ኣብ በይ ኤርያ ካሊፎርነያ ንመስርሕ ካላኣይ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንምዕዋት መራሕቲ ጫንፈር ብዲሞኩራስያዊ ኣጋባብ መሪጾም

encdc    

     ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲመኩራስያዊ ለውጢ ተቐማጦ  በይ ኤርያ  ካሎፎርነያ ኣብዚ ማዓልቲ ምርጫ ጫፈሮም ፤  ነቲ መተካእታ ዘይቡሉ ጽላል ናይ ሓባር መቃለሲ ባይታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንኻላኣይ ሃገራዊ ጉባኤኡ ንምዕዋት ካብ ጫንፈር ዝጥለብ ብኹሉ መዳያት እና ኣማላእና  ኣበርቲዕና ክንቃለስ ከም ምዃና ኣብ ኣኸባና ኣስሚርናሉ።

           ጫንፈር በይ ኤርያ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ ኣብ ኣኼቡኡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዝተሰማማዕናሉ ንምዕዋት ዳግማይ ስርርዕ  ን’ጫንፈር ትመርሕ መሪሕነታ ብዲሞኩራስያዊ ኣጋባብ 7 ሰባት ክምረጹ ከለዉ 2 ካኣ ተጣባበቕቲ መሪጾም።

           ኣብዚ ምርጫ እዚ ኣገዳሲ ናይ ዲሞክራስያዊ ክትዕ ኣጋባቡ  ሒዙ ንመስርሕ ዲሞክራስያዊ ኣጋባብ ዝምልከት ክትዓት ተኻይዱሉ ብህዱእ ብምክብባርን ሓልዮት ዝመል’ኦ መንፈስ ተኸቲሉ  ኣብ 2  ሪኢቶ ምቛም ሽመግለ ዝዓለመ ክትዕ ነይሩ!!!

  • እታ ቐዳመይቲ  ሪኢቶ በቶም ዝተመኮሩ ክሳብ ሕጂ ነዚ ጫንፈር ጠጦው ኣቢሎሞ ብደይ ምቁራጽ ክሰርሑ ዝጸንሑ  ኣብ ርእሲኦም  ነቶም በኺሮም ዝጸንሑ  ኣብ ቦቶኦም ዝትኩኡ ንግበር  ትብል ነይራ።
  • እታ ካላኣይቲ ሪኢቶ ካኣ ኖ ከም ብሓዲሽ  ዳግማይ ስርርዕ ምርጫ ንግበር ትብል ኢያ ነይራ፤ ብሓቂ ካኣ ክልቲኤን  ናይ ምዕዋት ካላኣይ ግባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ  ሓልዮት ዝመል’ኦ  ሪኢቶታት ኢዩ ነይሩ።

                   

      ብናይ  ሓባር ስምምዕ ካኣ  ክልቲኤን  ኣብ  ምርጫ  ቀሪበን

     እታ ከም ብሓድሽ ስርርዕ ምርጫ ንግበር ትብል  ብድምጺ ሲዕራ ኣብ ምርጫ ከም ብሓዲሽ  ክግበር ተውሲኑ  ኣምራጺት ሺማግለ ሰክርተርያ ንግዚኡ ተመሪጻ  ብጉቡእ ካኣ ንዝተዋህባ  ሓላፍነት እቲ ምርጫ ኣካይዳቶ። ነቶም ተመርጹ ሰባት መምስ  ነጥቦም ጺሒፋ ኣቕሪባቶ  ብኣብዝሔ ነትቢ ተራእዩ  7 ዝኣባላታ  መራሕቲ ክምረጹ ኸለው፤ 2 ካኣ ተታባበቕቲ መጺኦም።

       እታ ቐዳመይቲ ሪኢቶ  ብድምጺ ዳኣ ትሳዓር እምበር  ኣብ ምርጫ ምስ ኣተወት ኣብ ዳግማይ ስርርዕ እውን  እቶም ክሰርሑ ዝጸንሑ  ኣብ ምርጫ ኣይ ተረፉን ከም ተመረጹ  ከነብርህ ንፈቱ ፤ ኣብ መስርሕ ዳግማይ ስርርዕ ምርጫ  ኣብ ርእሲ እቶም ዝነበሩ ሰለስተ  ቡርቱዓት ሰብ ተመኩሮ ብሱላት ተወሲኮሞም ብድምጺ።

     ናይ ጨንፈር በይ ኤርያ  ካሊፎርነያ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲምክራስያዊ ለውጢ  ናይ ምርጫ  መስርሕ ኣኼቡኡ  ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ተዛዚሙ።

        4/4/2015

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9498

Posted by on Apr 7 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net