ዘይሓሰብካዮ ርኸብ

ኣይመርገም ኣይምርቓ

ህዝቢ ኤርትራ ምረት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዒቕ ኢልዎ ነቲ ብሰላማዊ ቃልሲ ኣቢሉ ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦ ፍትሓዊ ሕትኡ ንምምላስ ብረት ኣልዒሉ ነቲ ከቢድ ዋጋ ዝሓትት መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ ክጅምር እንከሎ ነዚ ሎሚ ሃገርና ተሕልፎ ዘላ ሓሳረ መከራን ግፍዕን ንምርኣይ ኣይኮነን ተቓሊሱ። ንሃገራዊ ናጽነትን ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዝሕለወላ ሓንቲ ኤርትራ ንምርኣይ ኢዩ ነይሩ ባህጉ።

እንተኾነ ግን ራኢ ስውኣትናን ጅግና ተቓላሳይ ህዝብናን ጨውዩ ብኢደወነኑ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ምብጽሑ ኣቐዲሞም ኣካይድኡ ዝመዘኑ ተበዓት ተቓለስቲ “እዚ ውድብ እዚ ካብ ተራ ሃገራዊ ናጽነት ሓሊፉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዘረጋግጽ ኣይኮነን“ ብምባል ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም እንዳተቓወምዎ መጺኦምን ይቕጽሉ ኣለውን።

እቲ ሓቂ ንሱ ይኹን ደኣ እምበር እዘን ውድባት እዚኣተን ዋላ’ኳ ፍልልያተን ኣመሓዲረን ኣብ ምቅላስ ናይ ባዕለን ጸገም እንተሃለወን፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ግን እቲ ብዕላማን እስትራተጅን ፈታውን ደጋፍን ክኾነና ኢዩ ካብ ዝብል ዝተጸገዐኦ ናይ ትማል ውድብ ህወሓት ናይ ሎሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ ፖለቲካ ኤርትራ ዘለዎም ኣረኣእያ እንዳኸበደን ኣጸጋሚ እንዳኾነን ይመጽእ ምህላው ኢዩ።

እቲ ምኽንያት ከኣ እዘን ውድባት እዚኣተን ውዳቢኤን ኣዕብየን ነቲ ስርዓት ኣብ ምትካእ ዘለወን ተራ ከይዓቢ በብእዋኑ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ገለ ናይ መንግስቲ ኣካላት ዘሎ ናይ ጽበት ኣረኣእያ ኣብ ምዕባይ ውድባት ኤርትራ ዓቢ ጸገም እንዳኾነ ዝመጽእን ዝኸይድን ዘሎ ብምዃኑ ክነስተብህለሉ ዘለና ውራይና ኢዩ እብል።

ንኣብነት እቲ ኣብ ደሞክራስያዊ ቃልስና ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዝነበረ ዕንቅፋትን ዝቕጽል ዘሎን እስከ ንርአ።

ካብ 1992-1994 ዓ/ም ፈረንጂ ምስ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ብምምሕዛው ነተን መሬት ኢትዮጵያ መበገሲ ጌረን ዝቃለሳ ዝነበራ እሞ ድማ ቀሊል ዘይኮነ ሓይሊ ዝነበረን ደሞክራስያውያን ውድባት ክሳብ ብቦጦሎኒታት ተወዲቡ ዝነበረ ሓይለን ክብተንን ዕጥቁ ክፈትሕን ምግባሮም ከይኣክል ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ከይንቀሳቐሳ ብምግባር ብኣንጻሩ ህግደፋውያን ከምድላዮም ክዕንድሩን ስጋብ ዕጥቆም ኣውሪዶም ብትሕተ ባይታ ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ክጨውዩን ክቕንጽሉን ክፉት ባይታ ስለዝተዋህቦም ይቕረ ዘይበሃሎ ገበን ክፍጸም ተራእዩ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ሓኒቑ ናብ ህግደፍ ዘረከቦም ንጹሃት ተቓለስቲ እውን ምንባሮም ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኮይኑ ክሳብ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ተቓዋሚ ናይ ህግደፍ እንዳገፈፍካ ናብ ዶብ ኬንያ ብምድርባይ ክጠፍኡን ንኣደዳ ሓሳረ መከራ ክሳጥሑን ምግባሮም ገለ ካብቲ ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ህግደፍ ተሻሪኽካ ክሳብ ምሕቃቑ ዝተገብረ በደል ዘይሃስስ ታሪኽ ትማል ኢዩ።

