ስሪሒት ኦስሎ
መን ኢኻ ኣታ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎኻ
ስርሒት ፎርቶና ትሰምዕዶ ኣሎኻ፡
ኣብ ኦስሎ ክድገም’ዩ እቲ ጅግንነት
ንደለይቲ ሰላም ክንከውን ኣብነት።
ስርሒት ኦስሎ ፎርቶ ዝወለዶ
ተላዓልንዶ ጎበዜ ተላዓል አንዶ፡
ትሰምዕዶ ኣሎኻ ዝድረፍ ዘሎ
2ይ ስርሒት ፎርቶ ኣብ ኦስሎ!
ኢዩ ዝበሃል ዘሎ ስምዓዮ’ቲ ዜና
ኣንብቦ’ዚ ደሃይ ዘርጊሓዮ ኣንተና፡
ኦስሎ ኢያ ትብል ዘላ ኩላ
ኣንጻር ህግደፍ ከተስምዕ ቃላ፡
ኣጃኻ ጎበዝ ንቐል ናብ ኖርወይ
በጃ ሓፍተይ በል በጃ ሓወይ፡
በጃ ርስተይ በል በጃ ህዝበይ
በል ንኺድ ናብ ከተማ ኦስሎ
ደላይ ፍትሒ ይጽበየካ ኣሎ፡
ሰላም ንህዝብና
ውድቀት ንህግደፍን ኮራኹሩን!!
Short URL: https://english.farajat.net/?p=8445