ኣገዳሲ ጉዳያት ኣብ ምሕናጽ መስርሕ ምትእምማን

ብፍስሓ ናይር

ኣድላይነት ናይ ምትእምማን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ፣ ብፍላይ ድማ በቶም ኣብዚ ግዜዚ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝቃለሱ ዘለዉ ማሕበራትን ፖሊቲካዊ ውድባትን፣ ብዝሕ ተዘሪቡሉን ተጻሒፉን ኢዩ፣ ብተግባር ግን ኣብ ባይታ ኣብ ስራሕ ይርኤ የለን፡፤ እንተኾነ ግን ኣብዚ( It is important to evaluate and assess to ensure ” windows of opportunity” ህልዊ ኩነታትና እቲ ዝሓለፈ ክንምዝንን ሕጂ እውን እንተኾነ ምፍታኑ መስኮት ናይ ዕድላት እምበር መስኮት ናይ ጸገማት ክኸውን ኣይኽእልን ብዝብል በዛ ሕጽር ዝበለት ጽሕፍቲ ንኣንብበተይ ከቅርብ እፈቱ።

 

ዘተ ኩሉ ግዜ ኣድላዪ ኢዩ፣ እቲ ዘገድስ ዕላማ ዘተን ጉዳያትን እምበር ቦታን ግዜን ኣይኮነን ዝውስኖ። ኣብ ቀረባ ግዜ ብ EGDI( Expert Group On Development Issues) ኣካደምያዊ መጽናዕትታት ከምዝምስክሮ ምትእምማን ብዘተ ክፍጠር ይከኣል፣ ዘተ ከተካይድ ድማ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣብ መጽናዕትታቶም ብሰፊሑ ይገልጹ፣ እቲ ኣብ ፍራንክፎርት ይኹን ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ውዱእ ነገር ዘይኮነስ መቐጸልታ ናይ ዝሓለፈ ዜተታት ኢዩ። ዜተ ኣብ መንጎ ውሑዳት ወይ ኣብ መንጎ ብዙሓት ክካየድ ይክኣል፣ እቲ ዘተ ዘካየዶ ዛዕባታት ብጉሁድን ንጹርን ድኣ ክካየድ ኣለዎ እምበር መን ኣካዪድዎ በዓል መንከ ተሳቲፎም ኢልካ ምስሕሓባትን ዘይምርድዳኣትን ንሃልኪ እንተዘይኮይኑ ዘምጽኦ ኣዋንታዊ ረብሓ የብሉን።

 

እቲ ኣብ ፍራንክፎርት ይኹን ናይሮቢ ዝተኻየደ መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ኣብ ዝኾነ ሃገራት ክግበር ዝጽንሔ ዝፍለ ኣይኮነን፡፤ ዘተ ኣብ ጉዳያት  እዩ ዘትኰር እምበር ኣብ ሰባት ኣይኮነን፣ ዓወቱ ግን ኣብቲ ብቅዓት ወደብቱን  ተሳተፍቱ ኢዩ፡፤ ጥዑይ መስርሕ ዘተ ናይቶም፣ ተገራጨውቲ ዝምድና ዘዕቢ ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ማለት ጸላእቲ ዝነበሩ ኣዕሩኽ ይኹኑ ማለት ዘይኮነስ እንታይ ድኣ መታን ብዝተሓተ ክረዳዱኡሉ ዝኽእሉ ደረጃ እምነት ብምፍጣር  ህያው ዝኾነ ናይ ስራሕ ዝምድና ኣብ መንጎቶም ተቀናቀንቲ ሰልፍታት ምምስራት ማለት ኢዩ፡፤ በዚ እምነቶ እዚ ድማ ኢዩ እቲ በቲ ናይ ስራሕ ጥዑይ ዝምድና ኣቢልካ ድማ ኢኻ እምነት ሓድሕድ ተደልድል። ኣብ ኤርትራ ካብ ምውላድ ኤርትራዊ ሃገራውነት ጀሚርና ክሳብ ሎሚ ዝወርስናዮ ባህሊ እሞ ምግዳፉ ኣብዩና ዘሎ ነንሕድሕድካ ምጽልላምን ምንሻውን እዚኦም እስላም እዚኦም ክርስትያን፣ እዚኦም ተረፍመርፍ፣ እዚኦም ጅሃዳውያን፣ እሎም ሓበሽ፣ እዚኦም ሰረቅቲ እዚኦም ከለው ንሕና ሰላም ክንረክብ ኣይኮናን ዝብል ገና ኣብ ኣተሓሳስባና፣ስለዘሎ እዚ ከምዚ ኣተሓሳስባ ድማ ከይዱ ከይዱ ኣብ ውግእ ሓድሕድን ከምጸላእትን ገሩ ተቀባልነት ብምርካብ ነቲ ሕዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ክምዝመናጨት ይገብሮ፣ እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ዘይምትእምማን ድማ ከም ባህሊ ሒዝናዮ ክሳብ ሎሚ ብሓባር ንክንሰርሕ ከልኪሉና ዘሎ።

