ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ

hamid saleh

ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ

ምኽትል መራሕ ሳልሰይቲ ክፍሊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ሰልፈኛታቱን፣ 

ኣብቲ ሕጂ ዝነብረሉ ዘሎ መደበር ስደተኛ`ታት ሱዳን ፣ ምስኡ ኣብ ዝተገብረ ርኽክባት ፡ ብዛዕባ ኣብ ሰውራ ምስላፉን ፍሉይ ተሞክሮ ሳልሰይቲ ክፍሊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን የዘንቱ ።

  • ብዓብደላ ሓሰን

ቀዳማይ ክፋል

ሓጽር ታሪኽ ህወቱን ከመይነት ኣጀማመራ ቃልሱን ፡

ተጋዳላይ ሓምድ ሳልሕ ሱለይማን ብ 1928 ዓ.ም. ኣብ ግራራት ከባቢ ዓዲቀይሕ ተወሊዱ ። ህጻን ከሎ ናይ ቁርኣን ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ኣቡኡ ጀሚሩ ። ዓቅሚ ኣዳም ምስ ኣኸለ ናይ ቁርኣን ትምህርቱ ንምቅጻል ምስ ካልኣዩ ንባርካ ወሪዱ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝኾውን ኣብ ዓድ ሸኽ ኣልኣሚን ከባቢ ከተማ ኣቁርዳት ነሩ ። ድሕሪኡ ተመሊሱ ክሳብ 1954 ኣብ ዓዱ ይነብር ነሩ ። ሓሚድ ኣብ ዓዱ ከሎ ከምቶም ኩሎም ደቂ ዓዱ ብህልውና ገዛእቲ እትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሕጉስ ከምዘይነበረ ይገልጽ ። ዓዱ ሓዲጉ ድማ ንሱዳን ኣምረሔ ።  ፍቅሪ ሃገር ተሰምዕዎ ጸረ ህልውና ኢትዮጵያ ምቅላስ ዝብል ኣተሕሳሰባ ኣብ ሓንጎሉ ዝሓደረ   ፣ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኣብ ሱዳን ምስ ተራኸበ ምዃኑ ይገልጽ ። ሓደ ካብኦም ስዉእ ዓብዱልካሪም ኣሕመድ ነሩ ፣ መጀመሪያ ኣብ ፖርትሱዳን ድሒሩ ድማ ኣብ ካርቱም ተራኽብና ይብል ። ንኩላህና ዘራኽበና ዝነበረ ነገር ድማ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘተሓሳስብ ሕማቅ ኩነታትን ጽልኢ ህልውና ኢትትዮጵያ ኣብ ሃገርናን ነሩ ። ገንዘብ ኣኪብና ካብ እትዮጵያ ( ትግራይ ) ብረት ብምግዛእ ንሃገርና ተመሊስና ኣንጻር እትዮጵያ ቃልሲ ክነካይድ ድማ ተሰማምምዕና ይብል ። ኣብዚ ጉዳይ ዝተሰማመዑ ሽድሽተ ነሮም፡

  1. ዓብዱልካሪም ኣሕመድ
  2. ኣደም ባሮለ ኢብራሂም
  3. ኣሕመድ ኢብራሂም ( ሳጓኡ ወዲ ከረን )
  4. ሳልሕ ሙሳ
  5. ኢብራሂም ሳልሕ
  6. ሓሚድ ሳልሕ ሱለይማን ።

