ስውእ ገብሪሂወት ወዲ ሕምብርቲ ( ወዲ ሕምብርቲ)

abu ashara hebreti

ዝከበርኩም ክቡራት ደለይቲ ፍትሒ ታሪኻውን ፍትሓውን ኣብ መትከሉ ነቕ ዘይብል ጅግና ሓርበኛ ስውእ ገብሪሂወት ሕምብርቲ ስእሉ ንኽረክብ ዘይ ሓተትክዎን ዘይ ፈተሽኩዎን ኣይ ነበረን ናይ ጅግና ስእሊ ደበኽ አሉ ኣብ ፌስቡክ መስጅ ናተይ በቲ ጅግና ገዲም ተቓላሳይ መስፉን መንግስቱ ተላኢኹለይ ክሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ሰነድ ቃልስና ብጉቡእ ዝዕቅቦ ዘሎ መስፉን መንግስቱ ድማ ከተሞጉሱለይ ብትሕትና ይሓተኩም ክብሪ ትዓደል ብጻይብ መስፉን  መንግስቱል።

ክምለስ ናብ ጅግና ሓርበኛ  ስውእ ገብሪሂወት ሕምብርቲ  (ወዲ ሕምብርቲ) ምስ ገብሪሂወት ሕምብርቲ ኣብ 1973 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ኢና ንፋለጥ ኣብ ሳሕል ብዓረምረም ዝፍለት ሓያልን ሙኩሩን  ዝኾነ ሰራዊት ጀብሃ  ምስ ስውእ ጅግና ገብሪሂወት ሕምብርት ኣብዚ ኢና ቦኽሪ ሌላና ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ 1974  መዳዳ ብጽረ ገድሊ ብዝብል ሽም ዝፍለጡ ዝነበሩ እዞም ናይ ሕጂ  ህግደፍ ዘጽንትዎ ዘለው  ንህዝብና  ኣብ 74 ካብ ሳሕል ካባና መሊቖም ንከበሳ ክኸዱ ከለዉ  ጀብሃ  መራኸቢ ሮድዮታት ስለ ዘይ ነበራ መዳዳ (ጽረ ገድሊ) እዞም ናይ ህጂ ህግደፍ ከዳዓት ስላ ስውእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ድሳኣንዎ ኣይ ነበሮምን  መራኸቢ ረድዮታት ነይርዎም ኢዩ።

ጀብሃ ግን ስለ ዘይ ነበራ ረድዮ መራቢ  ካብ  ሳሕል ንከበሳ ይከዱ ከም ዘለዉ መዳዳ (ጽረ ገድሊ) ብገባር ኢዩ ተነጊርዋ  ጀብሃ ምስ ሰምዔት ከተርክቦም ተበጊሳ  ኣብ ጉዕዞ መዳዳ (ጸረ ገድሊ) ኣብ ኦለ ዝተባህለ ቦታ ንስውእ ኣባሽመል ንስውእ እስራኤል ምስግና ንስውእቲ ኣለም መስፉ ኣብ መገዲ ምስ ተጓነፍዎም ኣረሚናዊ ቀንጸላ ኣብ ርኢኦም ፈጺሞም ንባዓል ወኪ ዛግር ግዕዞኦም ቀጺሎም።

በጋጣሚ መደበይ ምስቶም ዝተረፉ ተሪፈ  ኣነ ኣብ ሳሕል።  ገብሪሂወት ሕምብርቲ እውን ተሪፉ ነይሩ ንኽኸይድ ከርክብ ካኣ ተመዲቡ  ክብገስ ከሎ  ንዓይ ኣቡ ዓሸራ  ናይ እስራኤል ምስግና  ሽጉጥ ሓጂመ ካብኦም እንተዘይ ዓጠኩዋ ወዲ ሕምብሪቲ ኣይ ኮንኩን ኢሉኒ።

