ሰላማዊ ሰልፊ ብህዝባዊ ምንቅስቓሳት አብ ከተማ ጊሰን ጀርመን

09 ሓምለ 2017

ትማሊ ቀዳም 08.07.2017 ንናይ ህግደፍ ፈስቲቫል ንምቅዋም፣ ብህዝባዊ ምንቅስቓሳት አብ ሃገር ጀርመን ዚተጸውዐ ሰላማዊ ሰልፊ ጸብለልትነት ደለይቲ ፍትሒ አብ ልዕሊ ህግደፍ’ን ሰዓብቲ ህግደፍ’ን  አመሰኪሩ።

ምምሕዳርን ፓርላማን ከተማ ጊሰን ንኣዳለውቲ ፈስቲቫል-ህግደፍ ፌስታ ንዝገብርሉ ኣደራሽ ብባኮታትን ካልእ መኸወሊታትን ክሽፍንዎ መምርሒ ስለ ዘውረድሎም፣ ብሃተሃታ ህግደፍ’ውን ድሒሩ ዚተጸውዐ ሰላማዊ ሰልፊ ጌሮም ተባሂሉና። እቲ ናይ ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ብኣንጻር ንሕና ዝንበርናሉ ጎደና ኰይኑ ካብ ኣደራሽ ወጺኦም ብካልእ ማዕጾ ናብኡ ስለ ዚተመልሱ (ደው ኢልካ አብ ክሊ ክፉት ሳንዱቕ ዚተኻየደ ሰልፊ በምንባሩ) ክንርእዮን ስእሊ ከነልዕልን አይተኻእለን። እቲ ዛዕባ ግና ኣንጻር ከንቲባ ከተማ ጊሰንን ኣባላት ፓርላማን ኰይኑ፡ ይዘርዩና አለዉ ዚብል ሰልበጣ’ዩ። ነገር እንዳ ህግደፍ፡ “እንዳ ናዅራስ አብ ውቅያኖስ ተዓቝበን ማይ ተሳኢኑ ይብላ” ኢዩ።

ካልእ ቆላሕታ ዚሰሓበ ነገር ቁጥዐ መንእሰያትና’ዩ። ሓደ ክልተ በቲ ዚነበርናሉ ሸነኽ ተባሪሮም  ወይ ተዓብዮም ዚመጹ ሰዓብቲ ህግደፍ ምስጓጕ ነይሩ። ገለ ካብ ሳዕቤናቱ፤ ክልተ ጕጅለ ሰብ-መኪና አብ ጸደፍደፍ አትዮም ሓድሕዶም ክጓነጹ ርኢና።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10761

Posted by on Jul 11 2017 Filed under News, Pictorial Report, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net