ጋዜጣዊ መግለጺ

አብ ኤርትራ ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብመውሳድ፡ ካብ ዕለት 18 ስጋብ 19 መጋቢት ( March) 2006 ዓ.ም. አብ ሆላንድ Soesterberg ዝበሃል ቦታ ንኽልተ መዓልታት ዝኣከል ሰሚናር ተኻይዱ።

እቲ ሰሚናር ብኤርትራውያን ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ በነሉክሰ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ኩለን ሲቪላውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባትን ዝተሳተፋኦ ነበረ።

ኣብዚ ሰሚናር፡ዚ ትዂረት ዝተገብረሉ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዘሎ ግጭትን ኣፈታትሕኡን (Conflict resolution) ነበረ ።

ኣኽበኛ ኣብ ሃገርና ዘለው ግጭታት ኣለልዩ፤ መፍቲሒኦም፡ውን ኣሚቱ ። እቲ ዝተኻየደ ክትዕ ኣብ ጉጅለ (Workshop)  ዝተመርኮሰ ነይሩ። ኣብ መጨረሻ ተሳተፈቲ ሰሚናር ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን መርበብ ኤርትራዊ ሲቪላዊ ማሐበራት ኣበ ኤውሮጳን ስጡም ርኽክብ ክህሉን ከምኡ ድማ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ቃልሲ በቢወገነን ክተሓባበራን ተሰማሚዐን።

ኣካያዲት ሽማግለ ኤርትራውያን ንፍትሕን ዲሞክራስን በነሉከሰ

20-03-2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3271

Posted by on Mar 20 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net