News

ጻውዒት ኤርትራውያን ካብ ሊብያ

GIC
07/2/2007
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታት ኢንተርነት ከምዝተሓበረ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ምህላዎም ተሓቢሩ ኔሩ ። ሎሚ ካብቲ ቤት ማኣሰርቲ ብዝበጸሓና ተደጋጋሚ ናይ ቴለፎን ጻውዒታት መሰረት እቲ ቁጽሪ ናብ 600 ክብ ኢሉ ከምዘሎን ሎሚ መዓልቲ ቅድሚ ፋዱስ ወኪል ኤንባሲ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብምምጻእ ናብ ዓዶም ክምለሱ ክምዝገቡ ከምዘለዎም ዘጉባዕብዕ ሓበሬታ ሂቡዎም ኣሎ ። ብተወሳኺ እቶም እሱራት ክምዝገቡ ብወተሃደራት ሊብያ ጸቕጢ ይገበረሎም ከምዘሎን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናዕቢ ከምዝወዓለ ሓቢሮም ኣለዉ ።

 ኣብ መወዳእታ እቶም እሱራት ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ዘለዎም ስግኣት እናዓበይ ይመጽእ ብምህላዉ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ናይ ሂወት ምድሓን ተበግሶታት ክወስዱ ይጽውዑ ኣለዉ ።

  ዝኾነ ብዛዕባ እዚ ኩነታት ከረጋጽ ዝደለየ ሰብ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ቴለፎን ደዊሉ ነቶም ኤርትራውያን ኣቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ክረኽቦም ከምዝኽእል ክንሕብር ንፈቱ ።

   00218924298075  

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top