ናይ ሓዘን መግለጺ

መስዋእቲ ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ረዳ፡ ምክትል ኣቦ-መንበር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ)ን ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን፡ ትማሊ ረቡዕ 21 ሓምለ 2010 ብዘጋጠሞ ድንገታዊ ሓደጋ ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ።

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን፡ ካብ ወላዲኡ ኣቶ መስፍን ረዳን፡ ወላዲቱ ወ/ሮ ጅራ ገብረን ኣብ ኣውራጃ ሰራየ (ዞባ ደቡብ “ደቂ ወራሲ” ዝተባህለ ዓዲ ብ15 ጥሪ 1958 ተወሊዱ። ትምህርቲ ክቐስመሉ ኣብ ዝኽእል ደረጃ ዕድመ ኣብ ዝበጽሓሉ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ኣብ ደቂ ወራሲ፣ ቀጺሉ ክሳብ 7ይ ኣብ ዓረዛ፣ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብ መንደፈራ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ተማሂሩ።

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን፡ ብዝነበሮ ልዑል ሃገራዊ ፍቕሪ ኣብ ናይ ተማሃሮ ምንቅስቓስ ክሳተፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ1976 ዓ/ም ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ኣብ ዓራግ ሳሕል ፖለቲካውን ወተሃደራውን ትምህርቲ ድሕሪ ምቕሳሙ ኣብ ዝተፈላለዩ ጸፍሕታት ናይ ውድብ ዕማማት ተመዲቡ ሃገራዊ ግቡኡ ዝፍጽም ዝነበረ ጅግና ሓርበኛዊ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ። መጀመርያ ከም መምህር ኣብ ሕብረተ-ሰባዊ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት፣ ቀጺሉ’ውን ካብ 1978 ጀሚሩ ናይ ሃንደሳን ካልእ ፖለቲካዊ ኮርስን ወሲዱ ኣብ ሰራዊት ብርጌድ 61 ካድር ጋንታ ተመዲቡ ኣብ ከበሳ ኣብ እትንቀሳቐስ ዝነበረት ናይ ደባይ (ዓሳባት) ጋንታ ብተዋፋይነትን ጽንዓትን ኣብ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ተጋድሎ ጅግንነታዊ ሓርበኛዊ ተርኡ ዝተጻወተ፡ ብብጾቱ ፍቱው፡ ትዕግስተኛ፡ ህርኩትን ጻዕረኛን ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ከምዚ ኢሉ ክሳብ 1980-81 ኣብ ሰራዊት ተመዲቡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተሓኤ ብሰንክ’ቲ ዘጋጠማ ውሽጣዊ ጸገማታን ግዳማዊ መጥቃዕትን ናብ መሬት ሱዳን ምስ ተደፍኤት ድሕሪ ዝተኸስተ ምፍልላያት፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ምስ ተሓኤ ማእከላይ መሪሕነት (ሳግም) ወጊኑ ቃልሱ ቀጸለ። ኣብ ሱዳን ካርቱም ከም መሪሕነት ጨንፈር፡ ቀጺሉ’ውን ምስቲ ዝተኸስተ ኣፈላላይ ኣባል ኣመራርሓ ሰደግኤን ምክትል ኣቦ-መንበርን ኮይኑ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መንጎ ህደግሓኤ (ሳግምን) ሰደግኤን ኣብ 2004 ዓ’ም ብዝተገብረ ምትሕንፋጻዊ ሓድነት ምክትል ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ኣካል ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤን) ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኮይኑ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ብትብዓትን ቆራጽነትን ግቡኡ ከወፊ ዝጸንሐ ጽኑዕ ደሞክራስያዊ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ኣብ ፖለቲካዊ ሂወቱ ምሉእ ናይ ንእስነት ዕድሚኡ ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተበጀወ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሂወቱ ምስ ፍቑራት ስድራ-ቤቱ ናይ ብዙሓት ተቓለስቲ ኤርትራውያን ኣሕዋት ብዘይ ኣፈላላይ ብፍቕሪ ሃገርን ሕውነትን ዘተሓቛቑፍ ህዝባዊ ባህሪ ዝተላበሰ ናይ ሓድነት ተምሳል’ዩ ነይሩ።

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ኣብ ቃልሲ ምስ ተጋዳሊት ትርሓስ ኣብራሃ ሓዳር መስሪቱ፤ ካብዛ ተቓላሲት ስድራ-ቤት እዚኣ ድማ መሪሕን እልልታን ዝተባህሉ ክልተ ቆልዑት ወሊዶም ደኺምና ከይበሉ ግዜኦምን ጉልበቶምን ዝርካቡ ዓቕሞምን ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣወፈዩ።

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ) በዚ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ናይ ሓደጋ መስዋእቲ ጅግና ተቓላሳይ ተስፍሁነይ መስፍን ረዳ ዝስመዖ መሪር ሓዘን እንዳገለጸ፡ ንመላእ ኣባላት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን ፍትዋት ተቓለስቲ ስድራ-ቤቱን ፈተውቱን ኣዕሩኽቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ፈጻሚ ኣካል

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ)

22 ሓምለ 2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=962

Posted by on Jul 24 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net