ዓመት 2013 ዓመት ሃገራዊ ዘተ ንምሕናጽ እምነት ሓድሕድ

ዘተ/ Dialogue ዝብል ቃል ካብ ቋንቋ ላቲን ዝመጽኤ ማለት ሓስባትካ ብነጻ ምፍሳስን ናይ ካልኦት ምስማዕን ኮይኑ ኣብ ኩሉ ደሞክራስያዊ ሃገራት ክጥቀሙሉ ዝጸንሑ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭታት ኢዩ፣ ኣብ ኤርትራዊ ፖሊቲካዊ ሒይውት ግን እዚ ባህሊዚ ከነተኣታቱ ኣይከኣልናን።

 

ካብ ኤርትራዊ ሃገራውነት ጀሚርካ ክሳብ ሎሚ ኣፈታትሓ ፍልልያትና ብጐነጽ ኮይኑ እቲ ሓደ ዝወረስናዮ እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ባህሊ ናይ ምንጽጻግን ምትህልላኽን ኢዩ፣ ኣብ ዘተ ኢዩ ሓደ ሰብ ኣእምሮኡ ከንጸባርቅን ክርእን ዝኽእል፣ ከምሰብ ዘቁጽረና ድማ ናይዚ ኣኽእሎታት ስለዘሎና ኢዩ፣ ዘተ ንዝተፈላለየ ጥቅምታት ብዘይ ምግርጫው ነቲ ዝፈላሊ ሕታቶት ከእሊ ዝኽእል ዕድላት ዝህብ ባይታ ኢዩ።

 

ዘተ ካብ መኣዲ ክትዕ ይፈላለ ምኽንያቱ ድማ ነቲ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ሓስባትን ንክትገልጽ ዕድል ዝህብን ዘተባብዕን ኢዩ። ዘተ ንቅኑዕ ኣረዳድኣ ሃገራዊ ጸገማትን ኣብ ናይ ሓባር ፍታሕ ክመርሓና ዘኽእል ደሞክራስያዊ መስርሕ ኢዩ።

ብምዝውታር ዘተ ናይ ሓደ ሰብ ወይ ውድብ ሓሳባት ይኹን እምነታት ናይቶም ካልኦት ሃለፋ ክህልዎ የብሉን ዝብል ስምምዕ ክህሉን፣ ናይ ሓባር ስምምዕ ድማ ብዋጋ ናይ ካልኦት ክኽወን ከምዘይብሉ ስምምዕ ክህሉ ኣለዎ፣

 

መሰረታዊ ቅድመ ኩነት ዘተ ከም ጸገማት ፈታሒ መሳርሒ ኮይኑ እዚ ድማ ዝኣክል ሓበረታ ምእካብን ካብዚ ሓበረታዚ ተቢጊስካ ድማ ንክልቲኡ ሰብ ጉዳይ ምስማዕን ምክታትልን ኢዩ፣ ድህሪኡ ድማ ናብቲ ቀጻሊ ከመይ ገርካ ትሳገር መገዲ ምምሃዝ፣ እዚ መስርሕዚ ክትፈርድን ክትከስስን ዘይኮነ፣ እንታይ ድኣ ንዝያዳ ኣፍልጦ ክትሰምዕን ንህልዊ ኩንታት ክትርዳእን ኢዩ። እዚ ምስ ተረኽበ ድማ ናብቲ ኣብ ፍታሕ ክመርሓና ዝኽእል ደረጃ ንበጽሕ።

 

እምብኣር ድሕሪ ትርጉም ዘተን ተራኡን እንታይ ከምዝመስል ገሊጸ ቀጺለ ተመክሮ ኣካያይዳ ዘተ ኣብ ግዜና እንታይ ይመስል ብዝብል ብደረጃ ኣፍልጦኤይን ምንባበይን ክገልጽ ክፍትን ኢየ፣ ኣገላልጻይ ብጽሞና ኣንቢብኩም ክትርድእዎን ዝያዳ ከተንጽባርቅዎን ትስፉው ኢየ።

 

ድህሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም መሰል ሕዝቢ ኤርትራን መረታን ብከመይ ክቅጽል ኢዩ ዝብል ሕቶ መጀመርያ ኤርትራ ብቀጥታ ድሕሪ ስዕረት ጣልያናዊ መግዛእቲ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኣማላድነት ክትጸንሕ ተወሰነ። ብግዜ እንግሊዝ ሕዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔኡ ብደረጃ ፖሊቲካዊ ሰልፍታትን ጉጅለታትን ክውደብን ክንቀሳቅስን ጀመረ። እቲ ሹዑ ዝቆመ ሰልፍታት ይኹን ጉጅለታት ካብ ናይ ወጻኢ ተጽዕኖታትን ኢድ ምትእትታውን ነጻ ብዘይምንባሩን ንጉዳዩ ባዕሉ ክውንን ዘይምኽኣሉ ድማ እቲ ውጺኢት ሕዝቢ ኤርትራ ዘይመረጾ ውሳነ ተወስደ። እቲ ኣብ መንጎ ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ድማ ኣብ ናይ ሓድሕድ ምንሻውን ምንጻግን ብምንባሩ እቲ መሰል ርእሰ ውሳነ ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ሃጸያዊ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለ ሰላስ ተወሰነ ድሕሪ 10 ዓመት ድማ እቲ ውዕል ፈደረሽን ብሰንኪ ዘይምስምማዕ በቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ፈረሰ፣ ኤርትራ ድማ ከም ሓንቲ ግዝኣት ምምሕዳር ሃይለ ሰላሰ ኮነት። በቲ ግዜቲ ድማ ኢዩ ጋዜኛ መርሖም ኣቦና ወልድኣብ ወልደማርያም ንከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ዝበለ።

 

ኣብ ግዜ ፖሊቲካዊ ምልዕዓላት እውን እቶም መራሕቲ ናይዚ ምልዕዓላት ከም ሓረካ ይኹን ካልኦት ኣብ ናይ ሓባር ኣረዳድኣን ስምምዕን ኣይተበገሱን፣ እቲ ድሕሪኡ ዝተላዕለ ብረታዊ ቃልሲ እውን ካብቲ ዝሓለፈ ኣሰራት ናይ ዘይምርድዳእ ኣይድሓነን። ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ናይ ሓይልን ጐነጽን ብምንባሩ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን መራሕቲ ብረታዊ ቃልሲ ክካየድ ዝጸንሔ ዘተታት እውን ግዝያውን ስልታውን ብምንባሩ ዘላቂ ፍታሕ ኣየምጽኤን፣ ኣብ መጨረሽታ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ሕዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተኻየደ ኩናት ሓድሕድን ምስ ናይ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተሻሪኽካ ሃገራዊ ሓይሊ ምድምሳስ ኮይኑ፣ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ወላ እኳ ናብ ናጽነት ኤርትራ ይብጻሕ እምበር ሰላምን ቅሳነትን ኣይረኸበን፣ እቲ ካብ መሰል ርእሰ ውሳነ ዝጀመረ ግርጭት ኣብ መንነታት ናይ ሃይማኖትን፣ ባህልን ናይ ሓድሕድ ዘይምትእምማንን፣ ዘይምኽባባርን ክሳብ ሕጂ ወላ ኣብቲ ሓዲሽ ወለዶ እውን ተሰጋጊሩ ፍታሕ ንከይርከብ ኣብ ዕንክሊልን ኣብ ሓድሕድካ ምንጽጻግን ይርከብ ኣሎ፡፤ ድህሪ ናጽነት ኤርትራ እቲ ክኸውን ዝነበሮ ንኩሉ ፖሊቲካውን ብርገሳውን ማሕበራት ዝሳተፍ ሃገራዊ ዘተ ናይ ምስግጋርን ናይ መጻኢ ሕዝብን ሃገርን ኤርትራ ምሕደራ ከመይ ይኹን ተባሂሉ ሓደ ሃገራውን ኣህጉራውን ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክካየድ ነርዎ፣ እዚ ግን ኣይኮነን ብሰኣን ጸቢብ ጉጅላውን ፖሊቲካውን ኣተሓሳስባ።

 

