8 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም
ቤት ጽሕፈት ዜና |
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን |
08. 09. 2006 |
ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጣልያን ስደተኛታት ሒዛ ትጕዓዝ ዝነበረት ጃልባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 01.09.2006 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ገማግም ሲቺልያ ድሕሪ ምብጽሓ ማዕበል ከምዝገልበጣን፤ ኣብኣ ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት 8 ክሞቱ እንከለዉ፥ 19 ድማ፡ ብህይወት ምትራፎም ካብ’ቲ ከባቢ’ቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ቀንዲ ጠንቂ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ ናይ ግዜ ደረት ዘይብሉ ናይ ባርነት ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ሕሱም ዝዀነ ቍጠባዊ ቅልውላዋትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ ይፍለጥ። ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣብ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ ምስ ዝርከባ መንግስታት ብምስምማዕ ነቲ ናይ ኣፍሪቃውያን ዋሕዚ ስደት ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ደው ከብልኦ’ኳ ይፍትና እንተሃለዋ፤ ብሓደ ሸነኽ፡ ናይ ስደተኛታት መሰል ምግሃስ’ዩ ዝብል ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት ተቓውሞታት፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ናይ’ቶም ኣብ’ዚ ዘይሕጋዊ መስርሕ ናይ ምስግጋር ዝሳተፉ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ውን ዝርከብዎም ናይ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ነጋዶ ረብሓታት ዝያዳ ይሓላልኾ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብ’ዚ ዘይሕጋዊ ስራሕ’ዚ ዝሳተፉ ተራ ዜጋታት ጥራሕ ዘይኰኑስ፡ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ምዃኖም ድማ፡ ነቲ ጕዳይ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ኢዩ ዝገብሮ። ቅድም ክብል ልዕሊ 283 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደ ግዜ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ዝዝከር ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ልዕሊ 300 ዝዀኑ ኤርትራውያን፡ ናብ ሃገሮም ንኽባረሩ ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ኣለዉ። |
Short URL: https://english.farajat.net/?p=3352