ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ( ኮርስ ) ትምህርቲ ተዛዚሙ
እቲ ብዕለት 05/06/2011 ብሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ኢትዮጲያ ዝጀመረ ናይ ፖለቲካውን ምምሕዳርን ትምህርቲ ንሓለፍቲ መንእሰያት ብዕለት 09/06/2011 ተዛዚሙ ኣብዚ ናይ”ዚ ኮርስ ትምህርቲ ሓለፍቲ መንእሰያት ካብ ኣዲስ ኣበባ. ሽማልባ. ማይ ዓይኒ. ኣዲ ሓሪሽ. ተሳቲፎሞ ነይሮም።
ብተወሳኺ ነቶም ሓለፍቲ መንእሰያት ካብ ዝተዋህቦም ዝተፍላለይ ኣብቲ ዝተገብረ ውርክ-ሾብ ብዛዕባ ታሪኽ ብሄረ ጃበርቲን ዘበርከትዎ ተሳትፈኦምን ኣብ ምምስራትን ሓረካን ኣብ ብረታዊ ቃልስ ምጓንጻፍ ናጻነትን መጻኢት ኤርትራን ህሉው ኩነታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ህዝቢ ዝደልዮ ዘሎ ለውጥን በሰፊሑክምኡ”ውን እቲ ኣገዳስነት ዘለዎ ፖለቲካውን ምምሕዳርን ተዋሂብዎም።
እዚ ዝተዋህበ ትምህርቲ ብምትሕብባር ናይ ማእከላዊ መጽናዕትን ምምሕዳርን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ ዶ. ኣብደላህ ኑር ዝማሓደር ኢዩ;፡
ኣብዚ ዝተኻየደ ኮርስ ዓበይቲ ሰብ ታሪኽ መራሕቲ ኤርትራ እው”ን መደረኡም ሂቦም ንሳቶም ካኣ ተጋዳላይ ሳልሕ ሓዮቲ . ተጋዳላይ መሓመድ ዑመር ይሕያ ተጋደላይ ዓብደላህ ማሕሙድ . ጋዘጠኛ ምምህር ኣቡበክር ፍረታይ ክምኡ”ውን ዶ. ዓብደላህ ኑር ሓላፊ ማእከል መጽናዕቲን ምምሓድር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ . ተጋዳልይ ዓ/ራሕማን ጣህ ምክትል ሓላፊ ስልፊ ናህዳ ኤርትራን ምክትል ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ኢዮም ።
ብወገኖም ተሳተፍቲ ናይዚ ኮርስ ሓለፍቲ ዝኾኑ መንእሰያት ካብዚ ዝተዋህቦምን ብዝቀሰምዎ ትምህርትን ብትብዓት ምእንቲ ሃገሮም ኣበርቲዖም ከምዝቃለሱን ብቀዳምነት እውን ነዚ ዘሎ ስርዓት ኣስመራ ናይ ምውዳቅ ቅርብነቶም ገሊጾም።
ናይዚ መደብ ትምህርቲ ንምዕዋት ኩሉ ዝካኣላ ዝገበረት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ንኹሎም ኣብዚ ዝተሳተፉ መራሕቲ ኤርትራ ብዝገበርዎን ዝርኣይዎ ምትሕብባር ዓቢ ምስጋንኣ ብምቅራብ ብፍላይ ካኣ ን ዶ. ዓብደላህ ኑር በቲ ዝገበሩ ዓቢተሳትፎ ብኹሉ ሸነኻት ነዚ ኮርስ ንምዕዋት ዓቢ ምስግና ኣቅሪበምሉ።
ክምኡ”ውን ኣሳናዳኢት ሽማግለ ከምዝሓበረቱ ጉባኤ ስልፊ ናህዳ ኤርትራጨንፈር ኢትዮጲያ ዕለት11/06/2011 ጀሚሩ ዕለት 12/06/2011 ክካየድ ክምዝኾነ ሓቢራ
ስልፊ ናህዳ ኤርትራ
ክፍሊ ዜና
10/06/2011
Short URL: https://english.farajat.net/?p=5045