ደምዳሚ ኣዋጅ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ብሓሙስ ዕለት 18/10/2012 ዝጀመረ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብሮቡዕ 24/10/2012 ብዓወት ተዛዚሙ።።

“ኩሉ ዓቕምታትና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን” ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝጀመረ ጉባኤ ኣብ ጽንኩር ዞባውን ሃገራውን ኩነት ይጋባእ
ብምህላዉን ህግደፍ ዝተፈላለዩ ስልትታት ብምጥቃም ህዝብና ኣብ ሃገሩ ከም ጓና ብምግላል ቅሳነት ሓሪምዎ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ሽግራት
ኣዝኒቡሉ ዝወለዶም ደቁ ካብ ሑቕፉኡ መንዚዑ ብምውሳድ ወግሔ ጸብሔ ንከስተንትንን ክሓዝንን ክነብዕን ፈሪድዎ ኣብ ዝሃለወሉ እዋን
ብምክያዱ ዝያዳ ሓላፍነት ክስከም ዘገደደ ድርብ ጾር እዩ ነይሩ።።

ብዞባዊ ደረጃ’ውን እስትራቴጂካዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዞባና ከም ህዝብን ሃገርን ዝጸልወና ኩነታት ተኸሲቱሉ ዘሎ
እዋን ከይዘንገዓ ዓቢ ቆላሕታ ሃበ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ኩነታት ሶርያ፡ ኣህጉራዊ ጽልዋን ቅድድም ናብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኩነታት ዒራቕ፡ ጽልዋ ኢራን ኣብ ከባቢና፡ ኩነታት ፈለስጢንን ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ዝሰልኩ ተተኮስቲን ብረታትትን ስጋብ ሕጂ ርጡብ መፍትሒ ዘይረኸበ ኩነታት ሶማልያን፡ ኣፍሪቃዊ ጸጋታት ንምግባት ሓያላን ሃገራት ዝኽተሎኦ ኣገባባትን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡
ኣብ ልዕሊ ሃገራት ሰሜንን ቀርኒ ኣፍሪቃን ድማ ብፍላይ ካብ ዲክታቶራዊ ኣመራርሓ ንምልቓቕ ዘበገስዎ ሰውራታት ብከፊል ክጥቀስ ይከኣል።።

ኣብ ትሕቲ’ዞም ዝተጠቕሱ ናይ ቀረባን ርሑቕን ጽልዋታት እዩ’ምበኣር ተጋባእቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ኣባላት ሰልፊ ነቲ
ዝጽበዮም ሃገራዊን ዞባዊን ብድሆታት ብምግንዛብ ስሪኦም ዓጢቖም ናብ ጉባኤ ዝኣተዉ።።

ተጋባእቲ ናብ ጉባኤ ክኣትዉ እንከለዉ ኤርትራውያን ሃገር ከምዘይብሎምን ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ፍቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ተሰዲዶም ገሊኦም ናብራ ስደት መሪሩዎም ሕሱም ናብራ ዘሕልፉ፡ ገሊኦም ድማ ካብ ዘለዉዎ ሕሰም ንምልቓቕ ብዘይፍላጥ ኣብ ኢድ ሰይጣናውያን ሸፋቱ ብምውዳቖም ኣካላቶም ተመንዚዑ ይሽየጥን ይልወጥን ብምህላዉ ሕልናዊ ሓደራ ዘሰከሞም ከቢድ ጉዳይ እዩ ነይሩ።።

ነቲ ብሓሳባትን ለበዋታትን ኩለን ጨናፍራት አብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ዝተኻየዱ ሰሚናራት ሃብቲሙ ዝመጸ ወረቓቕቲ ብኣትኲሮ ድሕሪ
ምምይያጥን ብፈጻሚ ቤትጽሕፈት
ንዝቐረበ ጸብጻብ ብተገዳስነት ድሕሪ ምዝታይን ብምክታዕን ኣብ ኩሉ መዳያት ብዝድለይ ኣገባብ ንኽዋሳኡን ንኽቃለሱን ዝዕልም ትልምታትን መደብን ክሕንጽጹን ከጽድቑን ብቒዖም።።

ደምበ ተቃውሞ ብዝምልከት’ውን፡ ዝምድና “ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢን” “ኤርትራዊ ሃገራዊ ኪዳንን” ንምዕዛዝ ሰልፊ ናህዳ ከም ኣባል ናይዘን ደንበታት  ጉቡእ ተራ ንክጻወት ብጽዑቕ ክሰርሓሎም ዝግባእ ነጥቢታት ብዝርዝር ኣጽኒዖም ኣስፊሮም።።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዘድሃበ ነጥቢታት ብምልዓል’ውን ብሓባር ኣብ ጎኒ ደምበ ተቓውሞ ብምስላፍ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ክዋስኡን ናይ ተቓውሞ መንኮርኮር ንምቕልጣፉ  ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ከምዝሳተፉ ንምግባሮም ኣበርቲዑ ንክስረሓሉ መተሓሳሰቢ
ኣቕሪቡ።።