 

መጀምርያ መታን ዘተ ክህሉ እቲ ኩሉ ነንሕድሕድካ ምንሻውን፣ ጽልእን፣ ጥርጠራን ክውገድ ኣለዎ፣ ኣራኣእያና ኣብ ሓድሕድና ክቅየር ኣለዎ፣ ንኣሽቱ ምውርራድ ምስቲ ሓቀኛ ክብሪ ወድሰብ ዝሕሉን፣ንመስርሕ ዘተ ንምዕዋት መብጽዓ ዝትግበርን ምስዝኸውን ምልክት ናብ ዘተ ዝዝንብል ተረድኦ እናተፈጥረ ይመጽእ፣ድሕሪኡ ድማ በብቅሩብ ምትእምማን እናዓበየ ይኸይድ፡፤ ተራ ናይ ሓቀኛ ሓበረታ ናይ ሓድሕድ ኣፍልጦ ኣገዳሲ ኢዩ፡፤ ናይ ሓድሕድ ኣፍልጦ ነቲ ዘይቅኑዕ /ጥርጠራ /ኣራኣእያ ክሰብሮ ይኽእል፣ ብካልእ ኣዘራረባ  ክፉትን ልባዊ ቅንዕናን ዘለዎ መስርሕ ልዝብ ካብቲ ሒዞሞ ዝጸንሑ ዘይምትእምማን ናብ ምትሕግጋዝን ምርድዳእን ዝመልኦ መድረኽ ከምጽኦም ይኽእል፣ ብዘይ ምትሕግጋዝ ኣዋንታዊ ውጽኢት ኣይርከብን፣ ልዝብ ወይ ድማ ዘተ ማለት ምንቅስቃስ ማለት ኢዩ እዚ ማለት ድማ ጸገማትካ ንምፍታሕ የንቀሳቅሰካ፣ ተዛተይቲ ሰብ ጉዳይ መታን ጸገማቶም ፍታሕ ክረኽቡ ብመጠኑ ክተሓጋገዙ ኣለዎም፣ እቲ ኣብነታዊ ናይ ዘተ መስርሕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ሮልፍ መየርን ናይ ሃገራዊሰልፊ ኣፓርተይድን ሲሪል ራማፎዛ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራዊ ኮንግረስ ዝተረኽበ ናይ ስራሕ ዝምድና ኢዩ፣እቲ ሓቀኛ ቁምነገሩ ናይ ኣቀራርቦኦም እዩ ነቲ መስርሕ ናይ ዘተ ካብ ፍሽለት ዘድሓኖ፣ ኣብ ኤርትራናኸ ኣለዉናዶ ሰባት ከምዚ ናይ ሲሪል ራማፎዛን መየርን ክእለት ናይ ምዝታይ ካብ ፍሽለት ከድሕኑን ዝኽእሉ፡፤ እቲ ኣብ መንጎ ANCን   Apartheidን ዝካየድ ዝነበረ ምናልባት ርክብ እዞም ክልተ ሰባት እንተ ዘይህሉ ነሩ እቲ መስርሕ ናይ ዘተ ኣይምተዓወተን ነሩ።

 

