ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ
ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ
ምኽትል መራሕ ሳልሰይቲ ክፍሊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ሰልፈኛታቱን፣
ኣብቲ ሕጂ ዝነብረሉ ዘሎ መደበር ስደተኛ`ታት ሱዳን ፣ ምስኡ ኣብ ዝተገብረ ርኽክባት ፡ ብዛዕባ ኣብ ሰውራ ምስላፉን ፍሉይ ተሞክሮ ሳልሰይቲ ክፍሊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን የዘንቱ ።
- ብዓብደላ ሓሰን
ቀዳማይ ክፋል
ሓጽር ታሪኽ ህወቱን ከመይነት ኣጀማመራ ቃልሱን ፡
ተጋዳላይ ሓምድ ሳልሕ ሱለይማን ብ 1928 ዓ.ም. ኣብ ግራራት ከባቢ ዓዲቀይሕ ተወሊዱ ። ህጻን ከሎ ናይ ቁርኣን ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ኣቡኡ ጀሚሩ ። ዓቅሚ ኣዳም ምስ ኣኸለ ናይ ቁርኣን ትምህርቱ ንምቅጻል ምስ ካልኣዩ ንባርካ ወሪዱ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝኾውን ኣብ ዓድ ሸኽ ኣልኣሚን ከባቢ ከተማ ኣቁርዳት ነሩ ። ድሕሪኡ ተመሊሱ ክሳብ 1954 ኣብ ዓዱ ይነብር ነሩ ። ሓሚድ ኣብ ዓዱ ከሎ ከምቶም ኩሎም ደቂ ዓዱ ብህልውና ገዛእቲ እትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሕጉስ ከምዘይነበረ ይገልጽ ። ዓዱ ሓዲጉ ድማ ንሱዳን ኣምረሔ ። ፍቅሪ ሃገር ተሰምዕዎ ጸረ ህልውና ኢትዮጵያ ምቅላስ ዝብል ኣተሕሳሰባ ኣብ ሓንጎሉ ዝሓደረ ፣ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኣብ ሱዳን ምስ ተራኸበ ምዃኑ ይገልጽ ። ሓደ ካብኦም ስዉእ ዓብዱልካሪም ኣሕመድ ነሩ ፣ መጀመሪያ ኣብ ፖርትሱዳን ድሒሩ ድማ ኣብ ካርቱም ተራኽብና ይብል ። ንኩላህና ዘራኽበና ዝነበረ ነገር ድማ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘተሓሳስብ ሕማቅ ኩነታትን ጽልኢ ህልውና ኢትትዮጵያ ኣብ ሃገርናን ነሩ ። ገንዘብ ኣኪብና ካብ እትዮጵያ ( ትግራይ ) ብረት ብምግዛእ ንሃገርና ተመሊስና ኣንጻር እትዮጵያ ቃልሲ ክነካይድ ድማ ተሰማምምዕና ይብል ። ኣብዚ ጉዳይ ዝተሰማመዑ ሽድሽተ ነሮም፡
- ዓብዱልካሪም ኣሕመድ
- ኣደም ባሮለ ኢብራሂም
- ኣሕመድ ኢብራሂም ( ሳጓኡ ወዲ ከረን )
- ሳልሕ ሙሳ
- ኢብራሂም ሳልሕ
- ሓሚድ ሳልሕ ሱለይማን ።
ይኹን እምበር ብረት ንምግዛእ ዘኽእለና ገንዘብ ንምእካብ ስሌ ዘይካኣልና ሓሳብና ኣይተዓወተን ኢሉ ።
ስዉእ ስዒድ ሑሴን- 1975