እቲ ስልጣን ዝሓዘ ፖሊቲካዊ ውደብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ድሓር ጽኒሑ ህግድፍ ዝበሃል ካብ ሰማይ ዝወረደ ዘይኮነስ እቲ ንኡ ኣሚኑ ኣብ ንሱ ዝበሎ ከይሓተተ ንኩሉ እዚ ሎሚ ተበጺሑ ኩነታት ሕሰምን መከራን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ሓደ ውልቀ ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንበይኑ ኣይኮነን ዝሕተተሉ፣ ምንጪ ናይዚ ኩሉ ድማ ካብቲ ካብ ቁምስናኡን ዓዱን ኣርሒቁ ዘይሓስብን ኣነ ዝበልኩዎ ጥራሕ ኢዩ ሕጋውን ቅኑዕን ኣብ ዝብል ኣንነታውን ትምክሕታውን ዝምንጩ ኣተሓሳስባ ናይቶም ናይ ኤርትራ ፖሊቲካዊ ኣፍልጦ ኣሎና ዝብሉ ባእታት ዝመጽእ ከይዱ ከይዱ ናብ ውድቀት ዘምርሕ ክሳብ ሕጂ እዚ ዝንባሌ እዝን ኣረኣእያናን ክንቅይር ዘይምኽኣልና ኢዩ።

 

እቲ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ካብ 1999 ካብ ምምስራት ምሕዝነት ሃገራዊ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኣብ ሃገረ ሱዳን ድሓር ድማ ኪዳን እቲ ኣብ መንጎኦም ክካየድ ዝጸንሔ ዘተ ኣብቲ ሓቀኛ ናይ ዘተ ዘንተ- መጎተ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ንምፍታሕ ዘትኰረ ዘይኮነስ መን ኣብ ስልጣን መጽኤ ውድድር ኢዩ ክካየድ ዝጸንሔ፣ እዚ ምዃኑ ድማ እቲ ካብ ዝሓለፈ ታሪክና ዝወረስናዮ ናይ ምንጽጻግን፣ ናይ ዘይምትእምማንን ዝመንጨወ ኢዩ፣ ቀጺሉ ድማ እቲ ብ2008 ጀሚሩ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ንፖሊቲካውን ብርገሳውን ሓይልታት ንምጥርናፍ ዝተኻየደ መስርሕ ሃገራዊ ዘተ ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ዝተመርኰሰ ዘይኮነስ ኣብ ሃታ ሃታ ዝተገብረ ምዃኑ ብውጽኢታቱ ይምስክር፣ ዋዕላ ኣቃቂ ኣብ ኢትዮጵያ 2010 ከምቲ ሕዝቢ ኤርትራ ዝተጸበዮ ኣይነበረን፣ ኣብ መንጎ ፖሊቲካዊ ውድባትን ብርገሳዊ ማሕበራትን ኣዕናዊ ውድድራት ፈጢሩ እቲ ኣብ ዋዕላ ኣቃቂ ዝተወልደ ኮሚስዮን ሃገራዊ ጉባኤ ንምድላው ሓላፍነት ዝተዋህቦ እውን ብኢደ ወነንኡ ኣብ ኩሉ ኣገባብ ኣሰራርሑ ብስምዒታት ዝተገዝኤን ናይ ገዛእ ስልጣን ዘይነበሮ ኣብ ኣሰታትፋ ጉባኤ ብዘይ መጽናዕቲ ዝተፈላለየ ምምርሕታት ብምጻእ ተገብረ፣ ናይዚ ተረኽቦዚ ድማ ኣብ ጉባኤ ዝተራእየ ዘይንጽር ኣሰራርሓን ኣመራርጻን ሓደ ምስክር ኢዩ።

 

