ጋዜጣዊ መግለጺ
አብ ኤርትራ ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብመውሳድ፡ ካብ ዕለት 18 ስጋብ 19 መጋቢት ( March) 2006 ዓ.ም. አብ ሆላንድ Soesterberg ዝበሃል ቦታ ንኽልተ መዓልታት ዝኣከል ሰሚናር ተኻይዱ።
እቲ ሰሚናር ብኤርትራውያን ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ በነሉክሰ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ኩለን ሲቪላውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባትን ዝተሳተፋኦ ነበረ።
ኣብዚ ሰሚናር፡ዚ ትዂረት ዝተገብረሉ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዘሎ ግጭትን ኣፈታትሕኡን (Conflict resolution) ነበረ ።
ኣኽበኛ ኣብ ሃገርና ዘለው ግጭታት ኣለልዩ፤ መፍቲሒኦም፡ውን ኣሚቱ ። እቲ ዝተኻየደ ክትዕ ኣብ ጉጅለ (Workshop) ዝተመርኮሰ ነይሩ። ኣብ መጨረሻ ተሳተፈቲ ሰሚናር ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን መርበብ ኤርትራዊ ሲቪላዊ ማሐበራት ኣበ ኤውሮጳን ስጡም ርኽክብ ክህሉን ከምኡ ድማ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ቃልሲ በቢወገነን ክተሓባበራን ተሰማሚዐን።
ኣካያዲት ሽማግለ ኤርትራውያን ንፍትሕን ዲሞክራስን በነሉከሰ
20-03-2006
Short URL: https://english.farajat.net/?p=3271