መንግስቲ ሱዳን መንጎኝነት ኤርትራ ብመንገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክኸውን ይሓትት ፣ ኣቦ መንበር ምብራቓዊ ግንባር ሱዳን ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ።
GIC |
06/2/2007 |
መንግስቲ ሱዳን መንጎኝነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዳርፉር ሕልኽላኽ መታን ከይፈጥር ምስ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከተወሃህድ ብወግዒ ሓቲቱ ። ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሱዳን ዶር ማሕጁብ ኣልከሊፋ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ወግዓዊ ጻውዒት ከምዝገበረ እቲ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።
መንግስቲ ኤርትራ ንጉዳይ ዳርፉር ንምፍታሕ ከምቲ ናይ ምብራቕ ሱዳን በይናዊ ተበግሶ ወሲዱ ክፈትሖ ይጽዕር እኳ እንተሃለወ ብግስ ከይበለ ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞ ኣሎ ። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወሰድ ዘሎ በይናዊ ተበግሶ ካልኦት ዓለምለኻዊ ውድባት ውዱብ ሓድነት ኣፍሪቃ ፣ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኤውረጳዊ ሕብረትን ብትዓዛብነት ዘየሳትፍ ስለዝኾነ ውሕሰነት የብሉን ክብሉ ዝገለጹ ተዓዘብቲ እዚ ኤርትራ ትወስዶ ዘላ ተበግሶ ነቲ ኩነታት መሊሱ ክሓላልኾዩ ክብሉ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ ። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኣቦ መንበር ምብራቓዊ ግንባር ሱዳን ኣቶ ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎን ካብ ኣስመራ ከይወጽእ ከምዝተኸልከልን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ መሪሕነት በጃ ኮንግረስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ትገብሮ ዘላ ኢት ምትእትታው ደው እንተዘይ ኣቢላ እቲ ብመንጎኝነታ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክጥሕሶ ምዃኑ ኣፍሊጡሎ ። |
Short URL: https://english.farajat.net/?p=3458