ኣብ ከምዚ ዝኣምሰለ ኡነታት ከሎና ድማ ናጽነት ሱዳን ተኣዊጁ ። ካብታ ጉጅለና ዓብዱልካሪም ብቀጥታ ብ1956 ትምህርቲ ንምድላይ ንግብጺ ከይዱ ። ኣነ ድማ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ስዒበዮ ብ1956 ትምህርቲ ኣብ ኣዝሃር ጀመርኩ ። ኣብዚ እዋን ገና ብዛዕባ ሃገርና ምሕሳብ ኣይተቋረጸን ነሩ ። ኣብኡ ምስቲ ቅድምና ዝጸነሔ ምንቅስቃስ ዝነበሮ ተማሃራይ ዝነበረ ስዉእ ስዒድ ሑሴን ተላሊና ነፍስና ብምስራዕ ብመሪሕነቱ ጉጅሌ ቆይማ ። ብጉዳይ ሃገርና ንመያየጥ ነርና ፣ ገንዘብ እውን ነዋጽእ ነርና ። ከምኡ እውን ኣብቲ እዋን ብዘይካኡ ካልኦት ተመሳሳሊ ምንቅስቃሳት ዝነበሮም ተማሃሮ ኣብ ካልእ ቦታታት ነሮም ። ካብኣቶም ሳይድ ኣሕመድ ሃሽም ፡ ሙሓመድ ሳልሕ ሑማድ ፡ ዑስማን ግላውድዮስ ወዘተ . እዮም ። እታ ጉጅሌና ድማ ኣባላታ ፡-
- ሱለይማን ሙሓመድ ኣሕመድ
- ኢብራሂም ኢድሪስ ( ብለናይ )
- ካራር ሹቡል
- ዓብዱልካሪም ኣሕመድ
- ሙሓመድ ዓሊ ማሕሙድ
- ዑመር ኣልሸኽ ( ኣብ ሊብያ ኣሎ )
- ሓሚድ ሳልሕ ሱለይማን ነርና ።
ድሕሪ ሓጽር ግዜ ብጾት ኣደም ሙሓመድ ዓሊ ኣክተን ፡ ሙሓመድ ስዒድ ዓንጣጣን ካልኦትን መጺኦም ፣ እዚ ቅድሚ ምምስራት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዋን እዩ ።
እንተ ብዛዕባ ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ካብቶም መጀመሪያ ዝቆሙ ጉጅሌታታ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ፡ ኣብቲ ምስ ስዉእ እድሪስ ሙሓመድ ኣደም ኣብ ጎቦ ምቅጣም ኣብ ካዚኖ ኢጣልያ ዝተገብረ ኣኼባ ከምዝተኻፈለ ይገልጽ ። ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ተኣወጀ ድማ ኩላህና ብመሪሕነት ስዉእ ስዒድ ሑሴን ኣብቲ ዝተወልደ ውድብ ተጸምብርና ። ስዒድ ሑሰን ድማ ሓደ ካብቶም መስረቲ ናይዚ ውድብ ነሩ ። እቲ ንእክቦ ዝነበርና ገንዘብ ድማ ነዚ ውድብ ኣረክብናዮ ይብል ።
ስዉእ ስዒድ ሑሰን መራሕ ሰውራ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ምስ ተሰወኤ ብ1962 ንሜዳ ወጺኡ ። መሪሕነት ውድብ ፣ ሰውራ ምሁራት ስሌ ዘድልዩዋ ሜዳ ንሙውጻእ ተዳለዉ ይብሉና ነሮም ። ከምቲ ስዉእ ስዒድ ሑሴን ዝብለና ዝነበረ ድማ መሪሕነት ውድብ ወታሃደራዊ ትምህርቲ ንሙውሳድ ሱሪያ ክንኸይድ መዲባ ። እዚ ድማ ብ1963 ነሩ ኣነ ሓደ ካብኦም ነረ ። እዛ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ወጻኢ ወታሃደራዊ ትምህርቲ ንሙውሳድ ዝተላእኸት ቀዳመይቲ ዙሪያ ካብ ተማሃሮ ናይ ምስሪ ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቃለለት ነራ ፡-
- ሙሓመድ ዓሊ ዑማሮ
- ዓብዱልካሪም ኣሕመድ