ይኹን እምበር ብረት ንምግዛእ ዘኽእለና ገንዘብ ንምእካብ ስሌ ዘይካኣልና ሓሳብና ኣይተዓወተን ኢሉ ።

said hussien

ስዉእ ስዒድ ሑሴን- 1975

ኣብ ከምዚ ዝኣምሰለ ኡነታት ከሎና ድማ ናጽነት ሱዳን ተኣዊጁ ። ካብታ ጉጅለና ዓብዱልካሪም ብቀጥታ ብ1956 ትምህርቲ ንምድላይ ንግብጺ ከይዱ ። ኣነ ድማ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ስዒበዮ ብ1956 ትምህርቲ ኣብ ኣዝሃር ጀመርኩ ። ኣብዚ እዋን ገና ብዛዕባ ሃገርና ምሕሳብ ኣይተቋረጸን ነሩ ። ኣብኡ ምስቲ ቅድምና ዝጸነሔ ምንቅስቃስ ዝነበሮ ተማሃራይ ዝነበረ ስዉእ ስዒድ ሑሴን ተላሊና ነፍስና ብምስራዕ ብመሪሕነቱ ጉጅሌ ቆይማ ። ብጉዳይ ሃገርና ንመያየጥ ነርና ፣ ገንዘብ እውን ነዋጽእ ነርና ። ከምኡ እውን ኣብቲ እዋን ብዘይካኡ ካልኦት ተመሳሳሊ ምንቅስቃሳት ዝነበሮም ተማሃሮ ኣብ ካልእ ቦታታት ነሮም ። ካብኣቶም ሳይድ ኣሕመድ ሃሽም ፡ ሙሓመድ ሳልሕ ሑማድ ፡ ዑስማን ግላውድዮስ ወዘተ . እዮም ። እታ ጉጅሌና ድማ ኣባላታ ፡-

  1. ሱለይማን ሙሓመድ ኣሕመድ
  2. ኢብራሂም ኢድሪስ ( ብለናይ )
  3. ካራር ሹቡል
  4. ዓብዱልካሪም ኣሕመድ
  5. ሙሓመድ ዓሊ ማሕሙድ
  6. ዑመር ኣልሸኽ ( ኣብ ሊብያ ኣሎ )
  7. ሓሚድ ሳልሕ ሱለይማን ነርና ።

ድሕሪ ሓጽር ግዜ ብጾት ኣደም ሙሓመድ ዓሊ ኣክተን ፡ ሙሓመድ ስዒድ ዓንጣጣን ካልኦትን መጺኦም ፣ እዚ ቅድሚ ምምስራት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዋን እዩ ።

እንተ ብዛዕባ ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ካብቶም መጀመሪያ ዝቆሙ ጉጅሌታታ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ፡ ኣብቲ ምስ ስዉእ እድሪስ ሙሓመድ ኣደም ኣብ ጎቦ ምቅጣም ኣብ ካዚኖ ኢጣልያ ዝተገብረ ኣኼባ ከምዝተኻፈለ ይገልጽ ። ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ተኣወጀ ድማ ኩላህና ብመሪሕነት ስዉእ ስዒድ ሑሴን ኣብቲ ዝተወልደ ውድብ ተጸምብርና ። ስዒድ ሑሰን ድማ ሓደ ካብቶም መስረቲ ናይዚ ውድብ ነሩ ። እቲ ንእክቦ ዝነበርና ገንዘብ ድማ ነዚ ውድብ ኣረክብናዮ ይብል ።

ስዉእ ስዒድ ሑሰን መራሕ ሰውራ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ምስ ተሰወኤ ብ1962 ንሜዳ ወጺኡ ። መሪሕነት ውድብ ፣ ሰውራ ምሁራት ስሌ ዘድልዩዋ ሜዳ ንሙውጻእ ተዳለዉ ይብሉና ነሮም ። ከምቲ ስዉእ ስዒድ ሑሴን ዝብለና ዝነበረ ድማ መሪሕነት ውድብ ወታሃደራዊ ትምህርቲ   ንሙውሳድ ሱሪያ ክንኸይድ መዲባ ። እዚ ድማ ብ1963 ነሩ ኣነ ሓደ ካብኦም ነረ ። እዛ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ወጻኢ ወታሃደራዊ ትምህርቲ ንሙውሳድ ዝተላእኸት ቀዳመይቲ ዙሪያ ካብ ተማሃሮ ናይ ምስሪ ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቃለለት ነራ ፡-

  1. ሙሓመድ ዓሊ ዑማሮ
  2. ዓብዱልካሪም ኣሕመድ
  3. ራማዳን ሙሓመድ ኑር
  4. ሓሚድ ኣሕመድ
  5. ሓሚድ ሳልሕ ሱለይማን
  6. ሙሓመድ ዓሊ እድሪስ
  7. እብራሂም ሙሓመድ ኖር
  8. ዓብደላ ኣዱማይ
  9. ማሕሙድ እድሪስ

ኣካል ናይዚ ዙሪያ ዝኾኑ ካብ ሱዑዲያ ዝተበገሱ ድማ ዓሰርተ ነሮም ንሳቶም ድማ ፡-

  1. ሙሓመድ ስዒድ ሻምሲ
  2. ዓብዱልዋሃብ ፉትዊ
  3. ስዒድ ባረ
  4. ዓብደላ ድጌ
  5. ሙሓመድ ኣሕመድ ( ጋርዳማ )
  6. ሙሓመድ ሓጂ
  7. ሳልሕ ሙሓመድ ስዒድ ( ኣርዋሓትየ )
  8. ዑስማን ሓራክ
  9. ዓብዱ ጅመል
  10. ሙሓመድ ባኺት ( ብሕማም ምኽንያት ካብዛ ዙሪያ ዝቦኾረ) እዮም።

ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ወታሃደራዊ ትምህርቲ ተዋሂቡና ። ኣብዚ ብርቱዕን ዝተደራረበ ወታሃደራዊ ትምህርቲ ክልተ ብጾት ፡ ሙሓመድ ሓጅን ዑስማን ሓራክን ተወጊኦሙና ። ትምህርትና ምስ ጨረሽና ነፍስ ወከፍና ብመንግስቲ ሱሪያ ፣ ሓደ ብሬት ክላሽንኮፍ ምስ ሙሉእ ዕጥቁን ወተሃደራዊ ክዳንን ተዋሂቡና ። እዚ  ብሬት እቲ ንመጀመሪያ ንሜዳ ዝኣተወ ብሬት ክላሽን እዩ ነሩ ።

ካብ ሱሪያ ድማ ብጂዳ (ስዑዲ ዓረብያ ) ቀይሕ ባሕሪ ሰጊርና ኣብ ሓደ መራኽብ ዘዕርፋሉ ገምገም ባሕሪ ( ማርሳ ) ድሕሪ ምብጻሕና ፖርትሱዳን ኣቲና ካብኡ ከሰላ ፣ ካብ ከሰላ ድማ ንሜዳ ኣቲና ። ብዝሕና 16 ነሩ ፣ ካብቲ ንሰውራ ኤርትራ ይድግፍ ዘይነበረ ስርዓት ዓቡድ ብምፍራህ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ገዛውቲ ፋሕ ኣቢሎምና ንሕባእ ነርና ። ካብቲ ዝተማላእናዮ ብሬት ድማ ከሰላ 4 ክላሽንኮፍን 2 ብሬናት ዲክታሪዮፍን ሽጓጉጥን ናይ ኢድ ቦምባታትን ጥራሕ በጺሑ ። ነዚ ንብረት ንምጉዓዝ ሓላፍነት ተሰኪሞም ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ስዉእ ኣልሓሳን ኣቡባካርን ሙሓመድ ኣደም ኣሚርን ከም ዝነበሩ ይዝክር ። ነዚ ዕማም ንምስላጥ ድማ ዝተፈላለየ ብልሕታት ብምምሃዝ ነዚ ብሬት ኣብ ውሽጡ ንምሕባእ ክብሉ ፣ ሙሉእ ኣቁሑት ናይ ሓደ ገዛ ኣብ ሎሪ ጽዒኖም የግዕዙዎ ነሮም ። ብሬት ብታክሲ ክጓዓዝ ከሎ ብስርዓት ሱዳን ተፈሊጡ 4 ክላሽንኮፍ ከም ዝተታሕዘ ድማ ይዝክር ። ድሕሪኡ ንሕና ነቲ ብሰላም ንከሰላ ዝበጸሔ ብሬት ተሰክምና ንሜዳ ኣቲና ።

