ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

encdc

ምቋም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ውጽኢት ዕቱብ ገድላዊ ጻዕሪ ተቃለስቲ ኣካላቱ ዝመስረቱዎ ኮይኑ፡ ዕላማኡ ከኣ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዓቕምታት ዝጉስጉስሉን ንድለይቲ ለውጢ ኣብ ክሊ ሓደ ስፊሕ ሃገራዊ መድረኻዊ ጽላል ዝጥርነፍሉን፡ ንዝኽይድ ዘሎ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋትን ዕማማቱ ውሑስ ንምግባርን ዝዓለመ’ዩ።

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ሞንጎ’ቶም ፖለቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን መንእስያትን ደቂ-ኣንስተዮን ወክልቲ ህዝብን ዝሓቚፎ ሰፊሕ ሃገራዊ ሽርክነት መሰረት ብምግባር፡ ህላወኡን ቐጻልነቱን ገድላውን ሃገራውን ተደላይነት ዘሎዎ’ዩ። ስለ ዝኾነ ዕድመኡን ዕማማቱን፡ ብቦታን ግዜን ከይተሓጽረ ሃገራውን መድረኻውን ተደላይነት ዘሎዎ ጽላል’ዩ። ስለዚ ነቲ ተመስርቱሉ ዘሎ ዕላማታት ክሳብ ዝዕውት ድማ ዝቃለስ ዘሎ’ዩ።

 

ካብ’ዚ ተረዶኦ’ዚ ብምብጋስ፡ ባይቶ ብሓፈሻ ኣብ ሕሉፍ ጉዕዞኡ፡ ብፍላይ ከኣ ብድሕሪ’ቲ ኣብ ታሕሳስ 2014 ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባኡ ዘጋጠሙዎ ጸገማት ንምስጋርን ብዓቢኡ ከኣ፡ ንምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተኽፍለ ዋጋን ግዜን ኣብ ግምት ብምውሳድን ተደጋጋሚ ምምጣጥ ግዜ ክስዕቡ ዝኽእል ዘይምርዳእን ምናልባት ከኣ፡ ኩላትና እንሽክሞ ጾር ካብ’ቲ ከጋጥም ዝኽእል ዝኽፍኤ ምርጫ ባይቶ ምፍራስን ዘይተጨብጠ ካልእ ንዑኡ ዝተክእ ኣብ ምንዳይ ካብ ምኻድን ዘድሕን እንኮ ኣማራጺ ብምዃኑ፡ ካብ ክቡራት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ምምጣጥ ግዜ ምክያድ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ጠለብና፦

  • እቲ ቀዳማይ ዝተወስደ ምምጣት ግዜ ኣብ ታሕሳስ 2015 ዝተወደአ ብስንኪ’ቶም ዘጋጥሙ ሽግራት ንምእላይ፡ ብተደጋጋሚ ብመሪሕነት ባይቶን ፖለቲካዊ ውድባትን ክገብሩ ዝጽንሑ ኣኼባታትን ዘተታትን ባይቶ ሓድነቱ ሓልዩ ንኸይድ ዝተወስደ ግዜ ብምንባሩ።
  • ሕጂ እውን ሓደ ካብ’ቲ ግዜ ዝድለየሉ ምኽንያት እቲ ክኽይድ ዝጸነሐ ጻዕርታት ብንጽል፣ ወይ ካእባዊ፣ ወይ እውን ብሓባር፡ ናይ ምቅርራብ ተቦጉሶታት ክወስዱ ዝኽእሉ ወገናት ክሳብ ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ እቲ ጻዕርታት ቀጻሊ ክኽውን ዕድል ንምሃብ።
  • ወጻኢታት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምሽፋን ዝኽእል እኹል ግዜ መደባት ሰለ ዘድሊ።
  • ዕማም ምስንዳእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብስንኪ ዘጋጥመ ጸገማትን ንምፍትሖም ዝተገበሩ ጻዕርታትን ብምሉእ ክሳለጥ ብዘይምኽኣሉ።
  • ዕዉት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምግባር፡ ኣብ ኣባላት ኣካላት ባይቶን ህዝብን ደገፍትን እኹል ምልዕዓል ግዜ ሰለ ዘድሊ።

 

በዚ መሰረት፡ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ምስ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብምምኽኻር ካብ ባሕቲ ጥሪ 2016 ዝጅምር ክሳብ መወዳእታ ሓምለ 2016 ተወሳኺ ግዜ ምምጣጥ ጉባኤ ጠለበ። ከም ውጺኢቱ ድማ ብኣብዘሓ ልዕሊ 2/3 ድምጺ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ነቲ ዝተደልየ ናይ ምምጣጥ ሓሳብ ደጊፎም።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተሸከመቶ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕን፡ እዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት’ዚ ኣብ መንኮብ ኩሉ ዝተጸዓነ ምዃኑ ብምዝኽኻርን፡ ኣካላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምስረታኡ ሞጎስ’ኳ እንተሃለዎም፡ ናይ ህላወኡን ቐጻልነቱ ሕቶ፡ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ሓለይቲ ምዃኑ የረጋግጽ። ከምኡ’ውን መሪሕነት ባይቶ ንሰፊሕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ጨንፈራትን ዞባታትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካኣ ብፍላይ፡ ንምዕዋት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ሞራላውን ማተርያላውን ምድግጋፍ ክገብሩ ይጽውዕ።

 

ኣብ መደምደምታ፡ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝህብዎ ዝጸነሑን ዘለውን ደገፋት የመስግን። ከምኡ’ውን ንኩሎም ፍተውቲ ስላምን ደሞክራስን ዝኾኑ ወገናት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክድግፉ ይጽውዕ።

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዓወት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!!

 

ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ

ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

30 ታሕሳስ 2015

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10051

Posted by on Dec 31 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net