ኣብ ኣውስትራሊያ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዕውት ንጥፈታት ተኻይዱ ።
GIC |
08/1/2007 |
ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተሓበረ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ተወዲቡ ኣብ ኣውስትሬልያ ክግበር ደመዲቡ ዝነበረ ፌስቲቫል ንምፍሻል ብዕለት 5/01/2006 ካብ መልእ ሀገረ ኣውስትራሊያ ዝተኣከቡ ፍሉጣት ሰባትን ፣ ወከልቲ ውድባትን ፣ ኣባላት ማህበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ከተማ ሜልቦርን ተኣኻከቡ ።
እቶም ኣኼበኛታት ብዝተወደበ መልክዑ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝቐነዐ ታቤላታትን ፣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘንጸባርቑ ናይ ዝተፈላለየ ዓለምለኻውያን ውድባት ጸብጻባትን ብምሓዝ ንኣውስትራሊያዊያን ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ተቓውሞ መብርሂታት ሂቦም ፈርማታት እናኣከቡ ናብቲ ቦታ ፈስቲቫል ዝወስድ ጎደናታት ብምዕራድ ኩለንተናዊ ተቓውሞ ኣካየዱ ። ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንጥፈታትኣብ ዕለት 6 ብወከልቲ ተቓውሞን በርጌሳዊ ማሕበራት ነቲ ኩነታት ዘንጸባርቕ መደረታት ቀሪቡ ። ብወገን ተቓውሞ ኤርትራ ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ተጋዳላይ ሞሓመድ ኑር ኣሕመድ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ኤርትራ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝኽበረላ ሃገር ንምምጻእ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣሕየሉ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ ። ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ኣቦ መንበር በርጌሳዊ ማሕበራት ኣውስትራሊያ ዶክተር ቡርሃን ሽደይ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስርዓት ሂትለር ዘይፍል ጨካን ስርዓት ስለዝኾነ ክእለ ዘለዎ ስርዓትዩ ክብል መደረ ኣስሚዑ ። ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ዝነበረ ንጥፈታት ብተቓወምቲ ዝተወደበ ባህላዊ ናይ ሙዚቅ ምርኢት ተዳልዩ ንተኣከብቲ ኣዘናጊዑ ። |
Short URL: https://english.farajat.net/?p=3465