዚ ሰብኣይ’ዚ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ  ዝስዕብዎ ዘለዉ ታሕተዎትን ላዕለዎትን ሓለፍቲ፡ ዕዳ ኰይኑ ንኽርኣዮም ክንገብሮም ኣለና። ኣነ ጽቕጠት ብኣና ኣይኰነትን ትመጽእ በሃላይ እየ። ጽቕጠት በዞም ሓያላት ባእታታ እያ ትመጽእ። በኢትዮጵያ ትኹን ብኻልእ።

እቲ ኣብ ሜሬትና ኣትዮም፡ ሉኡላውነትና ደፊሮም ዝብል ካብ ጽቡቕ መንፈስ ይለዓል ከምዘሎ ይርድኣነኢ ኣሎ። ይኹን’በር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ እንተድኣ ኰይኑ፡ ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ። ንሕና ክንገብሮ ንኽእል ጸቕጢ ዘይቀጥታዊ እዩ። ንሕና ንኢትዮጵያ ይኹን ንኻልእ ሓቲትና ጸቕጢ ክንገብር ክንክእል ኣሎና። ምኽንያቱ እታ ሃገር ትጠፍእ ስለዘላ። ኣማራጺ ከኣ የብልናን በሃላይ እየ።

 

 

ካብ ዋሽንግተን ዝመጸት ኣድያም ረዲእ’ውን ከም’ዚ ዝስዕብ ክትብል ንዮሴፍ ገብረሂወት ኣገዳሲት ሕቶ ኣቕሪባትሉ ነይራ። በቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኵናትን ካልእን፡ ውድባትና ብኢትዮጵያ ክድገፉ ዘይደልዩ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘለዉ ኣሕዋትና ኣለዉ’ሞ፡ ከመይ ጌርና ኣብ ምርድዳ ነምጽኦም?

ዮሴፍ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ሓበር ረብሓ ኣሎና። ልክዕ ከም’ዚ ሓንቲ ሶኬት ምስቲ ሓይሊ ዘለዎ ተቐባሊ ስለዝተላገበት ወይ ዝተሰዅዐት ሓይሊ ብርሃን ትህብ። ንሕና ከኣ ኣብ’ቲ ዝጠቅመና ንእከብ። ኣብ’ቲ ከትድምዓሉ ትኽእል ቦታ ኰይንካ ኢኻ ትቃለስ። ኣብ ኣውሮጳ ወይ ኣሜሪካ ኰይና ለውጢ ከነምጽእ ኣይንኽእልን ኢና። ካልእ ባይታ ወይ መገዲ ከምዘይብልና ክርድኡልና ከኣ ተስፋ ይገብር።

ዮሴፍ፡ ህግደፍ ኣትይዎ ዘሎ ቅልውላውን ኣብ’ቲ ኣኼባ ተናኺፍዎ ነይሩ እዩ። ከም ኣገላልጽኡ፡ እዚ ተላዒሉ ዝሰምር ዘሎ ናይ መንእሰይ ሓይሊ ንስርዓት ህግደፍ ስግኣት ፈጢርሉ ኣሎ። ብፋላይ እቲ ኣጽዋር ንኸይሽምት ብባይቶ ጸጥታ ውድባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተመሓላለፈ ማዕቀብ፡ ከምኡ’ውን ካብ ሓይልታት ምክንልኻል ኤርትራ ብዙሕ መንእሰይ ብምውጽኡ ኣብ ሞንጐ ኢትዮጵያን ስርዓት ህግደፍን ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን፡ ቀይርዎ እዩ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ንዮሴፍ ዝተዋህቦ ጊዜ ስለ ዘይኣኸለ፡ ኣብ ናይ ምሸት ነቶም ዝግደሱ ተወሳኺ ናይ ሕቶን መልስን ተኸፊቱ ነይሩ።

እቶም መንእሰያት ኣብ ጉጅለታት ኰይናኦም ዘካይድዎ ዘለዉ ዓሙቕን ሙዉቕን ዘተ

ገና ቀጻሊ እዩ ዘሎ። ንዝያዳ ትሕዝቶ ኣብ ቀጻሊ ከቕርበልኩም እየ።

 

እዚ ወድሓንኩም።

ቴድሮስ መንግስቱ

ጋዜጣ ሰላም

ኢትዮጵያ

07/10/12

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7308

Posted by on Jul 11 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net