ማዓልቲ መስዋእቲ ከቢረ ኣብ ርያድ
ጅምዓት ዕለት 3/4/2015 ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ርያድ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣቦ-ስዉኣት ሸኽ ዓ/ቃድር መሓመድ ሳልሕ ከቢረ ብዕለት 28 መጋቢት 1949 ብኢድ ካሓድቲ ዝተፈጸመ መቅተልቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብኽብ ዝበለ ዝኽሪ ኣብዒሉ።
ኣብ ማዓልቲ ሽኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ዝተሳተፉ ክቡራት ኣጋይሽ ፡ ሶፊያ ሽኽ ዓ/ቃድር ከቢረ( ጓል ስዉእ ሽኽ ዓ/ቃድር ኪቢረ) ተጋዳላይ መምህር ኢብራሂም ቀደም፡ ብሮፈሶር ዶክቶር ጀላለዲን መሓመድ ስላሕ፡ ደራስን ጻሓፍን መምህር ኣውልኬር ዓ/ሓፊዝን ኢዮም።
ከምኡ’ውን ኣቦ-መንበር ማእክላይ ሽማግለ ሙሃንድስ ኑር እድሪስ፡ ዓበይቲ መሻይኽ፡ ብዝሒ ቁጽሪ ዘለዉም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ርያድ፡ ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ተሳቲፎም።
መኽፈቲ ብቁርኣነል-ከሪም ድሕሪ ምጅማር፡ ንሽኽ ዓ/ቃድር ከቢረን ንኹሎም ስዉኣት ኤርትራ ዱዓ ተገይሩ፡ ቀጺሉ ኣቦ-መንበር ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ብሓፈሻ ንኹሎም ተሳተፍቲ ብፍላይ ካኣ ንኽቡራት ኣጋይሽ እንኵዕ ዳሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባሉ፦
ቀጺሉ ኣብ ኩለን ጨንፈራት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝካየድ ዓመታዊ ዝኽሪ ንሓርበኛ ኣቦ-ስዉኣት ሽኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ንኽብርን ዝኽርን ኩሎም ስዉኣት ኤርትራና ኢዩ ክብል ገሊጹ።
ቀጺሎም መደረ ዘስምዑ ፡ ተጋዳላይ መምህር ኢብራሂም ቀደም፡ ብሮውፈሶር ዶክቶር ጀላለዲን መሓመድ ሳልሕ፡ ምክትል ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ መምህር መሓምድ ሳልሕ ሓጎስ ፡ ደራስን ጻሓፈን መምህር ኣወልኸር ዓ/ሓፊዝ፡ ጻሓፋይን ንጡፍ ኣብ ጉዳይ መሰልን ዓ/ራሕማን ሰይድን ኢዮም።
ኣቲ ብወገን ተሳተፍቲ ዝተዋህበ መደረ ንስዉእ ሽኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ከም መሪሕ ግደ ዝነብሮ ኣብ ሃገራውነቱ ይኹን ሕልየቱ ንድሕነት ሃገሩን ህዝቡን ዝኸፈሉ ክቡር ሂወቱን ታሪኹን ዝቶከረ ኢዩ ነይሩ ፡ ክምኡ’ውን ተሳተፊቲ ከም ዝገለጽዎ፡ ካብቲ ናይ ሽኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ታሪኽ ዓቢ ትምህርቲ ክንቀስምን ብተግባር ክንሰርሓሉን ፡ ክምኡ’ውን እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ ጽሑፍ ተጻሒፉ ክስነደን መጻኢ ወለዶ ክማሃርሉን ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ቀጺላ ቃላ ዘስመዐት ወ/ሮ ሶፊያ ዓ/ቃድር ከቢረ ፡ ኣነ ኣብዚ ምሳኹም ብምስታፍይ ብጣዕሚ ሕጉስቲ ኢየ ብሓቂ ካኣ ሎሚ ዝተወለድኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ድሕሪ ምባላ ፡ ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራን ንኹሎም ትሳትፍትን ምስጋና ኣቅሪባትሎም።
ቅድሚ መደብ ምዝዛሙ፡ ተሸለምቲ ናይዚ ዓመት ብኢድ ሙሃንድስ ኑር እድሪስ ተሸሊሞም ፡ ተጋዳልይ መምህር ኢብራሂም ቀደም፡ ብሮፈሶር ዶክቶር ጀላለዲን መሓመድ ሳልሕ ፡ መምህር ዓ/ራሕማን ሰይድ፡ መምህር ኣውልኸር ዓ/ሓፊዝ ፡ ወ/ሮ ሶፊያ ዓ/ቃድር ከቢረን።
ተሳተፍቲ ካብ ዘስምዕዎ ቃል ሸኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ንዝበርከትዎ ዓቢ ኣበርክቶ፡ ንኽብረቶም ካኣ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝወስድ መንገድን ክምኡ’ውን መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብስሞም ክጽዋዕ ተሳተፍቲ ተላቢዮም፡ ዝኽሪ ማዓልቲ ኣቦ-ስዉኣት ሸኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ኣጋ ወጋሕቲ ዕለት 4/4/2015 ድሕሪ ምጭራሹ፡ እንሻኣላህ መጻኢ መበል 67 ዓመት ዝኽሪ ስዉእ ሸኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ኣብ ከተማ ኣስመራ ክነብዕል።
ኣብ ፍርቂ ወርሒ መጋቢት 2015 ጨንፈር ርያድ ፡ ንመምህር ኢብራሂም ቀደምን ንመምህር ዓ/ራሕማን ሰይደን ከምኡ’ውን ካድራት ሰልፊ ዝተሳተፍዎ ክምዝተራኸቦም ክፍሊ ዜና ሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ዜና
ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
4/4/2015
Short URL: https://english.farajat.net/?p=9493