ደምዳሚ መግለጺ ህዝባዊ ዘተ አብ ከተማ ከሎን/ጀርመን

Cologne Germanyቀዳም ዕለት 28/11/2015፡

ካብ  ኖርድ-ራይን-ዌስትፋልያ፣  ካብ ሄሰንን ካብ ባደን-ጉተንበርግን ዝመጹ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ  ሰፊሕ ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ። ኣብዚ ብህዱእ መንፈስን፡ ብነዊሕ  ጠመተን ዝተሰላሰለ ፡  ህዝባዊ ዘተ’ዚ፡  ዝተሳተፉ ሰባት፡ ብዓቕሞም ይኹን ብተገዳስነቶም፡ ልሉይ ተራ ዘለዎም ኮይኖም፡ ካብ ተራ-ህዝብን ፡ ካብ ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን፡  ከምኡ ውን፡ ካብ አብ ሃገራዊ ባይቶ ዝነጥፉ ባእታታትን ዘካተተ’ዩ ነይሩ።  እዚ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ህዝቢ ክሳተፎ ምዃኑ፡ ተገምጊሙ እኹል ምድላዋት ዝተገብረሉ ኣኼባ’ዚ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ አብ ምዕልቲ ኣኼባን ኣብ ድሮኡን፡ ድርብ ናይ ኤርትራውያን፡ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት፡ አብ’ቲ ቦታ ስለ ዝነበረ፡ ቍጽሪ ተሳታፍቲ  ንክድረት ዓቢ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ይኹን’ምበር ፡ ብክፉት ልብን፡ ብሃገራዊ ኒሕን፡ ሃናጺ ሓሳባት ዘፈልፍሉን፡ ነቲ ኣኼባ ኣብ ዓውደ ክትዕ ዘዕረግዎን፡ 40 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ነይሮም።

 

ኣብ’ዚ ብክፉት ልብን፡ ብዕዙዝ ተገዳስነትን፡ ንኩሉ እንተታት ኣብ ባይታ ኣውሪዱ ዝተኻትዔ ህዝባዊ ዘተ’ዚ፡ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታትን ስክፍታታትን ብሰፊሑ ተዘትዩሎም።

  • ስለምንታይ ህዝባዊ ውደባ የድሊ‘ሎ?
  • እዚ‘ኸ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውድብ ድ‘ዩ?
  • ስለምንታይ ናብቲ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ አቲናን ኣሐዲስናን ከም ዝሰርሕ ዘይንገብሮ?
  • ስለምንታይ ነተን ዘለዋ ውድባት ተቛዉሞ አቲና ዘይነሐይለንን ንቅድሚት ዘይንደፍአንን?
  • ነዞም ተበግሶ ወሲድኩም ኣኼባ ዝጸዋዕኩም ሰባት ክንአምነኩም ወይ ብሓቂ ተበግሶኹም ኣሽካዒ ዕላማ ከይህልዎ ከነረጋግጽ ንኽእል‘ዶ?
  • እንታይ ሓድሽ ነገር አሎኩም ቅድሚ ሎሚ ዘይነበረን ዘይተባህለን?

ንነፍሲ ወከፍ ስክፍታ ወይ ሕቶ፡ ብእንካን ሃባን፡ ንጹርን ዘየማትእን መግለጺን መብርሂታትን ድሕሪ ምሃብ፡ እቲ  ጉዳይ፡ ኣገዳስን እዋናዊን ሕቶ ምዃኑ ብምልኣት ተኣሚኑሉ፡ አብ መደምደምታ፡ ገዛ ነቲ ክተኣታቶ ዝድለ፡ ሓድሽ ቅዲ ስራሕ፡ ብምሉእ ዕግበት፡ ተቐቢሉዎ ።

ህዝባዊ ዘተ ፡ ከተኣታትዎ ዝደሊ ዘሎ፡ ሓድሽ ቅዲ-ስራሕ፡-

እቲ ክሳብ ሕጂ ፡ ክንጥቀመሉ ዝጸናሕና፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝወርድ፡ ዘየዓወተና ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን  ቅዲ-ሰራሕ ፡ እቲ መራሒና እንብሎ ሰብ፡ ናብ ውሱን ቦታ ኴይኑ፡ ንሃገር ይሓስብ። እዚ መራሒ’ዚ፡ ሰዓብቱ ተጠቒሙ ፡ ናብ’ቲ ክእዝዞ ዝደሊ ህዝቢ፡ ሓሳቡን ጽልዋኡን የዋፍር። ከከም ኵነታቱ እናተባላሓተ ፡ ነቶም ሰዓብቱ፡  ቃሕ እንተበሎ የስምሮም፡ እንተ ዘይደለየ ክኣ ይፈላልዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብሰንኪ እንጽርጽሮትን ክርፍስን ፡ አብ ውሽጢ ኣባላቱ ፋሕብትን የእቱ። ናይ’ዚ ፋሕ ብትን’ዚ፡  ኣሉታዊ ጽልዋታት፡   ብቀጥታ ናብ ህዝቢ ይዘሩቚ’ሞ፡ ህዝቢ ውን ንቁልቁል ክተፋነን ጸኒሑ።