መቸም ሓቀኛ ተቓላሳይ ተስፋ ኣይቆርጽን ኢዩ። እዚ ኩሉ ተሓሊፉ ነቶም ነዚ ኩሉ መስገደል ሓሊፎም ብትሕተ ባይታ ውዳቤታቶም ብጽንዓትን ሓቦን መሪሖም ነቲ ቃልሲ ታተ ከብልዎ ዝጸንሑ ተበዓት ተቓለስቲ ኣብ 1998 ዓ/ም ፈረንጂ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ምስተወለዐ ናይ ጸላኢ ጸላኢየይ ፈታውየይ ከምዝበሃል ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ቅንጸላን ጭውያን ንጎኒ ገዲፎም ሃሰስ ክብልዎም ጀመሩ። እንተ እቶም ወጽዐኦምን ጸገሞምን ትሕተ ባይታ ጌሮም ዝቃለሱ ዝነበሩ ደለይቲ ፍትሒ ነዚ ታሪኽ እዝውን ከምቲ ኣብ 1981 ዓ/ም ፈረንጂ ምስ ውድብ ህ.ግ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኤርትራ ማለት ተሓኤ ብህወሓት ዝተፈጸመ ገበን መቐጸልታ ናቱ ምዃኑ ብምምዛን  ኩሉ ንታሪኽ ገዲፎም ንዳግማይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይዱ መረጹ። ቀሊል ዘይኮነ መንእሰይ ወለዶ ናብቲ ቃልሲ ክውሕዝ ድማ ተራእየ። ስለዝኾነ ከኣ ሰፋሕቲ ግንባራት ተመስሪቶም ኣድማዒ ኣበርክቶ እንዳገበሩ ምምጸኦም ዝፍለጥ ኮይኑ ድሒሩ ግን ወዲ ድሙ ከቀደሙ እንድዩ ተባሂሉ ነዘን ልዑል ፍናንን ሓቦን ሰኒቐን ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ኣንጸባራቒ ዓወታት ከመዝግባ ዝጸንሓ ግንባራትን ውድባትን ንምዝራግ ዘለወን ድኻማት ተጠቒምካ ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ውዲታት ብምትእትታው ንምዕናወን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ ናይ ኣደባባይ ሚስጥር ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ዝገርም ነቲ ምረት መግዛእቲ ምጻሩ ከቢድዎ ናብ እግሩ ዘምርሖ ዝውሕዝ ዘሎ ስደተኛ ህዝብና ዝርከበሉ መዓስከራት፡ ውድባት ኤርትራ ኣትየን ውዳቤታተን ብምስራጽ ኣንጻር ጸላኢ ክስለፍ ኣብ ምግባር እጃመን ክዋጽኣን ክራኸባን ኣብዝፈተናሉ ግዜ’ውን እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዝኸልከለን ኣብ ልዕሊ ፖለቲካውያን ሓይልታት ከቢድ ሓደጋ ከንጸላሉ ጌርዎ ይርከብ። እዚ ከኣ እዘን ፖለቲካውያን ሓይልታት ብዘይ ተካኢ ክሓቃ ዘግብር ሕቡእ ኣጀንዳ ምዃኑ ንግንዘብ። ምኽንያት ናይዚ ጉዳይ ኢሎም ዝገልጽዎ፡ ውድባት ኤርትራ ነንባዕለን ስለዝወናጀላ ኢና ከልኪልናየን ይብሉ። እዚ ግን ኣብ ውድባት ኤርትራ በጺሖም ከመይ ሓዱሽ ይኾኖም። ናይ ዝሓለፍዎ ተመክሮ ቃልሲ ረሲዐሞ ድዮም ዋላስ ካልእ።

