News

መንግስቲ ሱዳን መንጎኝነት ኤርትራ ብመንገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክኸውን ይሓትት ፣ ኣቦ መንበር ምብራቓዊ ግንባር ሱዳን ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ።

GIC
06/2/2007
መንግስቲ ሱዳን መንጎኝነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዳርፉር ሕልኽላኽ መታን ከይፈጥር ምስ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከተወሃህድ ብወግዒ ሓቲቱ ። ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሱዳን ዶር ማሕጁብ ኣልከሊፋ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ወግዓዊ ጻውዒት ከምዝገበረ እቲ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።

  መንግስቲ ኤርትራ ንጉዳይ ዳርፉር ንምፍታሕ ከምቲ ናይ ምብራቕ ሱዳን በይናዊ ተበግሶ ወሲዱ ክፈትሖ ይጽዕር እኳ እንተሃለወ ብግስ ከይበለ ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞ ኣሎ ። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ  ዝወሰድ ዘሎ በይናዊ ተበግሶ ካልኦት ዓለምለኻዊ ውድባት ውዱብ ሓድነት ኣፍሪቃ ፣ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኤውረጳዊ ሕብረትን  ብትዓዛብነት ዘየሳትፍ ስለዝኾነ ውሕሰነት የብሉን ክብሉ ዝገለጹ ተዓዘብቲ እዚ ኤርትራ ትወስዶ ዘላ ተበግሶ ነቲ ኩነታት መሊሱ ክሓላልኾዩ ክብሉ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ ።

 ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኣቦ መንበር ምብራቓዊ ግንባር ሱዳን ኣቶ ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎን ካብ ኣስመራ ከይወጽእ ከምዝተኸልከልን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ መሪሕነት በጃ ኮንግረስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ትገብሮ ዘላ ኢት ምትእትታው ደው እንተዘይ ኣቢላ እቲ ብመንጎኝነታ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክጥሕሶ ምዃኑ ኣፍሊጡሎ ። 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top