News

ብሚኒስተር ጥዕና ሳልሕ መኪ ዝተዳለወ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ፍሽለት ኣጋጢምዎ ።

GIC
08/1/2007
ኣብቲ ብምኽንያት ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ከተማ ሜልበርን ብሚኒስተር ጥዕና ኣቶ ሳልሕ መኪን ኣብዚ ሕጂ እዋን ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ክመስል ህርድግ ዝብል ዘሎ ዕሱብ ኣብድርቓድር ሓምዳንን ዝተመርሐ  ናይ ህዝቢ ኣኼባ ብዝሕ ጸገማት ከምዝነበሮን ፍሽለት ከምዘጋጠሞን ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ ።

ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ ሚኒስተር ሳልሕ መኪ ኣብቲ  ብዛዕባ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ኣተኪሩ ዝሃቦ መደረ ፣ መስርሕ ዲሞክራሲያዊ ምዕባለን ሰብኣዊ መሰልን በሰንኪ ዘይምትግበር ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኣብ ባይታዩ ክብል ድሕሪ ምግላጽ ብሕጂውን እቲ ውሳኔ ስጋብ ዘይተተግበር እዚ ዝበሃል ዘሎ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ዝሕሰብ ኣይኮነን ክብል ንኣኼባኛታት ገሊጹ ። በዚ ዝነደሩ ኣኼባኛታት ብዛዕባ ዶሞክራስን ሰብኣዊ መሰን ኣጥቢቖ ስለዝሓተቱ ሚኒስተር ሳልሕ መኪ ክምልስ ኣይከኣለን ፣ ብድሕርዚ  ዕሱብ ኣብድልቃድር ሓምዳን ማይክሮፎን ወሲዱ  ወያነ ክብል ንዝጀመሮ ዘለፋ ሚኒስተር ሳልሕ መኪ ከልኪልዎ ።

 እዚ ከምዚሉ እንከሎ  ቁጽሪ ተጋባእቲ ኣዝዩ ውሑድ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኣምባሳዶርን ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያትን  ዘሎ ዘይምስምማዕ  ኣምባሳዶርን ዳርጋ  ኩሎም ኣባላት ናይቲ ኤንባሲ ኣብቲ ዝተገበረ ኣኼባ ከምዘየተሳተፉ እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ወሲኹ  ገሊጹ ።

ኣብ ተመሳስሊ ዜና ካብ ኤርትራ ዝኸደት ጉጅለ ባህሊ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ቁጽጽር ወደብቲ ኣካላት ናይቲ ፈስቲቫል ኮይና ገለ ኣባላታ ጠፊኦም ከምዘለዉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ በዚ ዝተሰናበዱ ኣባላት ህግደፍ ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ  ብህጹጽ  ናብ ከተማ ሲድኒ ከምዝወሰድዎም እቲ ዝመጸና  ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።        

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top