ፍራንክፈርትን ናይሮቢን

ድሕሪ’ቲ ኣሸሓት መስዋእቲ ተኸፊልዎ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ሰበ-ስልጣኑ ብሓሶት ዝተማባጽዑሉ ይትረፍ ኣብ ምዕባሌ ሲንጋፖር ክበጽሕ እንተወሓደ ወፊሩ ዝኣትወላ፡ እፎይ ኢሉ ዘዕርፈላ ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቶም ዘፍቅሮም ደቁ ብዘይሸለብ ገለብ ዓብዮም ባዕሎም ብዝመደብዎ መጻኢ ዕድሎም ክሰርዑ’ውን ኣይከኣሉን። ህዝብና እቲ ዝበለጸ ትምኒቱ ረኺቡ እንተዝነብር’ውን ነቲ  ኩሉንትናይ ንዓኺ ኢሉ ዝነበሮ ኩሉ ዘወፈየ ህዝቢ ዝንእሶ እምበር ዝዓብዮ ኣይነበረን። ይኹን እምበር ይትረፍ’ዶ እቲ ብመጠን ነገራዊ ሃብትን ጥሪትን ዝምጠን ትሕዝቶስ፡ እቲ ሰብ ስለዝኾነ ጥራሕ ክረኽቦ ዝግበኦ ሰብኣዊ መሰል’ውን ኣይረኸበን። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ እቶም ንስለ መሰላቱ ክጣበቑ ዝግበኦም ሰበ-ስልጣን እቶም ቀንዲ በደልቱ ኮይኖም ንልዕሊ 20 ዓመታት ክሳቕይዎ ጸኒሖም።

ኮይኑ ግን ወጽዓ ክሳብ ዝሃለወ ጸረ ወጽዓ ምቅላስ ግድነታዊ ስነ መጎታዊ መስርሕ ስለዝኮነ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐደመን ዝሰዓበን ኩሉ፡ ጸረ ዓመጸኛ ስርዓት ህግደፍ ብውድብ ይኹን ብውልቀ ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን። ህዝቢ ኤርትራ ንፍትሕን ደሞክራስን ብልጽግናን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ውዒሉ ሓዲሩ ምዕዋቱ ዘይተርፎ’ኳ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ጉዕዞታቱ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ከጋጥሞ ዝጸንሐ ዕንቅፋታት ግን ተራ ሒቕታ ጥራሕ ምዃኑ ዓበይቲ ዕንቅፋታት ኮይኑ ብኡ ደረጃ ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ክነውሕ ከምዝገበረ ዝሰሓት ኣይኮነን። እዚ ከምዚ ዝበለ ውድቀትን ክሳራን ንዓና ንተቓወምቲ ንውሽጥና ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣማዕድዮም ዝርእዩን ዝግደሱን ወጻእተኛታት’ውን ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣብ ዕለት 13-14 ሕዳር (November) ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ዎርክ-ሾፕ ሓደ መርኣያ ናይዚ ጉዳይ’ዩ ክበሃል ይከኣል።

ኣኼባ ፍራንክፈርት ብFelsberger Institut ዝተባህለ ኣብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ትምህርትን ባህልን ከምኡ’ውን ኣብ ኣካዳሚያዊ መጽናዕትን ንምሕጋዝ ዝነጥፍ ሲቪካዊ ማሕበር ከም ዝተዓደመ ድሮ ብዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ዝተዘርገሐን ዝተፈልጠን ጉዳይ’ዩ። ድሕረ ባይታ ናይዚ ማሕበር’ዚ ንምፍላጥ ኣብ ዕላዊ ወብሳይቱ: http://www.fibw.eu/en/research ኣቲኻ ክረኤ ዝከኣል’ዩ። ኤስደለ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ማሕበር ዝተጸወዐ ኣኼባ ተዓዲሙ በቲ ተዳልዩሉ ክመጽእ ዝተሓተቶ ነጥብታት ሓሳቡ ኣቕሪቡ’ዩ። ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ኣብ ኣኼባ ፍራንፍክፈርት ዝቐረበ ወረቐት ንምርኣይ ኣብ ዕላዊ ወብሳይት ኤስደለ ማለት (www.zemen.org) ኣቲኻ ክረኤ ይከኣል’ዩ። ኤስደለ ኣብ ዝኾነ መኣዲ ዘተን ልዝብን ተዓዲሙ እምቢ ዘይብል’ኳ እንተኾነ እቲ ዝነበረ ኣተዓዳድማ ግን ንኹሉ ዝጠምር ስለ ዘይነበረን እቶም ዝተዓደሙ ድማ ብናይቶም ዓደምቲ መዓየሪ (መዓቀኒ) ጥራሕ ዝተዓደሙ ስለ ዝነበሩ፡ ንመጻኢ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ክዕደም ከሎ ብዝተኻእለ መጠን ንኹሉ ዝሓቁፍ ወይ ዘጠቓልል ክኸውን ከምዘለዎ፡ መዓየሪ እንተተጌሩሉ ድማ ግልጽነት ክህልዎ ምሕጽንታና ኣመዝጊብና ኢና።