ውጽኢት ጉባኤ ኣዋሳ ይኹን እቲ ድሕሪ ዓመት ዝተራእየ ናይቶም ኣባላት ባይቶ ዘይምስራሕን ኣብ ሓድሕድካ ምክሳስን ምሕማይን እውን ገና እቲ ዝወረስናዮ ናይ ምጥርጣርን ፍርሓትን ኢዩ፣ ዝሓለፈ ታሪኽ ናይ ፍሽለትን ናይ ዘይምትእምማን፣ ኣብ ስራሕትና ድማ ይድገም ኣሎ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2013 መጨረሽታ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ምጽልላም ጐስጓስ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ መደበራት ኢንተርነት ኢዩ፣ እቲ ቀንዲ ጽላኢ ሕዝቢ ኤርትራ ተረሲዑ፣ ደንበ ተቃውሞ ኣብ ሓድሕድ ናይ ቃላት ኩናት ኣትዩ ምናልባት ኣብ ሜዳ ነሩ እንተዝኽውን እውን እታ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኻየደት ምተደግመት ነራ፣ እቶም ድሒሮም ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝመጹ ነቲ ዝጽንሔ ከምዘይተቃለሰን፣ከም ናይ ሓደ ሃይማኖት ተኸላኻሊ ገርካ ምቁጻርን ዘይስሙ ምሃብ፣ ነቲ ናትካ ጉድለታትካ ክትሽፍን፣ነቶም ክጋደሉ ዝጸንሑ ብኢስልምናን ወገንን ጸጊዕካ፣ ኣነ ክህሉ ንሳቶም ክህልዉ የብሎምን ዝብል ክፍእ ኣተሓሳስባ ብዘሳቅዮም ባእታት ደንበ ተቃውሞ ይሳቀ ኣሎ፣ እቲ ስርዓት ከኣ ኣይበልናንዶ ይብል ኣሎ፣ እዚኣቶም ብዘካይ ዝሕዞም ሰብ የለን፣ ኣፍልጦ ናይ ደሞክራስያ ስለዘይብሎም ሰለዝፈለጥኩ ኢየ ድማ ብዓንተቡኦ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚረ ኣብ ትሕቲ ምልከይ ሒዘዮም ዝጸናሕኩን ዘለኹን ይብለና ኣሎ፡፤ እዞም ፈሪሳውያን ድሒሮም ኣብ ደንበ ተቃውሞ እምበርዶ ነዚ ስርዓትዚ ከውድቁን ኣብ መጻኢ ድማ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክተኽሉ ክቃለሱ ድዮም ዝመጹ ዘለዉስ ወይስ ነቶም ዝጸንሑ ኣብ ሃይማኖት ኢስልምና ጸጊዕካ፣ እንሆልካ ወዲ ኣፎም ነተን ዘሳቅያኻ ዝጸንሓ ናይ ኢስልሞናን ብሄራትን ውድባት ኣህቂቅናየን ነቲ ስልጣን ኣብ ኢድና ጨቢጥና ተቀበለና ክብሉ ደልዮም ኢዮም፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ድማ ይትርፍዶ ክቅበሎም ኣብ ውሽጡ ኣእትዩ ከሕቅቆም ምንም ድምብርጽ ዘይብል ጨካን ስርዓት ኢዩ።

 

ቀዳማይ ጸላኢኦምን እቶም ዝኽሰሱን ኣቀዲሞም ምሉእ ዕድመኦም እታ ዝተወልዱላ ኤርትራ ዘይረኣዩ ክነሶም፣ ነቲ ዝቅጥቅጦምን ከም ኣቅሓ ዝሸጦምን ዘሎ ገዲፎም፣ በትርና ሃቡና ነሕምቆም ኣብዚ ኣለዉና፣በዚኦም ንጀመር ንወዲ ኣፎም እኳ ክሳብ ክንደይ ክንክሎ ይመስል ቃልሲ ክርስትያናውያን።

 

እቶም ኣብ ዋዕላ ኣቃቅን ኣዋሳን ዘይተሳተፉ እውን ንሕና ኢና ቅኑዓት፣ንሕና ኢና ምሕዝነትን፣ ኪዳንን ዝመስረትና፣ 500 ግዜ ናይ ሕዝቢ ኣካዪድና፣ ፈስቲቫላት ኣብ ኤሮጳ ኣካዪድና፣ ኣብ ፖሊቲካውን ዲፕሎማስያውን ኣኼባታት ተሳቲፍና……ወዘተ ስምዑና ርኣዩና ዝብል እንተዘኮይኑ፣ ምስቲ ዘሎ ናይ ተቃውሞ ደንበ ፖሊቲካውን በርገሳውን ብህድኣት ተዛትዩ ኣብ ስምምዕ ዘብጽሕ ኣረኣእያ የብሉን።

 

እቲ ኣብ ዕንክሊል ዘእትወና ዘሎ ዝንባሌን ምንጭን ምድላይን ምዕራዩን ግዜኡ እዩ ይመስለኒ፣ ስለዚ ነብስና ንፈትሽ ብሓቂዶ በዚ ንኸዶ ዘሎና ነዚ ንሕዝብና ዘጽንት ዘሎ ኣልጊስና መተካእታ ንህዝብና ሰላምን ቅሳነትን ዘምጽእ ስርዓት ክንተክል በቂዕናዶ፣ በዚ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝርኤ ዘሎ ወላ ኣብ ጥቃኡ ኣይበጻሕናን፣ በዚ ሒዝናዮ ዘሎና እንተቀጺልና ይትረፍዶ መተካእታ ምልካዊ ስርዓት ክንከውን ህላዌና ከምተቃወምቲ እውን ክቅጽል ኣይኮነን፡፤