ahmed faras

ስዉእ ኣሕመድ ፋራስ

 ካብ ስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳቤ ናብ ሓደ ካብቶም ንጡፋት ተጋደልቲ ውሽጢ ምጽዋዕ ፣ ስዉእ ኣሕመድ ፋርስ ዝበጽሕ ናይ ስራሕ መልእኽቲ ተማልኤ ነረ ። ሜዳ ምስ በጻሕና ድማ ብቀጥታ ስዉእ ጣህር ሳልምን ስዉእ ዑስማን ኣደምን ረኺቦሙኒ ኣብ ጉዕዞይ ምስ ኣገደስቲ ባእታታት ኣብ ውሽጢ ተራኽበ ኣብ ሰራዊት ሓርነት ንክጸንበሩ ክነግሮም መምረሒ ሂቦሙኒ ። እቶም ባእታታት ድማ ግራዝማች ዓሊ ሹምን ኻሊፋ ሙሓመድ ( ኣባስበርን ) ዓብደላ ባሮለን ነሮም ። እዞም ሰባት ቀንዲ ካብቶም ብኣርባዓታት ኣንጻር ናይቶም ኣብ ልዕሊ ንናጽነት ኤርትራ ዝድግፉ ኤርትራዊያን ዜጋታት ሃሰያታት ዘውርዱ ዝነብሩ፣ ኢትዮጵያ ተንቀሳቅሶም ዝነበረት ናይ ሽበራ ባእታታት ተላዒሎም ንህዝቢ ዝከላኸሉ ዝነበሩ ዉሩያት ባእታታት እዮም ። ኣነ ነታ ናይ ስዉእ ኣሕመድ ፋራስ መልእኽቲ ሕዘ ንከተማ ኣቁርዳት ኣቲየ ። ኣባላት ውድብና ኣብ ኣቁርዳት ምእንቲ ድሕነት፣ ነዛ መልእኽቲ ተቀብሎም ባዕሎም ክሳብ ኣስመራ ኣብጽሖሙለይ ኣነ ድማ ካብ ኣስመራ ንምጽዋዕ ናብ ስዉእ ኣሕመድ ፋራስ ኣብጽሔያ ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ዓሶ ሓሚመ ኣብ ገዛኡ እንዳተሓከምኩ ሶሙን ዝኾውን ጸኒሔ ። ስዉእ ኣሕመድ ፋራስ ተባዕ ንጡፍ ብርቱዕ ተቃላሳይ እዩ ነሩ ። ካብኡ ንኢራፋሎ ገጸይ ከይደ ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ሓድሽ ሰብ እዩ ብማለት ፣ ዝኾነ መንነተይ ዘረጋግጽ ሰነዳት እውን ስሌ ዘይነበረኒ ብሰለይቲ ተጠርጥረ ተታሓዝኩ ። ካብኡ ድማ ንምጽዋዕ ኣሕልፎሙኒ ኣብኡ ሓደ ካብቶም ዉሩያት ኣባላት ጀብሃ ዝነበረ ኣቦና ሙሓመድ ሳልሕ ሓጅ ሑሴን ሰላማዊ ሰብ ምዃነይ ተዋሒሶሙኒ ወጽኤ ።

ድሕሪዚ እቲ ብስዉእ ጣህር ሳልምን ዑስማን ኣደምን ዝተዋሃበኒ ዕማም ንምስላጥ ተንቀሳቀስኩ ። ምስ ስዉእ ኻሊፋ ኣባስበር ድማ ተራኽበ እቲ መልእኽቲ ሓበርኩዎ ንሱ ድማ ፡ ኣነ ሓሳባታይ ካብዚ ከይደ ንውልቀይ ብረት ኣብኡ ክስከም ዘይኮነስ ፣ ካብዚ ብጾትን ብረትን ሕዘ ክኸይድ እዩ ሓሳበይ ኢሉ ገሊጹለይ ። ከምቲ ዝተማባጸዖ ድማ ኣርባዕተ ርእሱ ፣ ኣብቲ እዋን ምስታ ኣብ ኣከለጉዛይ ዝበጸሔት ብተጋዳላይ ኣደም ዓሊ እትምራሕ ናይ ሓራካ ( ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ) ጉጅሌ ፣ ኣብ ሳሕል  ዒላ ጻዕዳ ብ1965 ብጾቶም ብጀብሃ ከምዝተሃርሙ ምስ ፈለጡ ካብ ኣከለጉዛይ ንሳሕል ይምለሱ ስሌ ዝነበሩ ፣ መገዲ ኣራኽቡዎም ፣ምስ ብጾቱ ንሳሕል ተበጊሱ ፣ ካብኡ ንባርካ ናብቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ ጀብሃ ተሓዊሱ።

ምስ ግራዝማች ዓሊ ሹምን ዓብደላ ባሮለን ምርኻብ ብዘገድስ ድማ ፣ ገለ ተገደስቲ እዞም ሰባት ብሰለይቲ ናይ እትዮጵያ ምክትታል ይግበረሎም ስሌ ዘሎ እንተዘይቀረብካዮም ይሓይሽ ዝብል ምኽሪ ስሌ ዝሃቡኒ ኣይተራኸብኩዎምን ይብል ። ስዉእ ግራዝማች ዓሊ ሹም ድማ ድሒሩ ራብዓይቲ ክፍሊ ኣብቲ ቦታታት ዝበጻሓትሉ እዋን  ኣብኣ ተጸምብሩ እንተ ዓብደላ ባሮለ ኣብ ጀብሃ ኣይተሰለፈን

ይቅጽል

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10407

Posted by on Aug 5 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net