ኣብ ፍራንክፈርት ዝነበረ ናይ ኣተዓዳድማ ጸገማት ዝፈጠሮ ስክፍታታት ገና ብውዑዩ እናሃለወ ግን ኣብ  ኣኼባ ናይሮቢ ካብኡ ብዝኸፍኤ መንገዲ ምቕጻሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ወገናት ብሬድዮ ተለቪዥን ከምኡ’ውን ብፓልቶካትን ብጽሑፋትን ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ከሕልፉ ስለዝተዓዘብና፡ ብወገና ከም ውድብ እቲ ንፈልጦ ኩሎ ክንሕብር ከም ዝግበኣና ርኢና ኣለና።

ኣብ ከባቢ ወርሒ ግንቦት 2015 ልኡኽ መድረኽ ኣብ ኣ/ኣበባ ተረኺቡ ንገለ ውድባት ብውልቀ ከዘራርብ ድሕሪ ምጅማሩ: እቲ ሓሳብ ብሓባር ንኹሎም ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ ብሓባር ረኺቡ እቲ ዝወርድ ዘሎ ሓሳብ ከካፍሎም ተሓቲቱ ብ4 ሰነ 2015፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ ንብዙሓት ውድባት ብሓባር ረኺቡ ኣዘራሪቡ። እቲ ብመድረኽ ዝቐረበ ሓሳብ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ብሓባር ዝሳተፉሉ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ክንጽውዕ ሓሲብና ኣለና’ሞ ሓንቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካብ ኤሃባደለ ሰለስተ ሰባት፡ ካብ ኢፒዲፒ ሓደ ሰብ፡ ካብ መድረኽ ድማ ሓደ ሰብ ዘለዉዎ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተመዚዛ ነቲ ዝሕሰብ ዘሎ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ከሰናድኡ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ። ካብቶም ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ድማ እዚ ሓሳብ ካብ መድረኽ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ፡ እቶም ካለኦት ውድባት እንታይ ዝትሕዝቶኡ ኣኼባ ከዳልዉ ከምዘለዎም ኣይፈልጡን እዮም ስለዚ እታ እንመዛ ሽማግለ ናይ ዘተ ሽማግለ ደኣ ክትከውን ኣለዋ እምበር ኣብ ዘይንፈልጦ ነገር ኣኼባ ከነሳናድእ ኣይንኽእልን። ስለዚ ኣብ ክንዲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ናይ ዘተ ሽማግለ ንምዘዝ ዝብል ሓሳብ ኣቕረቡ እሞ ብኹሉ ገዛ ቅቡል ኮይኑ ሓሊፉ። ኤሃባደለ እቶም ዝተባህሉ ሰለስተ ሰባቱ ኣብ ካልእ ግዜ ተመኻኺሩ ክመዝዝ ተባሂሉ እቲ ኣኼባ ብኡ ተደምዲሙ።

