ማዓልቲ መስዋእቲ ከቢረ ኣብ ርያድ

ጅምዓት ዕለት 3/4/2015  ሰልፊ ናህዳ   ኤርትራ ጨንፈር ርያድ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣቦ-ስዉኣት ሸኽ ዓ/ቃድር መሓመድ   ሳልሕ    ከቢረ ብዕለት 28  መጋቢት 1949 ብኢድ ካሓድቲ  ዝተፈጸመ መቅተልቲ ኣብ ከተማ   ኣስመራ ብኽብ ዝበለ ዝኽሪ ኣብዒሉ።

ኣብ  ማዓልቲ ሽኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ዝተሳተፉ ክቡራት ኣጋይሽ ፡  ሶፊያ ሽኽ ዓ/ቃድር ከቢረ( ጓል ስዉእ ሽኽ ዓ/ቃድር ኪቢረ)   ተጋዳላይ መምህር ኢብራሂም ቀደም፡ ብሮፈሶር ዶክቶር ጀላለዲን መሓመድ ስላሕ፡ ደራስን ጻሓፍን መምህር ኣውልኬር ዓ/ሓፊዝን  ኢዮም።

ከምኡ’ውን   ኣቦ-መንበር   ማእክላይ   ሽማግለ ሙሃንድስ ኑር እድሪስ፡ ዓበይቲ  መሻይኽ፡ ብዝሒ ቁጽሪ  ዘለዉም  ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ርያድ፡  ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ  ተሳቲፎም።

መኽፈቲ ብቁርኣነል-ከሪም ድሕሪ ምጅማር፡  ንሽኽ ዓ/ቃድር ከቢረን   ንኹሎም ስዉኣት ኤርትራ  ዱዓ ተገይሩ፡  ቀጺሉ ኣቦ-መንበር ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ብሓፈሻ ንኹሎም ተሳተፍቲ ብፍላይ ካኣ ንኽቡራት ኣጋይሽ  እንኵዕ ዳሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባሉ፦

ቀጺሉ  ኣብ ኩለን ጨንፈራት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ  ዝካየድ ዓመታዊ ዝኽሪ ንሓርበኛ ኣቦ-ስዉኣት ሽኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ንኽብርን ዝኽርን  ኩሎም ስዉኣት ኤርትራና ኢዩ ክብል ገሊጹ።

ቀጺሎም መደረ ዘስምዑ ፡ ተጋዳላይ መምህር ኢብራሂም ቀደም፡ ብሮውፈሶር ዶክቶር ጀላለዲን መሓመድ ሳልሕ፡ ምክትል ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ መምህር መሓምድ ሳልሕ ሓጎስ ፡ ደራስን ጻሓፈን መምህር ኣወልኸር ዓ/ሓፊዝ፡ ጻሓፋይን ንጡፍ ኣብ ጉዳይ መሰልን ዓ/ራሕማን ሰይድን  ኢዮም።

ኣቲ ብወገን ተሳተፍቲ    ዝተዋህበ መደረ    ንስዉእ  ሽኽ ዓ/ቃድር  ከቢረ  ከም መሪሕ ግደ ዝነብሮ ኣብ ሃገራውነቱ  ይኹን  ሕልየቱ ንድሕነት ሃገሩን ህዝቡን  ዝኸፈሉ  ክቡር ሂወቱን ታሪኹን  ዝቶከረ ኢዩ ነይሩ ፡ ክምኡ’ውን  ተሳተፊቲ ከም ዝገለጽዎ፡   ካብቲ ናይ  ሽኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ታሪኽ ዓቢ ትምህርቲ ክንቀስምን      ብተግባር   ክንሰርሓሉን ፡   ክምኡ’ውን   እዚ   ታሪኽ   እዚ  ኣብ ጽሑፍ ተጻሒፉ ክስነደን  መጻኢ ወለዶ ክማሃርሉን  ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ቀጺላ ቃላ ዘስመዐት  ወ/ሮ ሶፊያ ዓ/ቃድር ከቢረ ፡ ኣነ ኣብዚ ምሳኹም ብምስታፍይ ብጣዕሚ ሕጉስቲ ኢየ  ብሓቂ ካኣ ሎሚ ዝተወለድኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ድሕሪ ምባላ ፡ ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራን ንኹሎም ትሳትፍትን ምስጋና ኣቅሪባትሎም።

ቅድሚ  መደብ ምዝዛሙ፡ ተሸለምቲ ናይዚ ዓመት ብኢድ  ሙሃንድስ ኑር እድሪስ ተሸሊሞም ፡  ተጋዳልይ መምህር ኢብራሂም  ቀደም፡ ብሮፈሶር ዶክቶር ጀላለዲን መሓመድ ሳልሕ ፡ መምህር  ዓ/ራሕማን ሰይድ፡ መምህር ኣውልኸር ዓ/ሓፊዝ ፡ ወ/ሮ ሶፊያ ዓ/ቃድር ከቢረን።

ተሳተፍቲ ካብ ዘስምዕዎ ቃል  ሸኽ ዓ/ቃድር ከቢረ  ምእንቲ ህዝብን  ሃገርን ንዝበርከትዎ ዓቢ ኣበርክቶ፡  ንኽብረቶም ካኣ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ  ዝወስድ  መንገድን ክምኡ’ውን  መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብስሞም ክጽዋዕ ተሳተፍቲ ተላቢዮም፡  ዝኽሪ ማዓልቲ ኣቦ-ስዉኣት ሸኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ኣጋ ወጋሕቲ ዕለት 4/4/2015 ድሕሪ ምጭራሹ፡ እንሻኣላህ መጻኢ መበል 67 ዓመት ዝኽሪ ስዉእ ሸኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ኣብ ከተማ ኣስመራ ክነብዕል።

ኣብ ፍርቂ ወርሒ መጋቢት 2015  ጨንፈር ርያድ ፡ ንመምህር ኢብራሂም ቀደምን ንመምህር ዓ/ራሕማን ሰይደን ከምኡ’ውን ካድራት ሰልፊ ዝተሳተፍዎ ክምዝተራኸቦም ክፍሊ ዜና ሓቢሩ።

 

 

ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

4/4/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9493

Posted by on Apr 5 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net