ሓቂ ምቕባርስ ኣይንጣቋን!!

ቀዳማይ ክፋል

ኣኼባ ኣቃቂ ተዛዚሙ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝቆመሉ ግዜ ሓደ ንኮምሽን ካብ ዝተመዘዙ ኣባላት ንነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ከምዚ ክብል ሕቶ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝኽር። ብገለ ዜጋታትና ህወሓት /ኢህወደግ/ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ኣይብህጉን ኢዮም ወይ ከኣ ድኽምቲ ኤርትራ ክትህሉ ኢዮም ዝደልዩ ዝብል ስኽፍታታትን ጥርጣሬታትን ኣሎ። ነዚ ጉዳይ’ዚ መልስኻ እንታይ’ዩ? ኢሉ ሓተተ። ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ “እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ብተደጋጋሚ ተሓቲቱ መልሲ ዝሃብኩሉ ሕቶ’ኳ እንተኾነ ሕጂ’ውን ይሕተት ክሳብ ዘለኹ መልሲ ክህበሉ ግቡእ’ዩ” ክብል መለሰ። “ብሓጺሩ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምብትታን ይኹን ንምድኻም ብዝኾነ መምዘኒታት ካብ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክበልሕን ክነፍዕን ስለ ዘይኽእል ብዙሕ ከይጸዕርኩ ምስኡ ጽቡቕ ዕርክነትን ምሕዝነትን ክገብር ኣጸቢቑ ምቐለለንን ምሓሸንን ነይሩ” በለ። ብርግጽ’ውን እዚ መልሲ’ዚ ኣብ ቦትኡ’ዩ። ንህዝቢ ምብትታትን ንሃገረ-ኤርትራ ንምድኻምን እንተኮይኑ ካብ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝበልሕን ዝብርትዕን ኣይህሉን’ዩ። ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝበታትንን ዝበርስን ዘሎ ብውጽኢት እቲ ኣዕናዊ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ምሕደራን ፖሊስታትን መላኺ ስርዓት ህግደፍ ደኣንበር፡ ጎረባብቲ ሃገራት ብዘለዎ ፖሎቲካዊ መርገጻት ኣይኮነን።

 

ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ኢትዮጵያ ብወሕዱ ንጉዳይ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ብዝምልከት ሰለስተ ተጻረርቲ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያታትን መስመራትን ምህላዉ ተወሳኺ መብርሂ ኣቕሪቡ። መርገጽ ህወሓት /ኢህወደግ/ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዝተታሕዘ ክሳብ ሕጂ ዘይተቐየረ ብድሕሪ ሕጂ’ውን ፍጹም ዘይቕየር ፖሎቲካዊ መስመር፡ ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለትን ብማሕበረ ሰብ ዓለም ዝተፈልጠትን ልዕላዊት ሃገር ምዃና፡ ብጽንዓት ዝኣምን’ዩ ክብል ኣረጋገጸ። ኣብ ኤርትራ ክህሉ ዝኽእል ፖሎቲካዊ ኩነታትን ምዕባሌታትን ብኣውንታ ይኹን ብኣሉታ ብቀጥታ ንኢትዮጵያ ዝጸሉ ምዃኑ ንግንዘብ ድማ በለ። ብርግጽ ብብልጽግቲ ኤርትራ ኢትዮጵያ ትርባሕ ብድኽምቲ ኤርትራ ድማ ኢትዮጵያ ትጉዳእ ምዃና ደጊሙ ደጋጊሙ ክገልጽ ኣይተማትአን። ነዚ መስመር’ዚ ብሰንጠቕ ዝጻረር ቀደም ዝኣረገን ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ ተቐባልነት ዘይብሉን ካልእ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያ ድማ ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ዘይኮነትስ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ዝኣምን’ዩ። ካልእ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያ ድማ ብትሕዝቶኡ ካብኡ ዘይፍለ ኤርትራ ነብሳ ዝኸአለት ሃገር ትኹን ደኣንበር፡ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ሰፋሕ ሃገር ወደብ ናይ ምርካብ መሰል ስለ ዘለዋ ንዓሰብ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ምምላስ ዝብል መርገጽ ዘለዎም ሓይልታት ምህላዉ መብርሂ ሂቡ። እዚ ክልቲኡ ፖሎቲካዊ መስመራት’ዚ ድማ ህወሓት /ኢህወደግ/ ንልዕላውነት ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ዝሃበ ብስንኪ’ዚ ኢትዮጵያ ክሳዳ ክትቁረጽን ወደብ ዓሰብ ክትስእን ዝገበረ’ዩ ብምባል በዚ ጉዳይ’ዚ ታሪኻዊ ተሓታትነት ዘሰክም ፖሎቲካዊ መርገጻት ምዃኑ ብሰፊሕ’ውን ገለጸ። እዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣብ መንጎ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝርከብ ተጻረርቲ መርገጻት ክሳብ ዝኾነ፡ ኣየናይ መስመር’ዩ እቲ ቅኑዕ ንረብሓታት ኤርትራን ህዝባን ዝውሕስ?