ተዛተይቲ መታን ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ከማዕብሉ ናይ ነፍሰ- ወከፍ ኣቋም ክፈልጡ ይግባእ፣ እዚ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ድማ ናብ ምትእምማን የብጻሓካ፣ ኣብዚ ንክትበጽሕ ድማ ምስቲ መዛተይትኻ ኣብ ሳእኑ ክትወድቅ ማለት ናይ እንካን ሃባን ስልቲ ሃሉዩካ ናይ ምቅርራብ ናብ ዕዉት ዘተ ክመርሓካ ይኽእል፡፤ ኣብ ኤርትራ ተሳኢኑ ዘሎ መንፈስን ጥበብን ኣካያይዳ ልዝብ ናብ ዘላቂ ኣፈታትሓ ጸገማት ዘትኰረ ዘይኮነስ ኣብ ግዜያዊ ጥቅምታት ስለዝምርኰስ ቀልጢፉ ይፈርስ፡፤እዚ ድማ ካብ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ሕጂ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ  ዝወረስናዮ ልምዲ ናይ ዘይምስምማዕን ጥርጠራን፣ዘይምትእምማን ክሳብ ሕጂ ንምልጋሱ ጸጊሙና ኣሎ።

 

 

 

It is important to evaluate and assess to ensure ” windows of opportunity

ኣብ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ካብ 1999 ጀሚሩ ናይ ብሓንሳብ ምስራሕ ክሳብ ሎሚ 2015 ዘምጽኦ ተግባራዊ ውጺኢት ክሳብ ሎሚ ኣይተራእየን፣ እቶም ብፖሊቲካዊ ውድባት ተጠርኒፎም ይኹኑ ብብርገሳዊ  ናይ ስራሕ ዝምድናኦም ክንዲ እናደልደለ ዝኸይድ እናላሕላሔን እናተፈንጨለን ኢዩ ኸይዱ ናይዚ ኣብነት ድማ እዚ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ብዝብል ዝቆመ ጽላል ፖሊቲካውን ብርገሳውን ውልቀሰባትን እውን ኣይሰርሔን፣ ንድሕሪ ሕጂ እውን ክሰርሕ ኢዩ ኢልካ እምነት ተሕድረሉ ባይታ የለን፣ ሰለዚ ካብዚ ዕንክሊል ምውጻእ እዋኑ ኢዩ። እቲ ናይ ዝሓለፈ መስርሕ ናይ ብሓባር ንስራሕ ዝብል ውሽጣውን ግዳማውን ዕንቅፋታትን ተጽዕኖታትን ሰለዘነበሮ ክሰርሕ ኣይከኣለን፣ እቲ ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ዝጸደቀ ሰነዳት ኣገዳስን እዋናውን ንብዙሓውነት ኤርትራ ዘንጸባርቅ ኢዩ ነሩ ግን እቲ ኣብ ግብሪ ከወዕሎ ዝነበረ ደረጃ ውዳበታት ካብ ላዕላላዋይ ጸፍሒ ሓላፍነት ወሲዱ ዝነበረ ኣብ ሓድሕዳዊ ቁርቁስ ኣትዩ ባዕሉ ኣይሰርሔን፣ ንታሕታዋይ ጸፍሕታት እውን ኣየስረሔን፣ ኣብ መጨረሽታ ድማ ኣብ ዕጹው ኣይንቅድሚት ኣይንድሕሪት ኮይኑ ኣብ ነንሕድሕዱ ክካሰስ ተራእዩ፣ መሰረታት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብዚ ዕጽው ንምውጻእ ብዙሕ ተበግሶታት ናይ ምቅርራብ ኣካዪዱ ከብቅዕ፣ብሓደ ሸነኽ ናይ ባይቶ ኣባላት  ካብ ሕጊ ወጺኩም ተባሂሎም፣ንምቅርራብን ንዘሎ ዘይምርድዳት ምዝታይሲ እቶም ኣባላት እቲ ሕጊ ናይ ባይቶ ሓደ ኢዩ ዝብጽሖም ብፍላይ ድማ እቲ ፈጻሚ ዘይኮነ እቲ ሕዝብን እቲ ሓጋጊ ኣካል ባይቶን ኢዮም፣ ብዛዕባ ሕግን ዘይሕግን ኣብ ዙርያ ጠረበዛ ኰንካ ኢኻ ትርእዮ እምበር ብማዕዶ ምፍርርሕን፣ ኣነባ እፈልጥ እናበልካ ዘረባታትን ኩባያተትን ኣብ ብጾትካ ምድርባይ ባይቶኣዊ ሰነ ምግባር ኣይኮነን።

