ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ቃልዕ መንገዲ

ቀዳማይ ክፋል

ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ቃልዕ መንገዲ ፡

 

ህ.ግ.ዲ.ፋውያን በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፍጽምዎን በደላት፡ ግፍዒ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ንሳቶም ንኣምነሉ ባዕሎም ዝብልዎ፡ ዝጽሕፍዎ ካብ ክውንነትን ሓቕነት ዝረሓቐ ናብ ቃልዕ ዘይገላበጡላ መንገዲ ኣብጺሓቶም ኣላ፡ ገገለ ናይ’ዚ እዋናዊ ተርኽቦ፡ ምስ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተባህለ፡ ካብ ቃሎምን ጽሖፍምን ዝተረኽበ’ዩ።

ብዕለት 5 መስከረም 2006 ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ንህዝቢ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒተራት ህ.ግ.ዲ.ፍ ነቲ ናይ ዕለት 24 ነሓሰ ኣብ ኣዳራሽ ዝተዘርበ ደጊሙ።

ኣብ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዑደት ዓዲ ጣልያን ብፕረሲደንት ኢሰያሳ ዝተኻየደ ናይ ልቕሶ ጋዜጣዊ ዋዕላ እንታይ ተባሂሉ ? ኩሉኹም ሰሚዕኽምዎን ንጽቡቑን ንሕማቑን ድማ ናይ ታሪኽ መሰኻክር ምዃንኩም ኣይተርፈኩምን’ዩ።

ኣብ’ታ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ኣብ ሻድሻይ ሻብዓይን መስመር ዘሎ ትሕዝቶ፡ ናይ ግምታት ወይ ስክፍታ ኣዘራርባ ዘይኮነስ፡ ብንጹሩን ብብሩህን ሰፊሩ ይርከብ።

           ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቂ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ

ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ግን ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቒ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝበሎ

ኩሉ ተረሲዑ፡ ንሕና ድኻ ሃገር፡ ከመይ ገቢርና’ና ንኻልኦት ሃገራት ንሕግዝ፡ ንሕናስ ነቶም ከቢቦምና ዘለዉ ሽግራት ንምቅላልን ንምፍታሕን ንጋደል ዘሎና ህዝቢ፡ ነዳዲ ሃልዩና ድዩ ኮይኑስ፡ ወይስ ካብ ምንታይ ኣምጺና ንሕግዝ ክብል ነቶም ጋዜጣኛታት ሓቂ ንምምሳል ብምግራም ተዛሪቡ።

እዚ ከኣ ብቀዳምነት ነቲ ብደቒቕ መግለጺ ዝሃበሉ፡ እሞ ከኣ ነቲ ብድሆታት ንምግጣም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ክብል እንከሎ፡ እቲ ሕቶ ናይ ናይ ገንዘባዊ ወይ ምጣነ ሃብታዊ ትሕዝቶ ዘይኮነስ፡ እቲ ጉዳይ ናይ ምምሕዳሩን፡ ናይ ዓቕምን ብቕዓትን፡ ናይ ግዜን ሕቶ ጥራሕ’ዩ ዝብል’ዩ ዘስምዕ ዝነበረ።

ይኹን’ምበር ኣብ’ቲ ብዕለት 21 መስከረም 2006 ኣብ’ቲ ንሓርነት.ኮምን ተጎርባ.ኦርግ ዝለኣኽዎ ጽሑፍ፡ ነዚ ሎሚ ቀለሙ ከይነቐጸ መንግስቲ ህ.ግ.ኢድ.ፍ ኣሉታ ዝህበሉ ዘሎ ጉዳይ ህዝቢ መታን ክፈልጦ ተገይሩ።

http://www.nharnet.com/Archives/Archive_2006/Sept_2006/Antonio_T_Sept2106.pdf

ሎሚ ህ.ግ.ዲ.ፍ በቲ ብገዛእ ርእሱ ዝፈጥሮ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ማሕበረ ቁጠባዊ ሽግራት ’ምበር ካልእ ዝተንከፎ ይብሉን። እዚ ተግባራት ከኣ ልዕሊ ኩሉ ነቲ ስልጣን ካብ ኢድ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ከይወጽእ፡ ህዝቢ ስልጣን ከይምንዝዖም ካብ ዘለዎም ፍትሓትን ስግኣታትን’ዩ። ትማሊ ዝተዘርበ፡ ሎሚ ክቅይርዎን ክልውጥዎን ከኣ ዘሰክፎምን ዘጸግሞም ኣይኮነን።