ሕጂ ግን፡-

እዚ ህዝባዊ ዘተ፡  ከተኣታትዎ ዝደሊ ዘሎ፡ ሓድሽ ቅዲ ስራሕ ፡ ህዝቢ ኣብ ዘዝነብረሉ ከተማታት፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ  (bottom-up) ዝውሕዝ፡ ሓው ምሰ ጎረባብቱ ኴይኑ ፡ ነብሱ ይውድብ’ሞ፡ ነቲ ዝወደብዎ እኩብ ሓይሊ  ዘካይዱሎም፡ ልኡኻት/ሓልፋያት ብድምጹ ይመርጹ። እዞም ካብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ብህዝቢ ዝተመርጹ ልኡኻት ብወገኖም፡  ምስ ካልኦት ኣብ’ታ ዝነብሩላ ሃገር ፡ ብድምጺ ዝተመርጹ ልኡኻት እናተራኸቡ፡ ካብ ውሽጦም፡ ብሃገር ደረጃ  ዝውክሎም ልኡኽ ይመርጹ። እዞም ብሃገር ደረጃ ዝተወከሉ፡ ምስ ከምኦም ዝኣመሰሉ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ዝተወከሉ መዛኑኦም ኮይኖም፡ ብዓለም ደረጃ፡ ላዕለዋይ ማእከልነት የቑሙ፡፡ እዚኦም ብዓለም ደረጃ ፡ ንኣብ ድያስፖራ ዝነብር ኤርትራዊ ወኪሎም፡ ዝተመርጹ ልኡኻት እዚኣቶም፡ ብመሰረታት (Grassroots) ዝተዋህቦም ዕማምን ሓላፍነትን ከተግብሩን ከተሓባብሩን ምሉእ ሓላፍነት ይስከሙ ። እዚ  ልኡኽ’ዚ፡  ክሳዕ‘ቲ አብ ዝተሐተ ጽፍሒ ቁሸት ዘሎ ልኡኽ፡  ኣባላቱ ዘይላአኹዎን ፡ ካብ ዕላማታት ህዝቢ ወጻኢ ዚዀኑ ስራሕን፡ ምስ ዝፍጽም ፡ በቲ  ዝወከሎ ህዝቢ፡ ስጉምቲ ይውሰደሉ ። ህዝቢ ፡  ናይ ሰዓርን ተሳዓርን (ናይ ስልጣን) ሕሳባት ስለ ዘይብሉ፡ ብባህሪኡ ሽግር ክፈትሕ እንተ ዘይኮይኑ፡  ፍልልያት ዝዕድም ባህሪ የብሉን።

ስለዚ፣ ብሓርፋፍ ኣገላልጻ ፣ እቲ ቀዳማይ ካብ ላዕሊ ን ታሕቲ ፡ ማለት ቅዲ ስራሕ፡ ኣዛዝን ተኣዛዝን ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልአይ (ህዝባዊ ውደባ) ከአ ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ፡ ወይ ድማ፡ ህዝቢ ዝውክሎን ዝቆጻጸሮን ስልጣን ማለት’ዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ስዓታት ክትዕን ምርድዳኣትን፡ ኣኼበኛ ነዞም ዝስዕቡ ለበዋታት ኣሕሊፉ።

  1. እቲ ሓሳብ እዋናውን ቅቡልን ምዃኑ ኣስሚሩሉ፡
  2. እቲ ዝድለ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ፡ ክሳብ ዝረጋገጽን፡ እተን መሊኤን ማሕበረን ዘየቆማ ከተማታት፡ ክሳብ ዘቑማን፡ ሕጂ ካብዚ እተማእክለና ሽማገለ ካብ እንመርጽ፡ ኣብ ከከባቢና ክሳብ ንድንፍዕ፡ እዛ ተበግሶ ዝወሰደት ሽማገለ፡ ሕጂ ውን፡ ካብ ካልእ ከባቢታት ሰብ ወሲኻ፡ ንግዝይኡ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ተጠቒማ ናይ ምትሕብባር ዕማም ክትዓምም ይሓይሽ፡ ክብል ገዛ ወሲኑ።

ህዝባዊ ዘተ

publicforum2015@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10006

Posted by on Dec 2 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net