ጻውዒት ኤርትራውያን ካብ ሊብያ

GIC
07/2/2007
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታት ኢንተርነት ከምዝተሓበረ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ምህላዎም ተሓቢሩ ኔሩ ። ሎሚ ካብቲ ቤት ማኣሰርቲ ብዝበጸሓና ተደጋጋሚ ናይ ቴለፎን ጻውዒታት መሰረት እቲ ቁጽሪ ናብ 600 ክብ ኢሉ ከምዘሎን ሎሚ መዓልቲ ቅድሚ ፋዱስ ወኪል ኤንባሲ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብምምጻእ ናብ ዓዶም ክምለሱ ክምዝገቡ ከምዘለዎም ዘጉባዕብዕ ሓበሬታ ሂቡዎም ኣሎ ። ብተወሳኺ እቶም እሱራት ክምዝገቡ ብወተሃደራት ሊብያ ጸቕጢ ይገበረሎም ከምዘሎን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናዕቢ ከምዝወዓለ ሓቢሮም ኣለዉ ።

 ኣብ መወዳእታ እቶም እሱራት ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ዘለዎም ስግኣት እናዓበይ ይመጽእ ብምህላዉ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ናይ ሂወት ምድሓን ተበግሶታት ክወስዱ ይጽውዑ ኣለዉ ።

  ዝኾነ ብዛዕባ እዚ ኩነታት ከረጋጽ ዝደለየ ሰብ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ቴለፎን ደዊሉ ነቶም ኤርትራውያን ኣቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ክረኽቦም ከምዝኽእል ክንሕብር ንፈቱ ።

   00218924298075  

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3460

Posted by on Feb 7 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net