ዝኽሪ ንተ. ኣድሓነት ዓንዱ
ብ ረ.ክ. (ባሻይ)ሚያዝያ 10-2005
መን’ያ ኣድሓነት ዓንዱ ‘ዛ ትማል ዝኸደት?
ማሕላ ናይ ማዕርነት ነሕዋታ ዘውረሰት መን’ያ ኣድሓነት ዓንዱ ካብ እግራ ናብ ርእሳ? እታ ተጋደለት ኣብ ላዕሊ ኣብ ከበሳ |
መን’ያ ኣድሓነት ዓንዱ ትፈልጦ እንተሎካ?
እታ ተቓለሰት ንመሰል ኣብ ባርካ መን’ያ ኣድሓነት ዓንዱ ኣሎዶ ዝነግር? እታ ምስ ብጾታ ንመስል ትጭድር |
ኣብ ዝረገጽናዮ ኬድኪ በጺሕክና
ዘይከፈልናኪ’ኮ ብዙሕ ዕዳ ኣለና ኣይርስዖን ኣነ ዕላልና ናይ ካርቱም ብዛዕባ ሃገርና እቲ ዘየብል ትም |
ዝርሳዕ ኣይኮነን ዕላልና ናይ ጀርመን
ዓሚቝ ክትዓትና ዘሎን ዝቐደመን ተሪር ዘረብኣ ከም ዋዕሮ ተጒረምርም መልእኽታ ሰዲዳ ብስሓቕ ትድምድም |
ኣይርስዖን ትማል ካናዳ መጺእኪ
ልዳት ናይ ኣሕዋትኪ ፍጹም ዘይጠፍኣኪ መዕበይና ኣመል ከምታ ናይ ቀደምና ብዛዕባ ዓድና ሓደን ክልተን ኢልና |
ይኸዱና ኣለዉ ብየማን ብጸጋም
እስከ ልቢ ንግበር ንግደፎ ምዕዝምዛም ብቐዳማይ ተሰፎም ሕጂ ድማ ኣድሓነት መንእሰይ ኣብ ዓዲ መንእሰይ ኣብ ስደት |
ኣብ ሓጻር ዕድሜኺ ነጻነት ረኺብና
ማያ ከይጥዓምኪ መሰል ጎዲሉና መን’ሞ ይኽሰሶ ነቲ ዝወሰነ ንሱ’ዩ ኰይኑና ህልዋት ንሳነ!!! |
Short URL: https://english.farajat.net/?p=3602