ኣብ’ዚ ኣርእስቲ ክልተ ኣገደስቲ ጉዳያት ክለዓል ዝኽእል ዘሎ ይመስለኒ። እዚ’ውን ህዝቢ ክፈልጦን ክርዶን ዘለዎ’ዩ።

ቀዳማይ

ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ደጋፊ ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ንግፍዕታት ህዝቡ ጸማም እዝኒ ሂቡ ዝኸይድ ዘሎ፡ ነቲ መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝብልዎ ቃላቱን፡ ነጥበ ስርዓቱን ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ቃና ወይ ዜማ ናይ’ቲ ኣዘራርባ ከይቀየሩ ዝዛረቡ ሰባት፡ ናይ 24 ነሓሰ ዘረባ ፕረሲደን ኢሰያስ ሎሚ እንታይ ይብሉ፡ ንምዃኑ ከም መራሕቶም ዘረባ ንምጥዋይ ንስለ ዘየሕፍሮም ከም መራሕቶም ክጋለበጡ ግድነት’ዩ። ይኹን’ምበር ይበሉ ኣይበሉ ዘገድስ እንተዘይኮነ፡ ብዓብዩ ነቲ ንሳቶም ሆ ሆ እንዳበሉ ንስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዕድምኡ ንኽናዋሕ ዝገብርዎ ዘለዎ ሃልኪ ብዕለት 24 ኣብ ናቕፋ ተመጉሶም፡ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ድማ ተኻሒዶም። ኢሰያስ ንሕና ድኻ ዓዲ’ና ክብል ተዛሪቡ፡ ብኣንክሮትን፡ ብምግራምን ከኣ ተዛሪቡሉ።

ካልኣይ

ህዝቢ ኤርትራ ደቑን ደቂ ደቁን ዝኸፈለሉ ዘየካትዕ መሰሉን ሰብኣዊ ክብሩን፡ ተነፊግዎ ንስ ዘይረኸቦ፡ መሰላትን ክብርን ጸጋን ክብርን፡ ተቃወምቲ ሓይልታት ጎረባብቲ ሃገር ብዋጋ ግፉዕ ኤርትራዊ ዜጋ ድላዮም ክገብሩ ይርከቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጽንብል በዓል ነጻነት 1994 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ዝነበሮ ሚዛን፡ ንተቃወምቲ ሓይልታት ዝገበረሎም ዘሎ ሓለፋታት እንተተዘኪሩ፡

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝነበሮ ዝምድናታት፡ ሎሚ ምስ ተቃወምቲ ሓይልታት ብዘለዎ ዝምድናታት ዝግበረሞ ዘሎ ሓለፋታት እንተዘይረሲዑ፡

ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ ክውንን ሓቐኛ ኩነታት ክሃድም፡ ኣብ ምድሪ ቤት ዝተዛረቦ፡ ኣብ ገበላ ዘረቡኡ ክለዋውጥ ክሳብ እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝሃበና ህዋስ ንሰምዓሉ ዘሎና እዝኒ ክንክሕድ ቀሪብና ኣሎና።

ህ.ግ.ዲ.ፍ ድኻ ሃገሪና ክብል እንከሎ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ዘይተኣደና ልግስና ንተቃወምቲ ሓይልታት ጎረቤት ሃገር ክገብር እንከሎ ብኸምይ ይልካዕ ይምዘን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዝምውሎፈነወ ሬድዮ፡ መደብ ቲቪ ብልክዕ እዚ ወጻኢታት ኣለዎ እንተዘይተባህለ ልዑል ወጻኢታት ዝግበረሉ ምዃኑ ዝየጠራጥር’ዩ።

እዚ ከኣ ዝህብና ቃሉ ከስምዕ ዘይተጠቐመሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንጓናታት ይዕደልን፡ መወራዘይ ይግበር ምህላዉ ንጹርን ብሩህን ኮይኑ ኣሎ።

ይቕጽል

7 ጥሪ 2006

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2613

Posted by on Jan 7 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net