 

እቲ ካብ 2010 ክሳብ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሔ ካብ ኣቃቂ፣ ጸኒሑ አዋሳ ጸኒሑ ደብረዘይት፣ዝተኻየደ መጋባእያታት ኤርትራውያን ተቃወምቲ ምፍንጫላትን፣ዘይምትምማን ድኣ ኣብዚሑ እምበር ምሕዝነትን ናይ ሓባር ስራሕን ኣየስረጸን፣ እዚ ኢዩ ድማ ክገምገምዘለዎን ክርኤ ዘለዎን፣ እቲ ጸገም እታ መጋባእያታት ዝተኻየዳ ሃገር ዘይኮነስ እቶም ላዕላዋይ ጸፍሒ ሒዞም ዝጸንሑ ናይ ምምራሕ ብቅዓት የብሎምን፣ ሎሚ የብሎምን ጽባሕ እውን ብቅዓት ከጥርዩ ድልየት ሰለዘይብሎም፣ መሰረታት ሃገራዊ ባይቶ ብመሰረት ውዕልታት ስምምዓትን ባይቶ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ገሩ፣ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቃወምን ምስ ኤርትራዊ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ተላዚቡ ሓደ ዓቢይ ምሕዝነት Eritrean Grand Coalition/ ተቀባልነት ዘለዎ ተቃውሞ ክቅውም ክቃለስ ኣለዎ፡፤ እዚ ምስዝግበር እቲ ምልካዊ ስርዓት እውን ሓደ ዘዋጽኦ ኣፍደገ ክኸፍት ኢዩ፣ ሕዝቢ ድማ ምስቲ ንለውጢ ዝደሊ ደው ክብል ኢዩ። በዚ ኣገባብዚ ድማ ኢዩ እቲ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ብሰላም ዝዕወት፣ ኤርትራዊ መደረኽ ንሃገራዊ ዘተ ከምቲ ናይ ቱኒስያ….National dialogue Quartet ኣብነት ወሲዱ ብሓላፍነት ንኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝእከበሉ ክእለትን ዓቅምን እንተድኣ ኣርእዮም፣ ድሕረ- ባይቶም ብዘየገድስ ሎሚ ንድሕነት ሕዝብና እንተሰሪሖም፣ ናይ ሰላምን ዕርቅን ኣፍደገ ብምኽፋቶም ናይ ዕድል ሕዝቢ ኤርትራ መስኮት ኢዮም፣ ደንበ ተቃውሞ ኣብ ገዛእ ርእሱ ብዜጋታቱ እንተሰሪሑ ነቲ ቃልሲ የቀላጥፎ፣ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይቶም ክልተ ሲሪል ሞፎዛን መየርን ወይ ድማ ከምቲ ናይ ቱኒስያ National Dialogue Qauret እንተሰሪሖም እቲ ካብ ታሪኽና ዝወርሰናዮ ናይ ሓድሕድ ጥርጠራን ፍርሓትን ጠፊኡ ስኒትን ውሕደትን ሃገራውያን ነቶም ሕሉፋት ኣብ ማእከል ሒዙ ክቃልሶም ይኽእል ብኸምዚ ኣገባብ ድማ እቲ ዝርከብ ለውጢ

ንመጻኢ ድልዱል ዋሕስና ይረክብ።

 

Refernces

 

  1. Gene Sharp, From Dictatorship to Democracy
  2. IDEA, Democracy and Amed Conflicts
  3. EGDI, Dialogue in Pursuit of Democracy
  4. EGDI, Learning in Development Co-operation
  5. EGDI, Decentralization and Good Governance
  6. IDEA, Dialogue for Democratic Development

 

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10036

Posted by on Dec 19 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net