መበል 66 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ መስዋእቲ ከቢረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዘኪሩ ፥

kebere addis 2015

መበል 66 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ መስዋእቲ ቀዳማይ ሱዉእ ኤርትራ ብኽብ ዝበለ ዝነስርዓት ተዘኪሩ ፥ ኣብቲ ስነ ስርዓት ስራቤት ስዉእ ሸክ ዓብደልድር ከቢረ ውሲኽካ ሓለፍቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓለፍቲ ኤዲኬ  ኣቦ ወንበራት ውድባትን ካድራትን ውድባትን ምስ ፈተወቲ

ቃልሲ ኤርትራ ን ዕዱማት ኣጋይሽን  ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዓብዱራሕማን ጣሃ ኣብ ዘስመዖ መደረ ፡ ቀዳማይ ሱዉእ ኤርትራ ሸክ ዓብዱልቃድር ከቢረ ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ነጻ ሃገርን ኤርትራ ክብሉ ብደሞም ሓደራ ኣሰኪሞምና ብመስዋእቲ ምሕላፎም ኣብ ልቢ ኩላትና ዘሎ ሙኻኑን በዚ ፍሕን ደሞክራስን ንምምጻእ ንቃለሶ ዘልና ብዓወት ከም እንዛዝሞ ብኣጋጣሚ እዚ ዝክሪ መዓልቲ መስዋእቲ ቃልና ነሕድስ ኢሉ ።ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዶ/ር መሓመድ ብርሃን ብወገኑ መዘክር ታሪኽ ቃልሲ ሸኽ ዓብዱልቃድር ከቢረ ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኤሃባን ኤዲኬን ውድባትን ቤተሰብ ከቢረን ቃሎም ኣሲሚዖም ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተፈላለዩ መደባት ግጥምታትን ቀሪቦም ፡ብተወሳኺውን ናይ ስእሊ ኤግዚብሽን ሓውልቲ ከቢረን ንተሳተፍቲ ንዝኽሪ ቀዳማይ ሱዉእ ኣቦ ሱዉኣትን ከቢረ ዝያዳ ክብሪ ሂቦሞዎ ውዒሎም ።

ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

05 ሚያዝያ 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9532

Posted by on Apr 15 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net