ናይ ሓዘን መግለጺ
ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ
ብሞት ብጻይናን ሓውናን ተጋዳላይ ኢዮብ ብስራት ካብዛ ዓለም ብምፍላዩ ዝተሰማዓና ሓዘን እናገለጽና፣ ብዓልቲ በቱ ብጸይቲ ተጋዳሊት ሰማይነሽ ኣስፍሓን ዝተፈትዉ ደቆምን በተሰቡን ጽንዓት ይሃብኩም፣ ንሓውና ኢዮብ ድማ መንግስተሰማይ የዋርሶ ንብል። ሞት ኢዮብ ንኩልና ነቶም ኣብ ኤርትራ ሰላምን ደሞክራስያን ክነግስ ንቃለስ ዘሎና ዓቢይ ኪሳራ ኢዩ፣ እንተኾነ ሞት ናይ ወድሰብ ሓደ ክፋል ናይ ሒይወቱ ብምዃኑ፣ ኢዮብ ወላእኳ ብሞት እንተተፈልየልና ብመንፈሱን ሰናይ ተግባራቱን ኩሉ ግዜ ምሳና ኢዩ ስለዚ ቅሰን ኢዮባይ ነቲ ንምሉእ ሒይወትካ ዝተቃለስካሉ ዕላማታት ክንቅጽሎ ኢና።
ካብ ብጾትካ
ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ
Short URL: https://english.farajat.net/?p=141