ኣብ ዓሚቝ ወጥሪ ዝርከብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣባይቲ ንምፍራስ ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።

ensf baner 

መንደፈራ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሰንበት ዕለት 29/03/2025 ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣባይቶም ክፈርስ ተመዲቡ ንዘሎ ዜጋታት ናይ መጠንቀቕታ ደብዳቤታት ከም ዝዘርገሐ ካብ‘ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። እዚ ንልዕሊ 70 ዝኾኑ ስድራ ቤታት ዝተዘርገሐ ደብድቤታት፡ ገዛውቶም ብቕጽበት ክለቁ ከም ዝግበኦምን እቲ ናይ ምፍራስ መደብ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክፍጸም ምዃኑን  ተሪር ምጕቡዕባዕ ዝሓዘለ መልእኽቲ ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።  

 

እዚ ጨካን ተግባር‘ዚ መቐጸልታ ናይ‘ቲ ኣብዚ ወርሒ‘ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ዞናታት ሃገርና ዝተፈጸመን፡ ብናይ ግፍዒ መሓውር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ክሳብ ዜጋታትና ህይወቶም ዝኸፈሉሉ ተረኽቦ ዓዲ ቀይሕን ምዃኑ ዝተፈልጠ ኢዩ።

 

ብተወሳኺ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘካይዶ ዘሎ ኣሬማናዊ ተግባራት ብምቕጻል፡ ካብ 420 ዘይውሕድ ኣባይቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ከምኡ‘ውን ቍጽሩ ዘይተፈልጠ ኣባይቲ ኣብ ዓዲ ኳላን ዓረዛን ሕምብርትን ከፍርስ ይሸባሸብ ምህላዉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

 

ምስ‘ዚ ብዝተኣሳሰረ፡ ሓላፊ ጉዳይ መሬት ኣብ ዓዲ ቀይሕ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ኣብ ዝፍትነሉ ዝነበረ ግዜ ብጸጥታ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክተሓዝ ከሎ፡ የውሃንስን (ጆንን)፣ መሓመድ ዓብዱ መደበርን ዝተባህሉ ክልተ ካልኦት‘ውን ከም ዝተዳጎኑ ካብ ዓዲ ቀይሕ ዝበጸሓና ዜና ኣፍሊጡ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነዚ ዝፈጸሞ ናይ መእሰርቲ ስጉምታት ክወስድ ዝደረኾ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እቲ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ዝተፈጸመ ገበን እዞም ውልቀሰባት ዝስከምዎ ኢዩ ብምባል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓቱ ኣብ ህዝብና ሰፊኑ ዘሎ ዓቢ ጽልእን ቅርሕንትን ንከፋኹስ ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ከንቱ ፈተነ ኢዩ ተባሂሉ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።   

 

ኣስመራ፡  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሰንኪ ናህሪ ናይ ኣመሪካ ዶላር ብምንጽጻር ምስ ቦታዊ ባጤራ፡ ብሚልዮናይ ዶላር ዝቕጸር ገንዘብ ክሳራ ከም ዘስዓበሉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ማእከላይ ባንክ ናይ ወጻኢ ባጤራ (Hard Currency) መንዚዑ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ጁባን (ደቡብ ሱዳን) ልዋንዳን (ኣንጎላ) ዘዋፍሮም ባእታታት ነቲ ገንዘብ ኣሰኪሙ ከዋፍርሉ ለኣኾም። እቲ ሒዘሞ ዝኸዱ ገንዘብ ናብ ቦታዊ ባጤራ ብምቕያር ከዋፍርዎ ጀመሩ፤ እንተኾነ ግን ስርዓት .... ዘይገመቶ ምዕባሌ፣ ዶላር ሰማይ ስለ ዝዓረገ፡ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ኣስዓበሉ። ካብ ዝተበገሰ ኣብ መንጎ ስርዓት .... እቶም ከዋፍሩ ዝላኣኾም ባእታታትን በቲ ሓደ ወገን፣ ኣብ መንጎ ስርዓትን ኣብ መንጎቶም ገንዘብ ህዝቢ ክዕቅቡ ጌዴታ ክህልዎም ዝግባእ ሓለፍቲ  ማእከላይ ባንክን በቲ ካልኣይ ወገን ዓቢ ነውጺ ተፈጢሩ ምህላዉ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

 

ብተወሳኺ፡ ጸጥታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዕለት 28/03/2015 ተስፋልደት መሓሪ ዝተባህለ ሸቃጣይ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ተረጋጊጹ። ምኽንያት መእሰሪኡ ከኣ፡ ምስ ገለ ቻይናውያን ብምትሕብባር ኣብ ብልሽውናን ገንዘብ ኣብ ምጥፍፋእን ተጠላቕዩ ዝብል ክሲ በቲ ስርዓት ከም ዝቐረበሉ ተሓቢሩ። ቅድሚ ኣብ ኢድ ጸጥታ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምውዳቑ፡ ንገለ መዓልትታት ተሰወሩ ስለ ዝነበረ፡ ጸጥታዊ ማሓውር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታትን ብሎኮታትን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ጽዑቕ ፍተሻ ከካይድ ከም ዝጸንሐ ብተወሳኺ ተፈሊጡ። ምስ’ዚ ብምትእስሳር መቕረብ ናይ ተስፋልደት ዝኾነ ሓሙሽተ ሰባት’ውን ኣብ ቀይዲ ኣቲዮም ምህላዎም’ውን ተፈሊጡ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ.

30/03/2015

 

 

 

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9490

Posted by on Mar 31 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net