ውልቃዊ ትዕዝብተይ ሕዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት

ብኣብራሃም ተኽለ

05.02.2007

 

ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ንመጀመርያ ግዜ ቀዳም ዕለት 03.02.007 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። 

ኣነ ብወገነይ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ክሳተፍ ዘገደደኒ ሃገርና ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ዓቢይ ሓደገኛ ፖሊቲካውን፤ ቁጠባውን፤ ማሕበራውን ቅልውለው ስለ እትርከብ፤ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ከኣ ሓደ ካብቶም ብቐረባ ኩነታት ሃገርና ዝካታተል ዘሎ ሰብ ኢዩ ኢለ ስለ ዝኣመንኩ ሓቀኛ ደሃይ ሃገር ንምፍላጥ ተኻፈልኩ።

ኣብዚ ኣኼባ እዚ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ህሉው ኩነታት ሃገርናን፡ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝሳቐ ዘሎ ሕዝብናን ከምኡውን ብፍላይ ኩነታት ሰንከልከል ዝብል ዘሎ  ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ሰፊሕን ኣዕጋብን መግለጺ ሂቡ።

ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ከኣ ሓደ ሓደ ካብቶም አገደስቲ ነጥብታት ዝጠቐሶም ምስ ናተይ ኣራኣእያ ኣቃናቢረ ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

ኩላትና ከም እንፈልጦ ህዝብና ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተዓወተ ጸላኢኡ ኣለሊዩ፡ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ስለ ዝተቓለሰ ካብ ባዕዳዊ ጸላኢን ገዛእን ተጋላጊሉ ኣሎ፤ ድሕሪ ልዕላዉነቱ ምርግጋጹ ግን ሕዝባዊ ስልጣኑ ብጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ተመንጢሉ፡ ክትኣምኖ ብዘጸግም ኩነታት ይሳቐ ኣሎ በለ።

ንኣብነት ንምጥቃስ ብሰም ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን መንእሰያት ከም ባሮት ንዓመታት ጅሆ ተታሒዞም ኣይትምህርቲ፤ኣይስራሕ፤ኣይናብራ፤ኣይውላድ ኮይኖም ዘለዉ ዓቢይ ክፋል ኤርትራዊ ሕብረተስብ ኢዮም።

ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ምእሳር ጀጋኑ ብጂ15 ዝፍለጡን፤ ምእሳር  ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርሰትያን፤ ምእሳር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ወዘተ….ይቕጽል ኣሎ።

ካብ ከሉ ዘሕዝን ከኣ ሓመድ ኣዳም ከይለበሱ ከም ደርሆ ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉዲ ዓራዔሮ ዝቕበሩ ዘለዉ ጀጋኑ እሱራት ተጋደልቲ ብጂ15 ዝፍለጡን፡ ጋዘጠኛታትን እውን መስዋእቶም በብግዜኡ ይቕጽል አሎ ብምባል ሞት ጅግና ተጋዳላይ ጋዘጠኛ ዮሽዋን ከምኡውን ኣምባሳደር ሓመድ ሓምድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዓረፉ ሓቢሩ፤ ምሉእ ኣኼበኛ ከኣ ካብ መናብሩ ብምትሳእ ዝኽሪ ሰማእታት ገበረ፤ በዚ ኣረመናዊ ተግባር ብዝተፈጸመ ሞት ጀጋኑ ብምስማዕ ሓያሎ ተኻፍለቲ ኣብ ማእከል ኣኼባ ንብዓት ሰዓሮም።

ኣነ ሓደ ካብቲ ዘገረመኒ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ማዕረ ክንደይ ፈታዊ ብጾቱን ከምኡውን ደሃዮም ከምዝካታተልን፤ ዝተቐብረ ምስጢር ሕጊ ግደፍ ኩዒቱ  ከምዘውጽእን ተረዲአ፤ ንቡር መርድእ ምርካቦም ከኣ ዘሕዝን እኳ እንተኾነ፤ ሓቂ ተቐቢራ ንኸይትተርፍ ግን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኢዩ ይብል።