ተጋባእቲ ዝቐረቡ ወረቓቕቲ ብደቂቕ ድሕሪ ምጽናዕን ምክታዕን ንመንእሰያትን ደቀንስትዮን ቦታ ሂቡ 21 ኣባላትን 4 ተጠባበቕትን ዝሓዘት ሓዳስ መሪሕነት ብምምራጽ ጉባኤኦም ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ዛዚሞም ዝስዕቡ ውሳኔታትን ለበዋትትን ጻዊዒትን ኣሕሊፎም።

ውሳኔታት

  • ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ማዕርነትን ክሳብ ዝረጋገጽ ቓልስና ቐጻሊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡
  • ኩሉ ዓቕምታትና ዕማማት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ንኽውዕል ኣረጋጊጹ፡
  • ግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መስሪሕ ቃልሲ ዕዙዝ ተራ ንኽህልዎም ኣድላይ ደገፍ ንኽግበሮሎም ኣረጋጊጹ፡
  • ንፖለቲካውን ቑጠባውን ማሕበራውን መሰል ብሄረ ጀበርቲ ንምርግጋጽ ቀጻሊ ቃልሲ ንኽካይድ ኣረጋጊጹ።። ከምኡ’ውን ኩለን ውድባትን ማሕበራትን ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ ቻርተር ጉዳይ “ግዴታዊ ምጽንባር ብሄራት” ተቐይደን ንኽኸዳ ኣስሚሩ፡

ለበዋታት

  • ኩሉ ካልኣዊ ፍልልያትና ንጎኒ ገዲፍና ዓቕምናን ሓይልናን ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንኽቐንዕ ኣማሕጺኑ፡
  • ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ወጻኢ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዘለዉ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ  ኮይኖም ንኽቓለስ ኣማሕጺኑ፡
  • ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን መሪሕ ፖሎቲካዊ ተርኡ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ባይቶ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዕዙዝ ጊዲኡ ንኽጻወት ኣማሕጺኑ፡

ጻዊዒታት

  • ዓለምለኻዊ ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰልን መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካላትን ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ስርዓት ህግደፍ ዘለዉ ዜጋታትና ንክፍትሑ ኣብ ልዕሊህግደፍ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ መጽቐይቲ ንኸካይዱ ኣጥቢቑ ጻዊዒት ኣቕሪቡ፡
  • ካብ ጊዜ ንጊዜ እንዳባኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ግቡእ መሰል ስደተኛ ክርከብ ጸዊዑ፡
  •  ኩለን ብመሰል ወድሰብ ዝተጣበቓ ትካላትን ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብን ብፍላይ ከኣ መንግስታት መስርን ሱዳንን ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ መሸጣ ኣካላት ገደብ ንኽግበረሉ ኣድላይ ጻዕሪ ንኸካይዳ ብተሪር ጸዊዑ፡

ኣብ መወዳእታ ነዚ ጉባኤ ክዉን ንምግባር ኣብ ምድላው ዝኣክል ጻዕሪታት ዘካየደት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምምስጋን ነተን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዝርከባ ጨናፍር ሰልፊ ስለ’ቲ ሓያል ጻዕሮም ንኢዶምን ኣመስጊኖምን።።

ነዚ ጉባኤ ንኸነካይድ ዘድሊ ደገፍን ሓገዝን ንዝገበሩልናን ዘጋየሹናን  ህዝብን መንግስቲትን ኢትዮጵያ ብልቢ ኣመስጊኖም።።
ከምኡ’ውን ደምበ ተቓውሞ ብዝሃቡና ሞራልን ሓገዝን ኣመስጊኑ።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ክፋል ህዝብና ኣንጻር ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ብጽንዓት ደው ብምባሉ ንኢዶም።። ብምቕጻል ማዕከናት ዜና ንጥፈታት ጉባኤና ብምቅላሐንን ንኩሎም መሓዙትን ደገፍትን ውልቀሰባት፡ ማሕበራትን ፖለቲካውያን ሲቪላውያን ትካላትን ብዝገበርዎ ደገፍ ኣመስጊኖም።።

ዓወት ንህዝባዊ ለውጢ ቃልሲና

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

24/10/2012 – ኣዲስ ኣበባ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7896

Posted by on Oct 28 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net