ይኣክል ዝሓለፈ

እዋናዊ ሓተታ 
GIC
7/2/2007
ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩለን ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ገዛእቲ  ዝነበራ ሃገራት ሕማቕ ናይ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከም ካልኦት ሃገራት ናጽነቱ ብቐጥታ ክረክብ ኣይከኣለን ፣ ከም ውጽኢት ድማ ዝነወሐ ሰውራ ዝተባህለሉ ደማዊ ብረታዊ ቓልሲ ከካይድ ተቐሲቡ ። ድሕሪ መሪርን ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ኣሓትን ኣሕዋትን ዝወሰደ ኣድካሚ ቃልሲ እቲ ብሰላማዊ መንገዲ ዘይተረክበ ናጽነት ብጎነጽ ክውን ኮይኑ ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብኹሉ ዓቕሙን ንዋቱን ዝደገፎ ሰውርኡ ተዓዊትሉ እፎይ ብምባል ድሕሪ ሂጅስ ሞት ከም ኣዳም እንቓዕ ደኣ ደቅና ካብ በረኻ ኣተዉልና እንበር ኢሉ ኣስተርሕዩ ዝዓነወ ክሃንጽ ዝበረሰ ከጣይስ ናብ ዋኒን ሓርኮትኮቱ ተጸሚዱ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ብኻልኦት ውሃ ዝተባህለሉ ቑጠባዊ ዓወት ኣመዝጊቡ ናብ ዝለዓለ ቁጠባዊ ዓወት እናመረሸ እንከሎ  ሓሲብዎን ሓሊምዎን ዘይፈልጥ ምስ እቶም ኣብ ሓርነታዊ ተጋድሎኡ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ዝሰርሑ ናይ ሓባር ጸገም ዝነበሮም ህዝብታት ኢትዮጵያ ዳግማይ  ናይ  ዕንደራ ኩናት ብመራሕቱ ስለዝኣወጀ ኣብ ዘይፈልጦን ፋይዳ ዘይነበሮን ኩናት ኣትዩ ናብ ኩለንተናዊ ዕንወት ኣምሪሑ ።

 ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብ 1998 ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ምስ ጀመረ ንግዚኡ እቲ ኩነታት ንብዙሕ ሰብ ኣዳህሊሉ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ እንተኾነ ግን ድሕሪ ምጅማር እቲ ኩናት ብኣሜሪካን ሩዋንዳን ንዝቐረባ ናይ ሰላም እማመ በዚ ኣብ ኤርትራ ዓስኪሩ ዝርከብ ናይ ውሑዳት ስርዓት ምንጻጉ ጸረ ሰላም መንነት ናይቲ ስርዓት ዘግሃደ ክውንነት እዩ ኔሩ ። ብድሕርዚውን እንተኾነ ድሕሪ ኣብ ባድመ ዝተራእየ ወተሃደራዊ ፍሽለት ብኣተዓረቕቲ ዝቐረባ ናይ ሰላም ተበግሶ ተክኒካዊ ምትዕርራይ በዚ ስርዓት ፈሺሉ ። ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ኣብ መወዳእታ ድርቅና ናይዚ ስርዓት ዝወለዶ ንታሪኽን ጅግንነትን ብረታዊ ተጋድሎና ዝብልል ኣጋጣሚ ተፈጢሩስ ፣ ከምውጽኢት ናይዚ ኸኣ ተገዲድና   25 ኪሎሜተር ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ባዕዳዊ ሰራዊት ካብ ዝሰፍር እንሆ 6 ዓመቱ ሓሊፉ ።

  ሃገር ናብ ደልሃመት ተሸሚማ ብሓደ ሰብ ክትምራሕ ምስ ጀመረት መዋእሎም ዝተጋደሉ ሓርበኛታት ኣብ ትሕቲ መሬት ሰፊሮም ሃገርና ሓታትን ተሓታትን ዘይብላ ኮይና ፣ መነባብሮ ህዝቢ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ፣ ህዝቢ እቲ ኩነታት ዝፈጠሮ ሕሰም ከይኣኽሎ ካብ ዘላታ ተቖርመመታ ከምዝበሃል ማእሰርትን ገልታዕታዕን መዓልታዊ መንባብሮ ኮይኖም ፣ መንእሰይ ባርነት ጸላዕላዕ ኢልዎ ሃገሩ ኩቦ ደርብዩላ  እግሩ ናብ ዝመርሖ ይብተን ኣሎ ። ስለዚ እቲ ውዱዕ ኩነታት ሃገርና እዚ ካብ ኮነ  ሽግርና ግውዳእ ኣባይና ክሕረድ ይኣክል ዝሓለፈ እንብለሉ ሰዓት ኣኺሉ ይመስለና ።

    ስለዚ ኣንበኣር ካብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ታኸይላ ክንወጽእ እንታይ ክንገብር ኣሎና ኢልና ንነብስና ክንሓትት ናይ ግድንዩ ። ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ ከምዝበሃል ሕብረት እንኮ መንገዲ ፍታሕ ናይ ሽግርና ምዃኑ ዘተሓታት ኣይኮነን ። ከምዝፍለጥ ካብ 1999 ጀሚሩ ብስም ሃገራዊ ምሕዝነት ዝፍለጥ ናይ ሕብረት ተበግሶታት ሰለይ ክብል ጸኒሑ ፣ ኣብ 2005 ከኣ ዝተረፉ ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታት ወሲኹ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሰምዩ ክጎዓዝ ጸኒሑን ኣሎን ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ እንተሃልዩ እዚ ናይ ሕብረት ተበግሶታት እዚ ምስናይ ኩሉ ድኽመታቱ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መጀመርታ ኣወንታዊ ጅማሮ ከም ምዃኑ መጠን ክሕብሐብን ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዘለዎ እዩ ። እንተኾነ ግን ከኣ ከም ሓደን ናይ መወዳእታን ኣማራጺ ሪኢና ከነሳስዮን ሓደሽቲ ተበግሶታት ካብምውሳድ ጅሆ ክሕዘና የብሉን  ። ኣወንትኡን ኣሉታኡን ገምጊምና ናብ ዝያዳ ኣድማዕነቱ ከነማዕዱ ይጽነሓለይ ዘይበሃል ዕማም ኩሉ ብሃገር ዝሓስብ ዜጋ እዩ ።

ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት ክጅመር ትጽቢት ዝግበረሉ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንምስታፍ ወከልቲ ኩለን ተቓወምቲ ሓይልታት ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይውሕዙ ኣለዉ ። ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘባኸኖ ግዜ  እኹል ተሞክሮ ቀሲሙ ክኸውን ተስፋ እናገበርና ካብ ናብራ ተቓውሞን  ኣኼባታትን  ወጺኡ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ዘክትመሉ ፣  ንምውዳቕ እዚ መጻይ ስርዓት ከቀላጥፍ ዝኽእል ንግብራዊ ስርሓት ባይታ ዝምድምደሉ ሰዓት ህጂዩ ንብል ። እዚ ክግበር እንተኾይኑ ኸኣ ዝሓለፍ ተሞክሮታት ብዝግባእ ክግምገምን ናብ ናይ ሓባር መረዳእታ ክብጸሓሉን ናይ ግድንዩ ። ኣብ 2002 ኣብ ሃገራዊ ምሕዝነት ዝተራእየ ተሞክሮ ስጋብ ክንደይ ሃሳዪ ምንባሩ ምግማቱ ኣየጸግምን ፣ ብድሕሪኡ ምስኡ ስዒቡ ኣብ መንጎ ውድባት ዘጋጠመ ምፍንጫልን ተጻራሪ ናይ ግሩፖ ምትእኽካባትን ሓድጊ ሕማቕ ኣተሓህዛን ፣ ጽበትን ፣ ቀዳምነታትካ ብዝግባእ ዘይምልላይን ናይቲ ዝነበረ ተበግሶዩ ክበሃል ይከኣል ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ክንሰርሓሉ ዝግባእ ብሉጽ ግዜ ኣብ ነነሓድሕድና ክንወቓቐስ ሓሊፉ ፣  ህዝብና ትጽቢት ነዊሕዎ ንኣኼባታት ምሕዝነት ለሚድዎ ፋይዳ ስኢንሉ   ሓድሽ ተበግሶን ቃናን ክሰምዕ ይደሊሎ ።

 ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዝሓለፈ ጌጋታቱ ኣሪሙ ኣሳታፊ መድረኽ ክኸፍት ፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ዓቕምታት በርጌሳዊ ማሕበራትን ናይ ዜና ማእከላትን  ብዝምዝምዝ ኣገባብ ውዳቤታቱ ከጽፍፍ ፣ ብመዐቀኒታት ተመዚኖም ተባሂሉ ኣብ ኪዳን ዘይተጠርነፉ ሓይልታት ዓቕምታቶም ብዘየገድስ ዕድል ተዋሂብዎም ዝጥርነፉሉ ፣ ናይ መሪሕነት ቁሩቁስ ኣኽቲሙ ንነብሱ ከም ናይ ጽባሕ መሪሕነት ሃገር ቆጺሩ ብቑዓት መራሕቲ ዝመርጸሉ ፣ ናይ መንእሰያት ተሳትፎ ንምዕዛዝ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዝመጸሉ ፣ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዓውዲ ንኹሎም ኣህጉራውን ዞባውን ሓይልታትን ትካላትን ጽዑቕ ጎስጓስን ምልውዋጥ ናይ ሓብሬታን ዝግበረሉ ፣ ምስ ማሕበር ሃገራት ሰንዓ ዘሎ ስትራተጂካዊ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ጥርጣረን ስክፍታን ወጺኡ ንናይ ሓባር ረብሓ ብዝለዓለ ደረጃ ዝስረሓሉ  ግዜ ህጂዩ ።

 ጉዳይ ቻርተር ከም ቀንዲ መፈላለዪ ነጥቢ ካብ ምዃን ተሪፉ ኣብ ዝበዝሑ ብምስምማዕ ኣብ ምእላይ ናይዚ ስርዓት ከገልግል ዝኽእል ናይ ኣማራጺ ሓሳባት ሒዝካ  ንቅድሚት ዝሕሰበሉ ህጂዩ ። ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ስለዝበለ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ከምኡ ኮይኑዎ ክነብርዩ  ማለት ስለዘይኮነ ናብቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብሃንሳብ ኬና እንውስነሉ መድረኽ ከብጸሓና ዝኽእል ናይ ሓባር መደብ ምውጻእ እዋናዊ ሓላፍነት ናይ ነብሰ ወከፍ ውድብ ምኻኑ ክፍለጥ ይግባእ ።

ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ ዝሓለፉ ጌጋታትና እንመሃረሉ ፣ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ከስርሕ ዝኽእል ውሳኔታት ሒዝና እንወጸሉ ፣ ይኣክል ዝሓለፈ እንብለሉ ክኸውን እናተመነና ዓወትን ኣሳልጦን ንምነ ።

መደበር ሓበሬታ ጋልፍ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2629

Posted by on Feb 7 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net