ብድሕሪ እዚ ዘሕዝን ዜና ከኣ እንታይ ድኣ ይገበር ንዝብል ሕቶ ብከምዚ ዝስዕብ ገለጾ፡ ሕዝብና ጥርኑፍን ሓያልን ደንበ ተቓውሞ ጌና ኣይሃነጸን በለ፤ ይሕመቕ ይጸብቕ ግን ካብ ህዝብና ስለ ዝወጸ፤ ከነሐይሎን ከነማዕብሎን ድኣ ኣሎና እምበር ካልእ ምርጫ የብልናን በለ።

ሕዝብና እኹል ሓይልን ክእለትን ኣለዎ ነዚ ዝጠስጠሰን ብህዝቡን ጎረባቢቱን ዝተፈንፈነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ስሩ ምሕዩ ክድርብዮ በለ። „ሕዝብና ሓርማዝ ኢዩ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ግን ጻጸ ኢዩ“፤ ጸገምና ግን ብርቱዕ ደንበ ተቓውሞ ዘይምህላው ኢዩ በለ። ስለዚ ሓቢረና ተቓዉሞና ከነጣናኽር ይግባእ ሕዝቢ ከኣ ሓቢሩ „ሓሓንቲ ጸጸር እንተ ደርቢዩ“ ህ.ግ.ደ.ፍ ወዳቓይ ኢዩ በለ፤ ስለዚ ኩሉ ነንዝኣምነሉ ውድብ ብልብን ትብዓትን ክተሓባበርን ተቢዑ ክቃለስን አለዎ በለ።

ፖሊቲካ ህ.ግ.ደ.ፍ ግን ሃገር ብመላኣ እናኣጥፈአ  ብስም ዶብ ኣይተሓነጸጸን እናበለ ንሕዝብና ጅሆ ሒዝዎ ይርከብ ኣሎ፤ ንኣብነት „ገዛኻ እናተቓጸለትስ፤ ጎረቤተይ ድስቲ ሰሪቑኒ ኢልካዶ ይኽየድ ኢዩ“ በለ። ስለዚ ህ.ግ.ደ.ፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ እንተዘይኮየኑ ካልእ ዕላማ የብሉን፡ ንሱ ኸኣ ብዋጋ ህዝብና ምኻኑ ኢዩ ዘሕዝነካ።

ኣብ ጉዳይ ውግእ ሶማል ህ.ግ.ደ.ፍ 180 ድግሪ ተቐይሩ ምስ እሰላማውያን ሓይልታት ኢዩ ካአ ተሰሪዑ ጉዱ ከኣ ተቓሊዑ ኢዩ፡ ማዕረ ጀነራላትን ኮረነላትን ሊኢኹ ነይሩ ኢዩ፡ ኣብ ዶብ ከንያ ከም እተታሕዙ ከኣ ብወግዒ ምስ ናይ ኣስማት ዝርዝር እዉን ቅድም ሕጂ  ገሊጽና ነርና ኢና በለ። ኣብዚ ጉዳይ  ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘለዋ መርገጺ  ዋላኳ ብስርዓት ህግደፍ ዝተላእኩ ይኹኑ እምበር ብናይ እሱራት ውግእ ውዕል ጀነቭ መሰረት ብስርዓት ከተሓዙን ንሃገሮም ክምለሱን ከኣ ንሓትት ኣሎና በለ፤ ኣብዛ ነጥቢ እዚኣ ግን ሓያል ክፋል ኣኼበኛ ዝተሳማማዓላ ኣይመስለንን።

