News

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዕውት ንጥፈታት ተኻይዱ ።

GIC
08/1/2007
  ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተሓበረ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ  ተወዲቡ ኣብ ኣውስትሬልያ ክግበር ደመዲቡ ዝነበረ ፌስቲቫል ንምፍሻል  ብዕለት 5/01/2006 ካብ መልእ ሀገረ ኣውስትራሊያ ዝተኣከቡ ፍሉጣት ሰባትን ፣ ወከልቲ ውድባትን ፣ ኣባላት ማህበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ከተማ ሜልቦርን ተኣኻከቡ ።

 እቶም ኣኼበኛታት ብዝተወደበ መልክዑ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝቐነዐ ታቤላታትን ፣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘንጸባርቑ ናይ ዝተፈላለየ ዓለምለኻውያን ውድባት ጸብጻባትን ብምሓዝ ንኣውስትራሊያዊያን ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ተቓውሞ መብርሂታት ሂቦም ፈርማታት እናኣከቡ ናብቲ ቦታ ፈስቲቫል ዝወስድ ጎደናታት ብምዕራድ ኩለንተናዊ ተቓውሞ ኣካየዱ ።

ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንጥፈታትኣብ ዕለት 6 ብወከልቲ ተቓውሞን  በርጌሳዊ ማሕበራት ነቲ ኩነታት ዘንጸባርቕ መደረታት ቀሪቡ ። ብወገን ተቓውሞ ኤርትራ ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ተጋዳላይ ሞሓመድ ኑር ኣሕመድ  ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ኤርትራ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝኽበረላ ሃገር ንምምጻእ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣሕየሉ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ ። ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ኣቦ መንበር በርጌሳዊ ማሕበራት ኣውስትራሊያ ዶክተር ቡርሃን ሽደይ   ስርዓት ህግደፍ ካብ ስርዓት ሂትለር ዘይፍል ጨካን ስርዓት ስለዝኾነ ክእለ ዘለዎ ስርዓትዩ ክብል መደረ ኣስሚዑ ።

ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ዝነበረ ንጥፈታት ብተቓወምቲ ዝተወደበ ባህላዊ ናይ ሙዚቅ ምርኢት ተዳልዩ ንተኣከብቲ ኣዘናጊዑ ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top