እስከ ገለ ካብ ሕሉፍ ታሪኾም ክነዘኻኽሮም፡- ኵናት መንጠብጠብን ከባቢ ሸራሮን ምስ ኢድዩ ዝተገብረን ከምኡውን ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ኢህኣፓን ሓደ ኣብነት ናይ ዘይምስምመዖም እንዶ ኣይኮነን ክኽሰት ግድን ዝኾነ። እሞ በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓለፈ ውድብ ነዚ ኣብ ልዕሊ ውድባት ኤርትራ ከም ምኽኒት ዝመጽእ ዘሎ ከመሓድርዎ ደኣ ምተገበአ እንበር ምስ ሕብረተሰብኩም ኣይትራኸቡን ወይ ኣይትላዘቡን ክብሉ ይግባእ’ዶ ነይሩ። ናይ ቅንዕና ዘይምኻኑ’ዩ ዝምህረና።

ካልእ ክጥቀስ ዘለዎ ብምኽንያት ድርቂ77 እንዳተባህለ ዝጽዋዕ ይኹን ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሱዳን ኣብዝተሰደሉ ግዜ ህወሓት ኣብ ማእከል ስደተኛታት ካምፕ ብምእታው ሓይሎም ከደልድሉ ኣይከኣሉን ድዮም? እሞ ድማ ኣንጻር ህወሓት ዝንቀሳቐሱ ውድባት ከም ኢድዩን ኢህኣፓን ከምኡውን ካብ ህወሓት ዝተፈንጨሉ ሓይልታት ዘለውሉ ህልኽ ዝመልኦ ቃልሲ ብምክያድ ሕብረተሰቦም ናብቲ ይጠቕመኒዩ ወይ ናተይ ኢዩ ዝብሎ ተወዲቡ ክቃለስ ኣይገበሩን ድዮም? ነዚ ሃብታም ተመክሮ ዘሕለፉ ኣካላት ደኣ ኣብ ሎሚ በጺሖም እንታይ ኮይኖም ነዚ ናይ ስነሓሳብ ፍልልያት ውድባት ኤርትራ ዘገርሞም።

ካልእ ድማ ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኣትየን ከይውድባ እንዳኸልከልካ ሓዱሽ ውዳቤታት ንገብር ኣሎና ንዝብሉ ኣካላት ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸር በጀት ብምስላዕ ክንቀሳቐሳን ክውድባን ምፍቃድ ንዘይፈልጥ ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምምጽዳቕ ይመስሎ ይኸውን። እንተ እዚ ኣካይዳ እዚ ግን ኣግላልን ንቃልስና ድማ ንድሕሪት ዝጎትትን ከምኡውን ንውድባት ኤርትራ ጎዛዚኻ ንቕድሚት ተወሃሂደን ከይሰርሓን ብዓይኒ ጥርጣረ ክረኣኣያን ዝገብር ውዲት ኢዩሞ ኩልኻ መንእሰይ ወለዶን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ነዚ ሰራም ኣተሓሕዛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕቱብ ብምምዛን ሃገርና ካብ ዝጽበያ ዘሎ ሓደጋ ውድቀትን ብርሰትን ንምድሓና ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ተሳትፎ ሕጂ ምዃኑ ፈልጥና ቃልስና ክነሐይል  ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ኤርትራ ኣይ ካብ ሰውርኡ መሪሕ ኮይኑ ዘቃልሶ፡ ኣይ ካብ ፈተውቱ ተጠሊሙ ከምቲ ምስላ ኣቦታትና ዝበልዎ “ዘሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ” ዝበሃል ዘይሓሰቦን ዘይተጸበዮን ረኺቡ ኣሎ’ሞ ከይተሓለልና ንገጢሙና ዘሎ መስገደላት ብቃልሲ ሰጊርና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ንመርሽ!!!

 

ካብ ሃንበል  ደላይ ፍትሒ

02/ December-2015

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10028

Posted by on Dec 15 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net