ጸብጻብ ናይ’ቲ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ኣዳራሽ ቺስታ እተኻየደ ካልኣይ ሰሚናር

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
19.03.2006
 

ኤርትራዊ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን፡ ኣክብ 6-15 መጋቢት፡ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፡ ሽወደን፡ ኤርትራውያንን ሽወደናውያን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝተሳተፍዎ ሰሚናራት ከካይድ ቀንዩ። ዕዱማት ኣጋይሽና፡ ንሽወደናውያን ፍሉጣት ኣባላት ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኣዕሩኽን እናረኸቡ ብዛዕባ ኵነታት ሃገርና ክገልጹሎም ዕድል ረኺቦም።

እዚ ሓደ መዓልቲ ዝወድአ ካልኣይ ሰሚናር’ዚ ግን፡ ንኤርትራውያን ዜጋታት ጥራሕ ኢዩ ተዓዲሙ። እቲ መግለጺ፡ ብቋንቋታት ዓረብኛን ትግርኛን ሽወደንን ኢዩ ቀሪቡ።

ኣኼባ፡ ብኣባል ኤርትራዊ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን፡ ከምኡ ውን ዋና ኣዳላዊ ቲቪ ኣዳልን ዝዀነ ሓው ዓብዱልከሪም ሙስጣፋ ዝሃቦ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል መእተዊ ቃል ኢዩ ተኸፊቱ። ቀጺሉ፡ ንኣቦ መንበር ኤርትራዊ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን፡ ሓው ኣርሀ መሓመድ ናካ፡ ምስ ኣኼበኛታት ድሕሪ ምፍላጥ፡ ነቲ ሰሚናር ከመርሖ ዓዲምዎ።

ሓው ኣርሀ፡ ኤርትራዊ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራስን፡ ካብ እተመስረተሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ሰሚናራትን ኮንፈረንሳትን ብምድላው፡ ኤርትራውያን ንልዝብን ንሃገራዊ ዓቕሚ ንምህናጽን ክጻወቶ ዝጸንሐ ግደታት ዘርዚሩ። እዚ ኣኼባ’ዚ ውን ንራብዓይ ግዚኡ ይካየድ ምህላዉ ሓቢሩ። ብድሕር’ዚ መደብ ናይ’ቲ ሰሚናር ሓቢሩ፡ ንዕዱማት ኣጋይሽ ድማ፡ ሓደ ብሓደ ኣፋሊጡ።

1. ዲሞክራስን ሲቪላዊ ማሕበራትን፡-

ዶክተር ንዑማን ሑበዲን፡ ሲቪካዊ ማሕበራት ምስ ዲሞክራሲ ዘለወን ዝምድና ኣብሪሁ። ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ድማ ብፍላይ ንዘሎ ድኽነትን ሕማምን ንምፍዋስ ዘኽእል መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ዲሞክራስን ፍትሕን መሰረታውያን እምነ-መሰረት ምዃኖም ኣትኵሩ ተዛሪብሉ። መግለጺታቱ፡ ካብ መደበራት ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብዝተሰነየ ጭብጥታት ኣሰንዩ ኢዩ ኣቕሪቡ። ዓቕሚ ማሕበሩ ድሩት ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት እንገብሮ ኣገልግሎት ሓበሬታን ገለገለ ናይ ጥዕና ረዲኤት ምሃብን ጥራሕ’ዩ ኰይኑ፤ ኣንጻር ሕማም አይድስ ምቅላስ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ዕማማት ኢዩ ኢሉ። ኣብ መደበር ስደተኛታት፡ ናይ ጥዕና ትምህርትን ስለጠናን ምሃብ፡ ሓደ ካብ’ቶም ናይ ርሑቕ መደባትን መደባት ናይ’ቲ ማሕበር ምዃኑ ኣብሪሁ።

ቀጺሉ፡ ሲቪላዊ ማሕበራት ይኹኑ ፖለቲካዊ ውድባትን ፕርፕግራማቶምን፡ ዲሞክራስን ምዕባለን ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ዝዓለመ ስትራተጂ ክህልዎም ኣለዎ ኢሉ። ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ወይ ለውጢ ክረጋገጽ ዝከኣል፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ክስዕር ዝኽእል ዓቕሚ ውደባ ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ክብ ብምባል ጥራሕ ምዃኑ ኣትኵሮ ሂቡ ተዛሪብሉ። ሲቪካዊ ማሕበራትን ክምዕብሉን ክድገፉን ኣለዎም፡ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ዝዕምብበሉ ቦታዊ ተበግሶታት ክተባባዕ ኣለዎ ኢሉ። ኣብ መደምደምታ፡ ኣሓት ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ሽወደን ብምምስራት፡ ንማሕበር ኤርትራውያን ሓካይም ኣብ ሱዳን ክድግፉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