ብድሕሪ ሓደ ፍርቂ ስዓት ዝወድአ ጥሙርን ንጹርን መግለጺ ኣብ ሕቶን ርእይቶን ተኣትወ፤ ንኩሉ ሕቶታት ሕዝቢ ከኣ ብዓቕሙ ክምልስ ፈቓደኛ ምዃኑ ገለጸ፤ ብዘይ ገለ ምንእኣስን ሌላን ጉለላን ከኣ ካብ  ሕዝቢ በብዓይነቱ ሕቶታት ቀረበ፤ ካብተን ኣገደስቲ  ሕቶታት ከኣ  ከምዚ ዝስዕባ ነበራ፤  ናይ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ናይ ቃልሲ ስተራተጂ ከመይ ኢዩ?  ንዝብል ሕቶ ብከምዚ ዝስዕብ መለሶ፤ ናይ ቃልስና ስትራተጂ ኣብ ፕሮግራምና ብሰፊሑ ተዘርዚሩ አሎ፤ ከምቲ ናይ ናጽነት ቃልሲ ዝነበረ ቅዲ-ቃልሲ መሬትን ሕዝብን በብቕሩብ ናጻ ምውጻእ ዝብል ቅዲ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣይሰርሕን ኢዩ በለ፤መብዛሕትኡ ሕዝብና ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ጅሆ ኢዩ ተታሒዙ ዘሎ፤ ብስም ዶብ ኣይተሓንጸጸን ብዝብል ሰራዊት ኤርትራ ጅሆ ኢዩ ተታሒዙ ዘሎ፤ ስለዚ ኣንጻር ንጹሃት ኣሕዋትና  ክንዋጋእ ከኣ መደብ የብልናን በለ።

ምስቶም ካብ ሽሕ ዘይበዝሑ ጀንዳ ህ..ግ.ደ.ፍ ግን ተጻራሪ ግርጭት ኣሎና፤ ብከመይ ስልቲ ከምእንዋግኦም ከኣ ኣብዚ ኣኼባ ዝግለጽ ኣይኮነን በለ።

ዝምድናኹም ምስ ኪዳን ከመይ ኣሎ? ስለምነታይከ ኣብ ኪዳን ዘይኣቶኹም? ኣብዚ አብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽይድ ዘሎ ኣኼባ ኪዳንከ ተዓዲመኩምዶ ነርኩም? ንዝብል ሕቶታት ብሓጺሩ ህላዌ ኪዳን ከም ኣወንታዊ ከምዝሪእዎ፤ ኣብ ኪዳን ምእታው ድሌት እኳ እንተሎ ኪዳን ዘየድሊ ማሕለኻታት እናገበረ ከእትወና ኣይደለየን፤ ኣብ ዋዕላ ኪዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከኣ ኣይተዓደምናን በለ።

ኣብ መደምደምታ ትዕዝብተይ ክገልጾ ዝደሊ ካብቲ ቀንዲ ዘተሓሳሰበኒ ጉዳይ ከኣ ኣብዚ  ሕዝባዊ ኣኼባ ብዙሓት ክካፈሉኳ ድሌት እንተነበሮም ካብ ብናጻ ድሎቶም ምግባር ብዝተፈላለየ ማሕለኻታት ህ.ግ.ደ.ፍ እናደለዩ ክመጹ ዘይከኣሉ ብዙሓት ኢዮም ! ከምኡውን ብዙሓት ውሕሰነት ዘይበሉ ረብሓኦም ከምዝመረጹ ተረዲአ፤ ርብሓ ብዘይ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዋጋ የብሉን።

ሕጊ-ግደፍ ነቶም ንናይ 30 ዓመታት መቓልስቶምን ኣዕሩኽቶምን መሓዝቶምን መማህርቶምን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ገዛ ታኒካታት ዔራዔሮ ኣሲሮም በብግዜኡ ዝቐትሉ ዘለዉስ፤ ንክልተ ካብ ሚእቲ ዝኸፈሉን፤ ኣብ ሃገር መሬት ደቀባት ብዘይ ኣገባብ ዝገዝኡን፤ ኣብ ጓይላታት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝስዕስዑን/ዓን፡ ዘጉሩዑን/ዓን ይምሕሩ ኢዮም ኢለ ኣይኣምንን።ስለዚ ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ እንተጸረግና ዝሓሽ ኢዩ በሃላይ ኢየ።

ኣብዚ ዝተዓዘብኩዎ ዘሓጉሰ ጉዳይ ከኣ  ሕዝብና ብስነ ስርዓት ሂን ሚሂን ክበሃሃል ጀሚሩ ኣሎ እዚ ከኣ ኣወንታዊ ኣንፍት ዲሞክራስን ምክብባርን ምዕባሌን ኢዩ ይብል።

ዓወት ንኩሉ ጀሆ ተታሒዙ ዘሎ ሕዝብና

ዝኽሪ ከኣ ነቶም ብዘይኣገባብ ዝቕተሉ ዘለዉ ስውኣትና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2594

Posted by on Feb 5 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net