ላዕለዋይ መራሕ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኣብ ካርቱም ዑቝባ ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
19.03.2006

መሪጌታ ገብረብርሃን ፍስሃ፡ ላዕለዋይ መራሕ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ካርቱም፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ’ቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዑቕባ ከምዝሓተተ ብ18 መጋቢት 2006 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ናይ ኤምባሲ ኤርትራን ኣብ ጕዳያት ናይ’ቲ ቤተ-ክርስትያንን፤ ኣብ ልዕሊ ህይወተይ ተፈቲኖም ዝብሎም ሓደገኛታት ፈተነታትን ጠንቂ ናይ ዑቝባ መሕተቲኡ ምዃኖም ውን ኣብ’ቲ መግለጺኡ ሓቢሩ።

መሪጌታ ገብረብርሃን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝሰንዘሮ ክሲ፡ ህዝቢ ንምክፍፋል ዝዓለመ፡ ግናይ ዝዀነ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ስልትታት ምጥቃምን፤ ኣብ ዘይምልከቶ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ’ቲ ቤተ-ክርስታይን ጣልቃ ምእታውን ዝብል ኢዩ። ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጕዳያት ናይ ቤተ-ክርስትያን ክዋስኡ ዘይድለዩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣሳቲፍካ ብዝብል ሰበብ፡ ብዙሕ ግዜ ብኤምባሲ ኤርትራ ተጸዊዐን፤ ኣብ ልዕለይ ብዙሕ ጸርፍን ታህዲድን ተፈጺሙን ይብል መሪጌታ ገብረብርሃን።

መሪጌታ ገብረብርሃን ፍስሃ ብ2001 ዓ.ም ኢዩ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ-ክርስትያን ንኽመርሕ ተመዚዙ። ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ከኣ፡ ነቲ ብኣውራጃ ተፈላልዩ ዝነበረ ቤተ-ክርስትያን ክዓርቕን ሓደ ክገብርን ኪኢሉ ኢዩ። እዚ ኣውንታዊ ውጽኢት’ዚ ግን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ባህ ስለዘየበሎ፡ ጣልቃ እናኣተወ ንሓድነት ናይ ምእመናን ዝፈታተን ተግባራት ክፍጽም ጀመረ። መሪጌታ ግን፡ ነዝን ነቲ ንፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ስጕምትን ብትሪ ተቓዊሙን ኰኒኑን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3437

Posted by on Mar 19 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net