2. ፍልስፍና ሰብኣዊ መሰላት፡

ሓው ሙሴ ሰመረ፡ ናይ ሕጊ ተመራማሪ ኣብ ዩኒቨርስቲ ማንሃይም ኣብ ጀርመን፡ ድሕሪ ምስጋናኡ ምቕራብ፡ ኣብ ኣዋጅ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሕጋዊ ቦታ ወይ ስምምዕ ናይ ሰብኣዊ መሰላት፤ ዋዕላ ናይ መሰላት እተሰረተ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ኣብ መእተዊ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ዕላማታቱን ሓጺር መብርሂ ሂቡ። ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብመሰረቱ፡ ነቲ ብመግዛእቲ ሓይልታት እታጋህሰ ሰብኣዊ መሰላት ምምላስን፤ ሰላምን ፍትሕን ማዕርነትን ዲሞክራስን ልምዓትን ዝነገሳ ሃገር ምህናጽን ኢዩ ነይሩ፤ እንተዀነ ግን፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ስልጣን ዝጨበጠ ሓይሊ መላኺ ስለዝዀነ፡ እዚ ዕላማታት’ዚ ክረጋገጽ ኣይተኻልለን ኢሉ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ በቲ ስርዓት እተፈጸሙ ማእሰርትን መጭወይትን ቅንጸላታትን ዘርዚሩ።

ንኣድማሳዊ ባህርይ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ክግለጽ እንከሎ፡ ናይ ኣመሪካ ኣዋጅ ናይ ሰብኣዊ መሰላት (ናቪርጂንያ ውዕል ናይ መሰላት)፡ ናይ ሰውራ ፈረንሳ፡ ናይ 1948 ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣዋጅ ናይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ቻርተር ናይ ሰብኣዊ መሰላት ከም መወከሲ ተጠቒሙ። ኣብ ሰብኣውን መሰረታውን መሰላት ዘሎ ፍልልያት ኣረዲኡ። ሰብኣዊ መሰላት፡ ዓንቀጻት ናይ ኣህጕራዊ ኣዋጃትን ስምምዓትን ኰይኑ፤ ናይ መበቆል፡ ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ጾታ፡ እምነት፡ ባህልን ማሕበራዊ ቦታ ፍልልያት ብዘየገድስ፡ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጡር ዝውሃብ መሰል ኢዩ። ብኣንጻሩ መሰረታዊ መሰላት፡ ብቅዋም ናይ ነፍስወከፍ ሃገር ዝውሃብ ወይ ዝጸድቕ ኰይኑ፡ ናይ ደቂ ሃገር መሰላት ውን ዘጠቓልል ኢዩ ኢሉ። ነዚ ብዝያዳ ንምብራህ፡ ነቲ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዝሓዘለ፡ ናይ 1976 ናይ ኣመሪካ ኣዋጅ  ሰብኣዊ መሰላት ጠቒሱ።

  • ኵሉ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ኢዩ፤
  • ኵሉ፡ ናጻ ኰይኑ ኢዩ ተፈጢሩ፤
  • መንግስታት፡ ናይ ዜጋታተን ህይወት ከሕልፋ፡ ናጽነታት ክኽልክል፡ መሰላት ክግህሳ፡ መሰል የብለንን፤
  • ናይ ምግላጽን ሕልናን እምነትን ምሕሳብን ናጽነታት ክኽበሩ ኣለዎም።

 

ሰውራ ፈረንሳ ውን፡ ደጊሙ ነዞም መሰላት እዚኣቶም ኣረጋጊጹ ኢሉ። ነዚ ዘይተኽብር መንግስቲ፡ ልክዕ ከም ሓንቲ ቅዋም ወይ ሕጊ ዘይብላ መንግስቲ ኢያ ትቑጽር ኢሉ። ኤርትራ ናይ ሎሚ፡ ሓንቲ ካብ’ዘን ሃገራት እዚኣተን ምዃና ድማ ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ንናይ 1948 ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዝምልከት፡ ሓው ሙሴ ሰመረ፡ ንኵሉ ዓንቀጻቱን ትርጕማቱን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ከመይነት ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላኡ ብፈረምቲ ሃገራት ብዝርዝር ሓቢሩ።

