ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ( ኮርስ ) ትምህርቲ ተዛዚሙ

እቲ   ብዕለት  05/06/2011  ብሰልፊ  ናህዳ   ኤርትራ   ጨንፈር   ኢትዮጲያ ዝጀመረ  ናይ ፖለቲካውን ምምሕዳርን ትምህርቲ ንሓለፍቲ መንእሰያት  ብዕለት 09/06/2011  ተዛዚሙ  ኣብዚ  ናይ”ዚ  ኮርስ ትምህርቲ ሓለፍቲ መንእሰያት ካብ ኣዲስ ኣበባ. ሽማልባ.  ማይ ዓይኒ.  ኣዲ ሓሪሽ. ተሳቲፎሞ ነይሮም።

 

ብተወሳኺ ነቶም ሓለፍቲ መንእሰያት ካብ ዝተዋህቦም ዝተፍላለይ ኣብቲ ዝተገብረ ውርክ-ሾብ   ብዛዕባ  ታሪኽ  ብሄረ  ጃበርቲን   ዘበርከትዎ  ተሳትፈኦምን   ኣብ ምምስራትን  ሓረካን ኣብ ብረታዊ ቃልስ ምጓንጻፍ  ናጻነትን  መጻኢት ኤርትራን ህሉው ኩነታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ህዝቢ ዝደልዮ ዘሎ ለውጥን በሰፊሑክምኡ”ውን እቲ ኣገዳስነት ዘለዎ ፖለቲካውን ምምሕዳርን ተዋሂብዎም።

 

እዚ  ዝተዋህበ  ትምህርቲ  ብምትሕብባር ናይ ማእከላዊ መጽናዕትን ምምሕዳርን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ ዶ. ኣብደላህ ኑር ዝማሓደር  ኢዩ;፡

 

ኣብዚ ዝተኻየደ ኮርስ ዓበይቲ ሰብ ታሪኽ  መራሕቲ  ኤርትራ እው”ን መደረኡም ሂቦም ንሳቶም ካኣ ተጋዳላይ ሳልሕ ሓዮቲ .  ተጋዳላይ   መሓመድ ዑመር ይሕያ ተጋደላይ ዓብደላህ ማሕሙድ .  ጋዘጠኛ ምምህር ኣቡበክር ፍረታይ ክምኡ”ውን ዶ. ዓብደላህ  ኑር ሓላፊ ማእከል መጽናዕቲን ምምሓድር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ . ተጋዳልይ ዓ/ራሕማን ጣህ ምክትል ሓላፊ ስልፊ ናህዳ  ኤርትራን ምክትል ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ኢዮም ። 

  

 

ብወገኖም   ተሳተፍቲ   ናይዚ   ኮርስ  ሓለፍቲ ዝኾኑ    መንእሰያት  ካብዚ  ዝተዋህቦምን ብዝቀሰምዎ  ትምህርትን ብትብዓት  ምእንቲ  ሃገሮም  ኣበርቲዖም ከምዝቃለሱን ብቀዳምነት እውን ነዚ ዘሎ ስርዓት ኣስመራ ናይ ምውዳቅ ቅርብነቶም ገሊጾም።

 

ናይዚ  መደብ  ትምህርቲ  ንምዕዋት  ኩሉ ዝካኣላ  ዝገበረት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ንኹሎም ኣብዚ  ዝተሳተፉ መራሕቲ ኤርትራ ብዝገበርዎን ዝርኣይዎ ምትሕብባር ዓቢ ምስጋንኣ ብምቅራብ ብፍላይ ካኣ ን ዶ. ዓብደላህ ኑር በቲ ዝገበሩ ዓቢተሳትፎ ብኹሉ ሸነኻት ነዚ ኮርስ ንምዕዋት ዓቢ ምስግና ኣቅሪበምሉ።

 

ክምኡ”ውን ኣሳናዳኢት ሽማግለ ከምዝሓበረቱ ጉባኤ ስልፊ ናህዳ ኤርትራጨንፈር ኢትዮጲያ ዕለት11/06/2011   ጀሚሩ ዕለት 12/06/2011 ክካየድ ክምዝኾነ ሓቢራ

 

ስልፊ ናህዳ ኤርትራ

ክፍሊ ዜና

 10/06/2011 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5045

Posted by on Jun 11 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net