8 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
08. 09. 2006
 
ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጣልያን ስደተኛታት ሒዛ ትጕዓዝ ዝነበረት ጃልባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 01.09.2006 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ገማግም ሲቺልያ ድሕሪ ምብጽሓ ማዕበል ከምዝገልበጣን፤ ኣብኣ ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት 8 ክሞቱ እንከለዉ፥ 19 ድማ፡ ብህይወት ምትራፎም ካብ’ቲ ከባቢ’ቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ቀንዲ ጠንቂ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ ናይ ግዜ ደረት ዘይብሉ ናይ ባርነት ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ሕሱም ዝዀነ ቍጠባዊ ቅልውላዋትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ ይፍለጥ።

ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣብ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ ምስ ዝርከባ መንግስታት ብምስምማዕ ነቲ ናይ ኣፍሪቃውያን ዋሕዚ ስደት ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ደው ከብልኦ’ኳ ይፍትና እንተሃለዋ፤ ብሓደ ሸነኽ፡ ናይ ስደተኛታት መሰል ምግሃስ’ዩ ዝብል ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት ተቓውሞታት፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ናይ’ቶም ኣብ’ዚ ዘይሕጋዊ መስርሕ ናይ ምስግጋር ዝሳተፉ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ውን ዝርከብዎም ናይ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ነጋዶ ረብሓታት ዝያዳ ይሓላልኾ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብ’ዚ ዘይሕጋዊ ስራሕ’ዚ ዝሳተፉ ተራ ዜጋታት ጥራሕ ዘይኰኑስ፡ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ምዃኖም ድማ፡ ነቲ ጕዳይ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ኢዩ ዝገብሮ።

ቅድም ክብል ልዕሊ 283 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደ ግዜ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ዝዝከር ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ልዕሊ 300 ዝዀኑ ኤርትራውያን፡ ናብ ሃገሮም ንኽባረሩ ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ኣለዉ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3352

Posted by on Sep 8 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net