ነፍስወከፍ ሃገር ነዚ ውዕላት’ዚ ተኽብሮ’ዶ ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ፡ መልሲ ክህብ እንከሎ፡ “መንግስቲ ይኣስር፡ መንግስቲ ይቐትል” ዝብል ምሳሌ ብምጥቃስ፡ መንግስታት ውሃብትን ከላእትን መሰላት ዜጋታተን ምዃነን ሓቢሩ። መንግስቲ ዘውጽኦም ሕግታትን ኣዋጃትን ቅኑዓትን ፍትሓውያንን ኢዮም ዝብል ግጉይ ተረድኦ ከምዘሎ ውን ኣሚቱ። ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ድማ፡ ከም’ዚ ዝዓይነቱ እምነት ኢዩ ዘለዎም ኢሉ።

ሓው ሙሴ፡ ናጽነት ናይ ምዝራብን ናይ ፕረስን፡ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ናጽነት ናይ እምነትን ሃይማኖትን፡ ናጽነት ናይ ሓበሬታ ምርካብ …ወዘተ፡ ኣብ ኤርትራ ከምዘየለን፤ ኤርትራ ብድሌት ናይ ሓደ ሰብ ደኣ’ምበር ብሕጊ እትምሓደር ሃገር ከምዘይኰነት ገሊጹ።

ኣብ መደምደምታ፡ ሰላምን ዲሞክራስን ክብሪ ሰብኣዊ መሰላትን ንምርግጋጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቃልስታቱ ከሐይል ጸዊዑ። 

3. መሰል ደቂ ኣንስትዮ ምኽባር፡-

ወይዘሪት ሓዮት ኢብራሂም፡ ፖለቲካዊት ተመራማሪት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ፡ ንኵሉ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝካየድ ኵሉ ዓይነት ኣድልዎ ከልግስ ኣለዎ ኣብ ዝብል ቴማ ኢያ ተዛሪባ። ብዝያዳ ድማ፡ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራን ቍጠባውን መዳይ ኣትኵራ እቲ ዝፍጸም ኣድልዎታት ኣቃሊዓ። እቲ ያታዊ ናይ መርዓ ኣገባብ ብምጥቃስ፡ ጓል ኣንስተይቲ ብዓል ሓዳራ ዝኸውን ወዲ ተባዕታይ ክትመርጽ መሰል ክህልዋ ኣለዎ ኢላ።

ብዘይ ተሳትፎ ናይ ፍርቂ ሕብረተሰብ ዝዀና ደቂ ኣንስትይ ዲሞክራሲ ክረጋገጽ ኣይክእልን ኢዩ። ስለ’ዚ፡ እተን ኣብ መዋእል ናጽነታዊ ተጋድሎ ክብ ዝበለ ተሳታፍነት ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕጂ ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲ ስለምንታይ ኢዩ ግዲአን ነክዩ? ዝብል ሕቶ ድሕሪ ምቕራብ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ብርግጽ የድልየና ኣሎ ኢላ።

ኣብ ሃይማኖትን ባህልን እተመርኰሰ ኣተሓሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ብናጽነት ክዝረበሉ ኣለዎ፤ ምርዕዋት ድየን ኣይኰናን ብዘየገድስ፡ ኣብ ፖለቲካን ቍጠባን ማሕበራውን ሲቪላውን መዳይ ማዕርነተን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ክሕሎ ኣለዎ ኢላ። ቀጺላ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኤርትራ ዘጋጥመን ዘሎ ኣድልዎታት ዘርዚራ። ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ንምንጋስ፡ ንተሳትፎ ናይ ነንስቶምን ኣደኤታቶምን ኣብ ጐድኒ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ከተባብዑ ንኣኼበኛታት ጻውዒት ኣቕሪባ።

4. ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሓያልን ድኹምን ጐኑን ዕድላቱን ብድሆታቱን

ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ብዛዕባ ምቛም ምሕዝነት ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተመስረተ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ድማ ብፍላይ፡ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ሂቡ። ኣብ መንጐ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራን ኣብ መንጐ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ዘሎ ፍልልይ ድማ ኣብሪሁ። ቀጺሉ፡ ብዛዕባ ቻርተርን ቅርጻ ውድብን (ሓጋግን ፈጻምን ተቛጻጻሪ ትካላትን) መደብ ዕዮን ኪዳን ገሊጹ። ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ፡ ናይ መራሕቲ ውድብ ነይሩ፡ ንታሕቲ ዝዘልቕ ቅርጻ ኣይነበሮን፤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ግን፡ ብኣንጻሩ ኢዩ ኢሉ። ኣብ መንጐ ኣባላት ውድባት ኪዳን ዘሎ ምትእምማን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዕበየ ይኸይድ ኣሎ። ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ውን ገለገለ ደገፋት ክረክብ ክኢሉ ኢዩ ኢሉ። ኣብ ሱዳንን ኣብ ኢትዮጵያን ናይ ኪዳን ናይ ረድዮ ፈነወ መደባት፡ ከምኡ ውን፡ ብዓረብኛን ትግርኛን እንግሊዘኛን ዝወጽእ መጽሒትን ኣሎና። ናይ ረድዮ ፈነዋና ህዝብና ይሰምዖን ይከታተሎን ኣሎ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ወተሃደራዊ ክንፍታቱ ብምውህሃድ ንህዝብና ንምልዕዓል ይጽዕር ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣሎና ኢሉ።

ብዛዕባ ምቕባል ሓደስቲ ኣባላት ኣመልኪቱ፡ ኪዳን ነቲ ኣንቢርዎ ዘሎ መዕቀኒታት ዘምልኡ ውድባት ንምቕባል ማዕጾኡ ፍቱሕ ኢዩ ክብል ኣረጋጊጹ።

ሓያል ጐኒ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ክሕብር ከሎ፡ ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ክሃንጽ ምኽኣሉ፡ ውድባዊ ቅርጻኡ ምድልዳሉ፡ ናይ ሓበሬታ መርበባቱ ምሕያሉ፡ ናይ ወተሃደራዊ ክንፍታት ምውህሃድ ምጅማሩ፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ፡ ከምኡ ውን፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ሓበሬታታት ዝመሓላለፈሉ መስኖታት ምውናኑ ጠቒሱ። ድኹም ጐኑ ከኣ፡ ህዝቢ ኣብ ኪዳን ክጽንበር ዘይምኽኣሉ፤ ሲቪካዊ ማሕበራት ንኪዳን ክድግፉ ከዕግብ ዘይምኽእሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ሲቪላዊ ማሕበራት ድማ ብበለጽን ኣድልዎን ኣምልኾን ዝተላዕጠጡ ስለዝዀኑ ኢሉ።

ኣብ ቅድሚ ኪዳን ተኸስቱ ዘሎ ዕድላት ከኣ፡ ምቹእ ዝዀነ ኣህጕራውን ዞባውን ኵነታትን፤ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ጐድኒ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ደው ምባሉን ኢዩ ድሕሪ ምጥቃስ፤ ብድሆታትና ከኣ፡ ውሽጣዊ በለጽን ነፍሰ-ፍትወትን፡ ናይ ምሁራት ትሑት ፖለቲካዊ ተሳትፎ፡ ናይ ሲቪካዊ ማሕበራት ዘይምውህሃድን ዘይምንጣፍን፡ ፊተፍርድን ተነጽሎን ካብ ኪዳንን ኢዮም ክብል ገሊጽዎም።

ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይ ምቕያር ሓላፍነት ዝስከም መን ኢዩ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ ክምልስ እንከሎ፡ ጐረባብቲ ሃገራት ኣይኰናን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ውን ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ናይ ህዝቢ ሓላፍነት ኢዩ ብምባል ኣስሚርሉ። ቀጺሉ፡ ከምኡ እንተደኣኰይኑ፡ ኣበይ ኣሎ ግደ ናይ ምሁራትና? ምሁራትና ስርዓት ኢሳያስ ከይወደቐ፡ ሚኒስተራት ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለዝዀነ፡ ኣብ’ቲ ነቲ ስርዓት ንምውዳቕን ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካኡን ዝካየድ ቃልሲ ክሳተፉ ኣለዎም። እዚ እንተዘይገይሮም ግን፡ ካብ በለጽን ነፍሰ-ፍትወትን ሓሊፍካ ካልእ መግለጺ ክትህቦም ኣይከኣልን ኢዩ ኢሉ።

ሓው ሑሴን፡ ነቶም ብፊተፍርድን ብበለጽን ዝተላዕጠጡን፡ ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘገልግሉ ዘለውን ምሁራትን ሲቪላዊ ማሕበረትን ኣምሪሩ ነቒፍቆም።

ኣብ መወዳእታ ዘረባኡ፡ ነቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ኤርትራውያን ንስደተኛታት ክድግፉ ጸዊዑ።

ብድሕር’ዚ ክትዕ ቀጺሉ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3387

Posted by on Mar 19 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net