 

ብርግጽ ነዚ ክውንነታዊ ሓቂ’ዚ ምልላይ ብምስኣን ድዩ? ኣብዚ ህሞት’ዚ ብገለ ባእታታት፡ ጉጅለታትን ፖሎቲካዊ ውድባትን ባህግታት ህወሓት /ኢህወደግ/ ድኽምቲ ኤርትራ ክትህሉ ምርኣይ’ዩ፡ ነዚ ሕቡእ ኣጀንዳ’ዚ ንምዕዋት ድማ ደንበ ተቓውሞ ደልዲሉ ንምውጋድ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ልሉይ ተርኡ ክጻወትን ክነፍዕን ስለ ዘይደልዩ ግቡእ ሓገዛት ኣይገብሩን’ዮም። ብኣንጻሩ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ዕንክሊል መታን ክነብር ኣብ ሕድሕዱ ምትእምማን ክስእን ለይትን ቀትርን ይሰርሑ ኣለዉ እናበሉ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኢትዮጵያ ምቹእ መቓለሲ ባይታ ዘይምዃና ዝገልጹ ኣይተሳእኑን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስ ገለ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ገርናዮ ብዝብልዎ ተደጋጋሚ ርኽባትን ኣዋህሊልናዮ ኢሎም ብዝገልጽዎ ተመክሮታትን ነቲ ኩሉ ዝፈልጦ ህያው ዘይንቕነቕ ታሪኻውን ህልውን ፖሎቲካዊ መስመራትን መርገጻትን ህወሓት /ኢህወደግ/ ብምጥምዛዝ ኣብ ልዕላውነት ኤርትራ ከም ዘይኣምኑ፡ ከረድኡና ህርድግ ክብሉ ምዕዛብ ጣቋ ዘለዎን ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕን ኣተሓሳስባ ከም ዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ። ክሳብ’ውን ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ብካልእ ተግባራቱ’ኳ ክጸደቕ ዝኽእል እንተኾነ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ቀሪቡ ብጉዳይ ኤርትራ ምስ ዝሕተት ግን ሓጥያተኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ርግጸኛታት ኮይኖም ዝቐርቡ ፍጹም ለባማትን ሃነጽትን ኢዮም ክብል ኣይደፍርን። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ድማ ምስቲ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ1998 ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዓሪባ ዘይምምላስ ማለት’ዩ ብምባል ክሳብ ንተፈጥሮ ዝተጻረረሉ ብዱዕ መደረ ንክፈልዮ’ውን ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ኮይኑ ተራእዩኒ።

 

ብወገነይ ኣብ መስርዕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይነ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ትሕቲ ልዕላውነት ዝብል መሳጢ ጭርሖ ተሓቢኡ ንዝተፈላለየ መዳይ ኣብ ዝዘርኦ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ዕንክሊል ክብል ወይ ኣብ ብብዕለቱ ዝተኽሎ ጓይላ ጽልእታት ክቆጻጸስ ምርጫይ ኣይኮነን። ምክንያቱ ድማ ኣጀንዳ ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ባህግታት ህዝቢ ኤርትራን ክልተ ተጻራሪ ኣምር ብምዃኑ። ብኣንጻሩ’ውን ሕልናይ ብምጥላም ተጣባቒ ህወሓት /ኢህወደግ/ ወይ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ክኸውን ኣይደልን። ንሳቶም’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳይ እንታይ ዓይነት ፖሎቲካዊ መርገጽን ፖሊስታትን ይሕዙ፡ ንነብሶም ይኹን ንህዝቦም በየናይ ኣገባብ የመሓድሩን ሃገሮም ከመይ ይሃንጹን ኣዕርዮም ዝፈልጡ ብምዃኖም፡ ንስለ ምውዳስ ናተይ ጥብቕና ዝጽበዩስ ኣይመስለንን። ግን ሓቀኛ ታሪኽ ክቕበር ስለ ዘይብሉ ኣብ ርእሲኡ’ውን ኣቦታትና ንጽቡቕ ዝገበረልካ ጽቡቕ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ስለ ዝብሉ ሕሉፍ ታሪኾም ንነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ይኹን ንህልዊ ደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልስታት ህዝብና ዝገብርዎ ክውንነታዊ ምድግጋፍ ባዕሉ ምስክር ስለዝኾነ፡ ንዕኡ ምቕባር ዘገድድ ምክንያት ኣይህሉን። ነቲ ኣብ ልዕሊ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ድልዱል መርገጻት ኢትዮጵያን ንደሞክራስያዊ ቃልስታት ህዝብና ንምድጋፍ ዝገብርዎ ሰናይ ምትሕግጋዝን ከመይ ንጥቐመሉ? ተመሊስና ነብስና ምስ ንሓትት ክሳብ ክንደይ ለባማት ምኾንና ኔርና ክብል ይደፍር።