ብድሕር’ዚ ንሓያለይ መዓልታት ኤሃባደለ በቲ ብኻልእ ምኽንያታት ኣጋጢሙዎ ዝጸንሐ ዘይምቅዳው ቀልጢፉ ሰባቱ ክመዝዝ ኣይከኣለን። ወኪል መድረክ ነዚ ተገንዚቡ እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ ዝብል ሕቶ የቕርብ እሞ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ኤ.ስ.ደ.ለ ከይተረፈ  ኤሃባደለ ብሓባር ወከልቱ ክመርጽ ካብ ዘይከኣለ ኩለን ውድባት በብውልቀ ይተሓተታ ዝብል ሓሳብ የቕርቡ። ወኪል መድረኽ ነዚ ቅቡል ጌሩ ንኹለን ውድባት በብውልቀ ይረክብ እሞ ናይ ዕድመ መልእኽቲ ክንሰደልኩም ኢና ኢሉ ይሰናበት። ብድሕር’ዚ እቲ ዝተባህለ መልእኽቲ ዕድመ ብኢ-መይል ናብ ኩሎም ውድባት ተላኢኩ ዝብል እምነት ስለዘለና ክሳብ’ዚ መስርሕ እዚ ዝነቐፍናዮ ነገር የለን። ዘተዓዛዘበና ድሕሪኡ ዝቐጸለ መስርሕ’ዩ። እቲ  መልእኽቲ ዕድመ ካብ ወኪል መድረኽ ምስ መጸና ኤስደለ ሽዑ ሽዑ ናብቲ ዝተባህለ ኣኼባ ክሳተፍ ድሉው ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ብድሕሪኡ ደጋጊምና ዝሓተትናዮ ቦታ  ኣኼባ  ኣበይ’ዩ? እቲ ኣጀንዳ እንታይ`ዩ? ሕቶ ቪዛን መዓዝያ’ኸ ከመይ ይፍታሕ ዝብሉ ሕቶታት ክሳብ እቲ ኣኼባ ናይሮቢ ዝተኻየደሉ ግዜ መልሲ ኣይረኸብናን። ካልእሲ ይትረፍ’ዚ ሕቶታት’ዚ ወኪል ኤስደለ ንወኪል መድረኽ ኣብ ፍራንክፈርት ብኣካል ረኺቡ ምስ ሓተቶ’ውን። ብጥብቕ ዝበለ ምስጢራውነት ሒዝናዮ ስለ ዘለና መዓልቱ ምስ ቀረበ ክንብሕረኩም ኢና ደኣ በሎ እምበር ብንጹር መኣከቢ ቦታን ኣጀንዳን ኣይሓበሮን። መዓልቲ ምስ ቀረበ ይኹን መዓልቲ ምስ ኣኸለ ከኣ ኣይተሓበርናን። እዚ ንኤስደለ ጥራሕ ዘይኮነስ ካለኦት ውድባት’ውን ተመሳሳሊ ተመኩሮ ከም ዝነበሮም ንፈልጥ ኢና። እቲ ሓቂ ከምዚ እናሃለወ ግን ኣብ ኢትዮጵያ እንተዘይኮይኑ ኣይንሳተፍን ኢሎም ዝብል ጻዕዳ ሓሶት ክንሰምዕ ምጽናሕና ኣሕዚኑና።  እቲ ብጥብቕ ዝበለ ምስጢር ክተሓዝ ዝተደልየ ግን ከምቲ ንወኪል መድረኽ’ውን ዝተባህሎ፡ ካብ ገሊኦም ፈሊኻ ዝተታሕዘ ምስጢር እምበር እቶም ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ ዝተደልዩ ኣካላት ብጊሓቱ እቲ ኣኼባ ኣበይ ክኸውን ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣየር ትኬት ዝተላእኮም ምዃኑ ፈሊጥና ኣለና። ኣንበብትና ክርዱኡልና ንደሊ እምበኣር ኣብ መስርሕ ኣኼባ:-

 

  1. ዕድመ ምልኣኽ
  2. ንኣኼባ ድልውነትካ ምግላጽ
  3. ኣጀንዳን ቦታ ኣኼባን ምሕባር
  4. ብዛዕባ ጉዳይ ምውዳእ ኣየር ትኬት ዝብሉ ዝተፈላለዩ መስርሓት ዝነበርዎ’ዩ። ኤስደለ ዕድመ ተላኢኽዎ ድልውነቱ ድሕሪ ምርግጋጽ ደጋጊሙ ቦታ ኣኼባ፡ መዛረቢ ኣጀንዳን ብዛዕባ መጓዓዝያን ንምፍላጥ ዘቕረቦ ሕቶታት ክሳብ’ቲ ዕለት ኣኼባ ፍጹም መልሲ ዘይረኸበ ምዃኑ’ዩ። እዚ ከኣ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ሌላን ጉሌላን እምበር ብገርሂ ዝተገብረ ጌጋ’ዩ ኣይንብልን።

መድረኽ ኣብቲ ባዕሉ ዘዳልዎ ውራይ ንዝደለዮ ውድብ ጽዊዑ ንዘይደለዮ ንከይጽውዕ መሰሉ’ዩ። ዘይተሳተፍና ኢልና ንሓምመሉ ጉዳይ’ውን የብልናን። እንተኾነ ግን ዝኾነ ኣካል እቲ ዝብሎን እቲ ዝገብሮን ሓደ እንተኾነ ወይ’ውን ኣጸቢቑ እንተዝቀራረብ ይሓይሽ ንብል። መድረኽ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮንኩን፡ ቀንዲ ዕማመይ ግን ንተረሓሒቖም ዘለዉ ፖለቲካዊ ውድባት ምቅርራብ’ዩ ዝብል። እንተኾነ ግን መድረኽ ቅድሚ ንኻለኦት ውድባት ከቃራርብ ምፍታኑ ንባዕሉ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ምስ ካለኦት ክቃራረብ እንተዝፍትን ምሓሸ ኔይሩ። መድረኽ ሻራ ዘይብሉ ኣካል ምዃኑ’ኳ እንተገለጸ፡ ዝልለየሉ ፖለቲካዊ መርገጽ ስለ ዘለዎ ዘይሩ ዘይሩ ምስ ዝመስልዎ ከሻሩ ምዃኑ ኣይተርፎን።

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ /ኤስደለ/

13 ታሕሳስ 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10025

Posted by on Dec 14 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net