ከምታ ዝበለኒ ድማ ኣብውግእ  ብዓል ወኪ ዛግር ዓዲ ብዴል ሃጁሙ እታ ሽጉጥ ካብ ብዓል ሳልሕ ጠጠው ወሲድዋ ከምተሓበርክዎ። ብጅግንነቱ ዝበላ ዝገብራ ተባዕ ሓርበኛ ኢዩ ነይሩ።

ስውእ ገብሪሂወት ሕምብርቲ ኒኢሳያስ ኣፈወርቂ  ካብ ዘበነ ክፍልታት (ኣያም መናጥግ) ን’ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተንኮሉ ስለ ዝፈለጦ  ብረት ዓሚሩ ክትኩሰሉ ምስ ኣቃናናዓ ብረቱ ምስኡ ዝነበሩ ገደይም ተቃለስቲ ደቂ መታሕት  ነጢሮም ከም ዝሓዝዎ ይዝረበሉ፤  ኢልዎም  ገብሪሂወት ሕምብርቲ ን’ኢሳያስ እዚ ሰብ  እዚ ዝፈጥሮ ሽግራትን ጸገምን ከቢድ ዋጋ ክትከፍል’ያ ኤርትራ ክብሎም ከሎ፤ ደቂ መታሕት ካኣ ካብ ሓልዮት ተበጊሶም ኒኢሳያስ ምቕታል ምስ ህዝብና ደቂ ከበሳ ኣብ ጽል’ኢ ምእታው ማለት  ኢዩ ክብሉ መልሰምሉ።

ገብሪሂወት ሕምብርቲ ንዛኣመነሉ ብርቱዕ ተቓላሳይ ኢዩ ነይሩ።ኣብ  ሕጊ ናይ ጀብሃ ካኣ ኣብ ምእራም ዓቢ ታራ ይጻወት ከም ዝነበረ ይዝረበሉ ኣብነት !!!!

ጀብሃ ኣብ ወታሓደራዊ  ሕጊ ግብረ ሰዶም ክፍጽም ዝተረኽበ

መስተ ሰትዩ ዝሰኸረ ናይ ሞት ፍርዲ ክትውስን ከላ ገብሪሂወት ሕምብርቲ ንዛ ናይ መስተ ጠጦው ኢሉ ተቓዊሙ ኣሪሙ ከም ትላዓል ገይሩዋ  ኣብ ተንተኑኡ  ክርስትያን ክውለዱ ክጥመቑ ክሕጸዩ ክምርዓዉ ክመቱ ምስመትቱ ውን ዝክር ዝባሃል ኣሎ እዚ ኩሉ ብደይ መስተ ስለ ዘይግበር  ምስተ ሰቲኻ ኢልኩም ሞት ክትፈርዱ እንተ ኼንኩም ባኣይ ጀምሩ ኣነ ሕጂ እንተ ረኪበ ክሰትየ  ባህሊ ክርስትያን ኢዩ ተልዕልዋ  ምስ በሎም  ሓቁ ኢዩ ኢሎም ኤርትራ ናይ ኣስልም ጥራይ ኣይ ኮነትን ክርስትያን ዝተፋላለዩ ምእመናታት ስለ ዘሎ ኢሎም ነታ ናይ ወዲ ሕምብርቲ ዘቕረባ ምስናይ ምስገና ተቐቢልሞ ከም ትልዓል ገይሮማ ።

ኣነ ብስውእ ገብሪሂወት ዝተዓዘብኩዎን ዝተነገረንን እዚ ይመስል ነይሩ

ካልእ ንስውእ ጅግና ገብሪሂወት ወዲ ሕምብርቲ ጓሉን ሰበይቱን ኣብዚ ከባብየይ ስለ ዘለዋ ጓሉ

ፍረወይኒ  ትባሃል ስእሊ ኣቦይ  ዘለዎ ገለ ኣይ ትፈልትን ኢላ ሓቲታትኒ  እና ሓፈርኩ የብለይን ኢለያ።ሕጂ ግን ክህባ ኢየ።

ካብ ገብሪሂወት ኣቡ ዓሸራ።

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9500

Posted by on Apr 7 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net