- ራማዳን ሙሓመድ ኑር
- ሓሚድ ኣሕመድ
- ሓሚድ ሳልሕ ሱለይማን
- ሙሓመድ ዓሊ እድሪስ
- እብራሂም ሙሓመድ ኖር
- ዓብደላ ኣዱማይ
- ማሕሙድ እድሪስ
ኣካል ናይዚ ዙሪያ ዝኾኑ ካብ ሱዑዲያ ዝተበገሱ ድማ ዓሰርተ ነሮም ንሳቶም ድማ ፡-
- ሙሓመድ ስዒድ ሻምሲ
- ዓብዱልዋሃብ ፉትዊ
- ስዒድ ባረ
- ዓብደላ ድጌ
- ሙሓመድ ኣሕመድ ( ጋርዳማ )
- ሙሓመድ ሓጂ
- ሳልሕ ሙሓመድ ስዒድ ( ኣርዋሓትየ )
- ዑስማን ሓራክ
- ዓብዱ ጅመል
- ሙሓመድ ባኺት ( ብሕማም ምኽንያት ካብዛ ዙሪያ ዝቦኾረ) እዮም።
ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ወታሃደራዊ ትምህርቲ ተዋሂቡና ። ኣብዚ ብርቱዕን ዝተደራረበ ወታሃደራዊ ትምህርቲ ክልተ ብጾት ፡ ሙሓመድ ሓጅን ዑስማን ሓራክን ተወጊኦሙና ። ትምህርትና ምስ ጨረሽና ነፍስ ወከፍና ብመንግስቲ ሱሪያ ፣ ሓደ ብሬት ክላሽንኮፍ ምስ ሙሉእ ዕጥቁን ወተሃደራዊ ክዳንን ተዋሂቡና ። እዚ ብሬት እቲ ንመጀመሪያ ንሜዳ ዝኣተወ ብሬት ክላሽን እዩ ነሩ ።
ካብ ሱሪያ ድማ ብጂዳ (ስዑዲ ዓረብያ ) ቀይሕ ባሕሪ ሰጊርና ኣብ ሓደ መራኽብ ዘዕርፋሉ ገምገም ባሕሪ ( ማርሳ ) ድሕሪ ምብጻሕና ፖርትሱዳን ኣቲና ካብኡ ከሰላ ፣ ካብ ከሰላ ድማ ንሜዳ ኣቲና ። ብዝሕና 16 ነሩ ፣ ካብቲ ንሰውራ ኤርትራ ይድግፍ ዘይነበረ ስርዓት ዓቡድ ብምፍራህ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ገዛውቲ ፋሕ ኣቢሎምና ንሕባእ ነርና ። ካብቲ ዝተማላእናዮ ብሬት ድማ ከሰላ 4 ክላሽንኮፍን 2 ብሬናት ዲክታሪዮፍን ሽጓጉጥን ናይ ኢድ ቦምባታትን ጥራሕ በጺሑ ። ነዚ ንብረት ንምጉዓዝ ሓላፍነት ተሰኪሞም ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ስዉእ ኣልሓሳን ኣቡባካርን ሙሓመድ ኣደም ኣሚርን ከም ዝነበሩ ይዝክር ። ነዚ ዕማም ንምስላጥ ድማ ዝተፈላለየ ብልሕታት ብምምሃዝ ነዚ ብሬት ኣብ ውሽጡ ንምሕባእ ክብሉ ፣ ሙሉእ ኣቁሑት ናይ ሓደ ገዛ ኣብ ሎሪ ጽዒኖም የግዕዙዎ ነሮም ። ብሬት ብታክሲ ክጓዓዝ ከሎ ብስርዓት ሱዳን ተፈሊጡ 4 ክላሽንኮፍ ከም ዝተታሕዘ ድማ ይዝክር ። ድሕሪኡ ንሕና ነቲ ብሰላም ንከሰላ ዝበጸሔ ብሬት ተሰክምና ንሜዳ ኣቲና ።
ስዉእ ኣሕመድ ፋራስ
ካብ ስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳቤ ናብ ሓደ ካብቶም ንጡፋት ተጋደልቲ ውሽጢ ምጽዋዕ ፣ ስዉእ ኣሕመድ ፋርስ ዝበጽሕ ናይ ስራሕ መልእኽቲ ተማልኤ ነረ ። ሜዳ ምስ በጻሕና ድማ ብቀጥታ ስዉእ ጣህር ሳልምን ስዉእ ዑስማን ኣደምን ረኺቦሙኒ ኣብ ጉዕዞይ ምስ ኣገደስቲ ባእታታት ኣብ ውሽጢ ተራኽበ ኣብ ሰራዊት ሓርነት ንክጸንበሩ ክነግሮም መምረሒ ሂቦሙኒ ። እቶም ባእታታት ድማ ግራዝማች