 

ሎምቅነ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተረኽበ ስርሒት ወተሃደራት ዘቅረብዎ ጠለባት ደሞክራስያውን ሕዝባውን ጠለባት ኢዩ፣ እቲ ስርዓት ዝበለ ይበል ሕዝቢ ኤርትራ በቲ ንሱ ዝብሎ ክታለል ኣይኮነን፣ ኢስላማዊ ጥርነፉነት ኢዩ፣ ኢስሎም ኢዮም ዝብል ኣበሃህላ ሎሚ ተቀባልነት የብሉን፣ እቶም ኣብ ውሽጢ ተቃወምቲ ነዚ ክጥቀሙ ዝጸንሑ እውን ትምህርቲ ኮይንዎም ካብቲ ዕንክሊል ከብለና ዝጸንሔ ዝምባለታት ወጺኦም ምስ ኩሎም ሓቢሮም ንዝሓለፈ ድኽመታት ኣሪምና ነቲ ሓያል ጐድንታትና ኣሓዲስና ምስኡ ከመይ ገርና ርኽክባትናን ዝምድናታትናን ንሃንጽ እሞ ንሕዝብና ንርዳእ ኮይኑ ዕላማ ኩልና ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓዲሽ ዓመት 2013 ገምጋም ናይ ዝሓለፈ ዝምድና ኣሰራርሓናንን ኣገባቡን ሓያልን ድኹምን ጐድንታቱ ክንምዝን፣ ክሳብ ክንደይ ሰጒምና፣ እንታይ ተሪፉና ኣሎ፣ ኣየናይ ጉዳያት ኢዩ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ፣ ኣብቲ ዘዔወትናዮ እንታይ ክንቅይርን ከነማሓይሽን ኣሎና ዝብል መድረኽ ኢና በጺሕና ዘሎና ሰለዚ ደራሲ ናይዛ ሓጻር ሓተታ ሃየ ንበገስ ነፍሰወከፍና ገምጋምና ንግበር፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተባሪዑ ዘሎ ከም ኣካልና ገርና ንውሰዶ፣ ኣይነዝሕሎ፣ ነበራብሮ ትማሊ ኣብ ፎርቶ ኣብ ዝመጽእ ግን ኣብ መላእ ኤርትራ ከምዝኸውን ንግበሮ እናበለ ለበዋኡ የመሓላልፍ።

 

እዚ ዓይነት ገምጋም በዚ ኣብ ታሕቲ ተመልኪቱ ዘሎ ክሕግዘና ይኽእል፣

 

–      ናይ ሕዝቢ ኣፍልጦን ተሳታፍነትን የዕዝዝ

–      ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝባውን ወተሀደራውን ምውህሃድ

–      ንሕዝብና ኣብ ጐድኒ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከምዝዓስሉ ይገብር

–      ንሕዝባዊ ምልዕዓላት የተባብዕ

–      ንኣቃልቦ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ይስሕብ

–      ንተፈላጥነትን ሕጋውነትን ተቃወምቲ የድንፍዕ

 

ኣብ መጨረሽታ ”ስልፊ ደሞክራስያ ሕዝቢ ኤርትራ” ኣብ ጽሑፋቱ ብዙሕ ሓናጺ ዝኾነ ርዕሰ- ዓንቀጻት ገሩ ኣብ ህዝቢ ዘመሓላልፎ ዘሎ እዋናዊ ናይ ምግምጋምን  ምውህሃድን ጻዋዒት ዝምጐስ ኢዩ፣ እተን ካልኦት እውን ብከምዚ ድልየታት እንተዝብገሳ፣ ብፍላይ ድማ እቲ ዝዓበየ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተበግሶ ወሲዱ ነዚ ደልየታት እዚ ንምትግባር ጻዕርታት ከካይድ ተወሳኺ ለበዋ ናይዚ ሓታትዚ ደራሲ ኢዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8437

Posted by on Feb 11 2013 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. Both comments and pings are currently closed.

Comments are closed

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net