 

ኣብ ጉዳይ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ብህወሓት /ኢህወደግ/ ወይ ብነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተቐየረ ፖሎቲካዊ መርገጽ ኣይተዓዘብኩን። መላኺ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ብክንድ’ቲ ዓቕምታቶም ዘፍቕዶ ሞራላዊ፡ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዛት ይገብሩ ከምዘለዉ ይዕዘብ። እዚ ንፖሎቲካዊ ውድባት ንምሕጓስ ወይ ንምርባሕ ዘይኮነስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ክብርን ሰናይ ዝኾነ ጉርብትና ብምምናይን’ዩ። ምድኻም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ ህወሓት /ኢህወደግ/ ወይ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝሕተትሉ ዘይኮነስ፡ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ እቶም ዝተወደቡ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ዝሕተትሉ ሓላፍነት’ዩ። ስለዚ መላእ  ኣብ መስርዕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝርከቡ ኣካላት ዕብየት ደረጅና ብዘየገድስ፡ ጠንቂ ናይ ዘይምንፋዕና ኣብ ባዕልና ክንመልሶን ተመራሚርና ኣንፈት ቃልስታትና ንምምዕርራይ ትብዓት ክረኽብን ይግባእ ይብል። ኣብ ሕድሕድና ዘሎ ዘይምትእምማንን ናይ ዘይምንፋዕና ምክንያትን ናብ ካልኦት ምልጋብ ቅኑዕ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ ትክክለኛ መፍትሒታት ንምምጻእ ሓጋዚ ኣይኮነን።

 

ብመሰረቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንብርትዕ ብግቡእ ስለ ዘይሓገዘና ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ምቹእ መቓለሲ ባይታ ኣይኮነን ዝብል ኣበሃህላ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ህዝብና ተቐባልነቱ ድኹም’ኳ እንተኾነ፡ ከምቲ እንቕርቢዕትስ ባዕላ ንነብሳ ትቐትል ዝበሃል ፈተውቱን ጸላእቱን ምልላይ ዝሰኣነ ዓቢ ስትራተጂካውን ስልታውን ጌጋታት ወይ ምፍላስ ዘለዎ ራእይ ምዃኑ ምግንዛብ ይኸኣል። ብቀንዱ ድማ መንፍዓትና ኣብ ሰናይ ባህግታትና ይኹን ጭቡጥን ሓያልን ተግባራዊ ንጥፈታትና ዝምርኮስ ረቋሒታት ከምዝኾነ፡ ሓገዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ ካልኣዊ ምዃኑ ፍጹም ዝዝንግዐ ይመስል። ዝኾነ ይኹን ደገፍ እናሓየልካ ምስ ትኸይድ ከም ዝዓቢ ምስ ትሓምቕ ድማ ከም ዝጎድል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ዝሰኣን’ውን ካብ ተመክሮና ክንመሃር’ዩ ዝግባእ። ፖሎቲካዊ ኩነታት ኤርትራ በሲሉ ጥራይ ዘይኮነስ ቀርዒኑ እናሃለወ ከሎ፡ ህዝብና ብክንድ’ዚ ዝኣኽል ቁጽሪ ናብ ስደት እናጎረፈ ስለ ምንታይ ህዝባዊ ደገፍ ዘይንረኽብ ዘለና? ነብስና ጥራይ ንሕተት። ዝምድናታት ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምንታይ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ተደሪቱ? ኣብ መንጎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ኣሜርካን ዘሎ ጎንጺ ክሳብ ክንደይ ተጠቒምንሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ብመንፍዓትና ዘይኮነስ ባዕሉ ብዝፈጥሮ ምትንኳል ዝተበየነ እገዳ ንረብሓታትና ኣውዒልናዮ’ዶ?…………..ወዘተ ብዙሕ ሕቶታት ምቕራብ ይኸኣል’ዩ። ብዝኾነ ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ምቹእ መቓለሲ ባይታ ኣይኮነን ዝብል ራእይ ህዝቢ ኤርትራ ፈተውቱ ክስእንን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕለል ቃልስታት ኩሉ መዳያዊ ሓገዛት ካብ ደገፍቱ ከይረኽብን ዝገብር’ዩ። ብሰንኪ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንዝተፈጥረ ጽልእታት ብምውጋድ፡ ንመጻኢ ሰናይ ዝምድናታት ክልቲኡ ኣህዛብ ዝጉድእ ምዃኑ’ውን ንምግንዛብ ብዙሕ ኣይእግምን። ካብኡ ንላዕሊ’ውን ክበሃል ይኸኣል’ዩ።