ዓሊ ሹምን ኻሊፋ ሙሓመድ ( ኣባስበርን ) ዓብደላ ባሮለን ነሮም ። እዞም ሰባት ቀንዲ ካብቶም ብኣርባዓታት ኣንጻር ናይቶም ኣብ ልዕሊ ንናጽነት ኤርትራ ዝድግፉ ኤርትራዊያን ዜጋታት ሃሰያታት ዘውርዱ ዝነብሩ፣ ኢትዮጵያ ተንቀሳቅሶም ዝነበረት ናይ ሽበራ ባእታታት ተላዒሎም ንህዝቢ ዝከላኸሉ ዝነበሩ ዉሩያት ባእታታት እዮም ። ኣነ ነታ ናይ ስዉእ ኣሕመድ ፋራስ መልእኽቲ ሕዘ ንከተማ ኣቁርዳት ኣቲየ ። ኣባላት ውድብና ኣብ ኣቁርዳት ምእንቲ ድሕነት፣ ነዛ መልእኽቲ ተቀብሎም ባዕሎም ክሳብ ኣስመራ ኣብጽሖሙለይ ኣነ ድማ ካብ ኣስመራ ንምጽዋዕ ናብ ስዉእ ኣሕመድ ፋራስ ኣብጽሔያ ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ዓሶ ሓሚመ ኣብ ገዛኡ እንዳተሓከምኩ ሶሙን ዝኾውን ጸኒሔ ። ስዉእ ኣሕመድ ፋራስ ተባዕ ንጡፍ ብርቱዕ ተቃላሳይ እዩ ነሩ ። ካብኡ ንኢራፋሎ ገጸይ ከይደ ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ሓድሽ ሰብ እዩ ብማለት ፣ ዝኾነ መንነተይ ዘረጋግጽ ሰነዳት እውን ስሌ ዘይነበረኒ ብሰለይቲ ተጠርጥረ ተታሓዝኩ ። ካብኡ ድማ ንምጽዋዕ ኣሕልፎሙኒ ኣብኡ ሓደ ካብቶም ዉሩያት ኣባላት ጀብሃ ዝነበረ ኣቦና ሙሓመድ ሳልሕ ሓጅ ሑሴን ሰላማዊ ሰብ ምዃነይ ተዋሒሶሙኒ ወጽኤ ።
ድሕሪዚ እቲ ብስዉእ ጣህር ሳልምን ዑስማን ኣደምን ዝተዋሃበኒ ዕማም ንምስላጥ ተንቀሳቀስኩ ። ምስ ስዉእ ኻሊፋ ኣባስበር ድማ ተራኽበ እቲ መልእኽቲ ሓበርኩዎ ንሱ ድማ ፡ ኣነ ሓሳባታይ ካብዚ ከይደ ንውልቀይ ብረት ኣብኡ ክስከም ዘይኮነስ ፣ ካብዚ ብጾትን ብረትን ሕዘ ክኸይድ እዩ ሓሳበይ ኢሉ ገሊጹለይ ። ከምቲ ዝተማባጸዖ ድማ ኣርባዕተ ርእሱ ፣ ኣብቲ እዋን ምስታ ኣብ ኣከለጉዛይ ዝበጸሔት ብተጋዳላይ ኣደም ዓሊ እትምራሕ ናይ ሓራካ ( ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ) ጉጅሌ ፣ ኣብ ሳሕል ዒላ ጻዕዳ ብ1965 ብጾቶም ብጀብሃ ከምዝተሃርሙ ምስ ፈለጡ ካብ ኣከለጉዛይ ንሳሕል ይምለሱ ስሌ ዝነበሩ ፣ መገዲ ኣራኽቡዎም ፣ምስ ብጾቱ ንሳሕል ተበጊሱ ፣ ካብኡ ንባርካ ናብቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ ጀብሃ ተሓዊሱ።
ምስ ግራዝማች ዓሊ ሹምን ዓብደላ ባሮለን ምርኻብ ብዘገድስ ድማ ፣ ገለ ተገደስቲ እዞም ሰባት ብሰለይቲ ናይ እትዮጵያ ምክትታል ይግበረሎም ስሌ ዘሎ እንተዘይቀረብካዮም ይሓይሽ ዝብል ምኽሪ ስሌ ዝሃቡኒ ኣይተራኸብኩዎምን ይብል ። ስዉእ ግራዝማች ዓሊ ሹም ድማ ድሒሩ ራብዓይቲ ክፍሊ ኣብቲ ቦታታት ዝበጻሓትሉ እዋን ኣብኣ ተጸምብሩ ። እንተ ዓብደላ ባሮለ ኣብ ጀብሃ ኣይተሰለፈን ።
ይቅጽል
Short URL: https://english.farajat.net/?p=10407