Poetry

ዝኽሪ ንተ. ኣድሓነት ዓንዱ

ብ ረ.ክ. (ባሻይ)ሚያዝያ 10-2005  

መን’ያ ኣድሓነት ዓንዱ ‘ዛ ትማል ዝኸደት?

ማሕላ ናይ ማዕርነት ነሕዋታ ዘውረሰት

መን’ያ ኣድሓነት ዓንዱ ካብ እግራ ናብ ርእሳ?

እታ ተጋደለት ኣብ ላዕሊ ኣብ ከበሳ  

 
  መን’ያ ኣድሓነት ዓንዱ ትፈልጦ እንተሎካ?

እታ ተቓለሰት ንመሰል ኣብ ባርካ

መን’ያ ኣድሓነት ዓንዱ ኣሎዶ ዝነግር?

 እታ ምስ ብጾታ ንመስል ትጭድር  

ኣብ ዝረገጽናዮ ኬድኪ በጺሕክና

ዘይከፈልናኪ’ኮ ብዙሕ ዕዳ ኣለና

ኣይርስዖን ኣነ ዕላልና ናይ ካርቱም

ብዛዕባ ሃገርና እቲ ዘየብል ትም

 
  ዝርሳዕ ኣይኮነን ዕላልና ናይ ጀርመን

ዓሚቝ ክትዓትና ዘሎን ዝቐደመን

ተሪር ዘረብኣ ከም ዋዕሮ ተጒረምርም

መልእኽታ ሰዲዳ ብስሓቕ ትድምድም  

ኣይርስዖን ትማል ካናዳ መጺእኪ

ልዳት ናይ ኣሕዋትኪ ፍጹም ዘይጠፍኣኪ

መዕበይና ኣመል ከምታ ናይ ቀደምና

ብዛዕባ ዓድና ሓደን ክልተን ኢልና

 
  ይኸዱና ኣለዉ ብየማን ብጸጋም

እስከ ልቢ ንግበር ንግደፎ ምዕዝምዛም

ብቐዳማይ ተሰፎም ሕጂ ድማ ኣድሓነት

መንእሰይ ኣብ ዓዲ መንእሰይ ኣብ ስደት

ኣብ ሓጻር ዕድሜኺ ነጻነት ረኺብና

ማያ ከይጥዓምኪ መሰል ጎዲሉና

መን’ሞ ይኽሰሶ ነቲ ዝወሰነ

ንሱ’ዩ ኰይኑና ህልዋት ንሳነ!!!

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top