 

ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ኣብ ጀርመን ይኹን ኬንያ ኣኼባታት ስለዝተገብረ ዋላ’ውን ኣብ ወርሒ እንተዝግበር ነይሩ፡ ዘይምትእምማን ተወጊዱ ልባዊ ዝኾነ ዘተን ልዝብን ብምክያድ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ቀዳምነታት ብምስራዕ ብሓባር ንምቕላስ ንጹህ ድሌትን ጭቡጥ ተግባራዊ ንጥፈታትን ክሳብ ዘይሃለወ፡ ከምቲ ምቕይያር ጉልሻስ ጸብሒ ነየመቕር ዝበሃል ኣውንታዊ ውጽኢታት ከምጽእ ምሕሳብ ፖሎቲካዊ የዋህነት ጥራይ’ዩ ዝኸውን። ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ፍልልይ ርእይቶ ከም ንቡርን ጸጋን ብምውሳድ፡ ነቲ ፍልልይ ብምውንዛፍ ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳይ ብሓባር ኣብ ክንዲ ምስራሕ፡ ንባዕልኻ ከም ግለ-ሰብ ወይ ከም ውድብ ንጹህ ሃገራውን ተጣባቒ ልዕላውነትን ብምምሳል፡ ንካልኦት ፖሎቲካዊ ውድባትን መሪሕነቱን ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ከም ዕሱባትን ማሕበር ኣንድነትን ዝካየድ ኣጉል ወፍርታት ካብቲ ብመላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ጸለመታት በየናይ መዐቀኒታት ክፍለ ይኽእል ይኸውን? ሕጂ’ውን እቲ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ኣብ ኬንያ ብመድረኽ ዝተጸውዐ ኣኼባ ንገሊኡ ዝዕድም ንገሊኡ ዘግልል ክሳብ ዝኾነ፡ ብወገነይ ኣብ ምህናጽ ሕድሕድ ምትእምማን ፍጹም ኣውንታዊ ተራ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን ይብል። ስለ ምንታይ? ንዝብል ለባም ሓታታይ ድማ እቲ ከምኡ ዘግበረ ምክንያት መበገሲኡን መደምደምትኡን ብዘየገድስ ኣግላልን ፈላላይን ስለዝኾነ።

 

ድሮ ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ /ስደግኤ/ ኣብ ኣኼባ ኬንያ ክሳተፍ ዕድመ ዘይተገብረይ ክንሱ ኣብኡ ተሳታፋይ ምህላወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ምዝርግሑ ግጉይ ምዃኑን መኣረምታ ክግበረሉን ዝሓትት ጽሑፍ ኣንቢበ ኣለኹ። ነቲ በዓል ጉዳይ ብስልኪ ወይ ብደብዳቤ ዝተዋህበ ቀጥታዊ መረኣምታ እንተልዩ ኣይፈልጥን ግን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣይተዓዘብኩን። ካብኡ ብዘይፍለ እቲ ምክንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል ብዘየገድስ ሽዱሽተ ፖሎቲካዊ ውድባት ኣብ ኣኼባ ኬንያ ክሳተፉ ዕድመ ስለ ዘይተገብረሎም ክሳተፉ ከም ዘይኽእሉ ሓበሬታ ኣለኒ። ኮይኑ ግን ብ29/11/2015 ኣብ ሎንዶን ዝመደበሩ ኣልሕዋር TV ዝተባህለ ትካል ምጉዝዛይ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ መንጎ ኬንያን ኢትዮጵያን ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ኣቶ መሓመድ ኩሉ ቃል-ምልልስ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ሽዱሽተ ፖሎቲካዊ ውድባት ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝግበር ኣኼባታት ኣይንድግፍን ብምባል ንዝቐረበሎም ዕድመ ነጺጎሞ ክብል ተሰሚዑ። ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ’ዚ ካበይ’ዩ? ብሓቂ ኣብ ባይታ ዘይተባህለን ዘይተገብረን ሓበሬታ ንህዝቢ ምዝርጋሕ ነየናይ ዕላማ? ከምዚ ዓይነት ፖሎቲካዊ ተዋስኦ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን እንታይ ኣውንታዊ ተራ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን?

 

ካብ ፍረ-ሓቂ ሓበን

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10016

Posted by on Dec 7 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net