ብኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ለንደን ዝተጸወዐ ህዝባዊ ኣኼባ 03/01/16

eudc

ኣቐዲሙ ብዝተላእከን ብዝተዘርገሐን ዕድመ መሰረት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ከተማ ለንደን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ብኣቦ መንበር ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተመርሐ ኣኼባ ዋላኳ ካብ ገዛ ንክትወጽእ ዘየተባብዕ ሕማቕ ኩነታት ኣየር እንተነበረ ግን ከኣ እቶም ወትሩ ብጉዳይ ሃገሮም ዝግደሱን ሓበሬታ ደንበ ተቓውሞ ወትሩ ረኺቦም ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ውዑይ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ክገብሩ ዝደልዩን ብዙሓት ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኔይሩ።

ናይ ዕለት ሰለስተ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ክልተ ክፋል ግዜ ዝተኸፍለ ኮይኑ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ኣኼባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ኣትይዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትን፡ ልፍንቲ ሹዱስተ ፖለቲካዊ ውድባትን በጺሕዎ ዘሎ ሓድነታዊ ጉዕዞን ከምኡውን ኩነታት ሃገረ ኤርትራን ከባቢያዊ ምዕብልናታትን ኣብ ዝብል ዛዕባታት ዝተኸፍለ ኮይኑ ኣብቲ ድሕሪ ሓጺር ናይ ሻሂ ዕረፍቲ ዝተኻየደ ምይይጥ ድማ እንታይ ይገበር ኣብ ዝብል ክፉት ምይይጥ ኣብቲ ከም ኣጀንዳ ዝተላዕለን ኣብ ኣጀንዳ ዘይነበረን ኣገዳሲ ዝበሃል ነጥብታት ዝተዘተየሉ ኩነታት ኔይሩ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ባህጊ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ኮይኑ ብዙሕ ንያትን ንዋትን ዝተኸፍሎ ፖለቲካዊ ጽላል ኮይኑ ንምቛም እቲ ጽላል ዘበገሰ ዕላማታት ክሳብ ሕጂ ህያው ምዃኑ ምርግጋጽ’ዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብዚ ደረጃ ናይ ሰንከልከል ኣትዩ ዘሎ ብሰንኪ እቶም ንዕኡ ኣቑሞም ዘለዉ ፖለቲካዊ ውድባት ፍልልያቶም ከጻብቡ ዘይምኽኣል እምበር እቲ ንዖም ንምጥርናፍ ዝቖመ ዕላማታት ቅዱስ ምዃኑ: ሕጂውን ካብ ጸቢብ ውድባዊ ሕሳባት ወጺእካ ክስረሓሉ እንተኺኢሉ ንነብሱ ድሒኑ ሃገር ኣብ ምድሓን ተርኡ ክጻወት ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ሃገራዊ ባይቶ ካብዚ ሕጂ ኣትይዎ ዘሎ ደውታ ክወጽእ እንተኮይኑ ድማ እቲ ናብ ኢድ ኩሉ ኣባል ወርዱ ዘሎ ንኩላትና ዘየሰማምዕ ሰነድ ተሳሒቡ ኩላትና እንሰማማዓሉን እንጥርነፈሉን ሰነድ ክትካእ እንተኽኢሉ ጥራሕ’ዩ ብዝብል ተገሊጹ። ኤስደለ ከምቲ ገሊኦም ከጸልሙ ዝብልዎ ዘይኮነስ: ንምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ኣብ ምምራሑ ኩሉ ዝከኣሎ ዝገበረን ሕጂውን ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ቅልውላው ክድሕን ካብኡ ዝድለ ዘበለ ኩሉ ክገብር ድሉው ምዃኑን ገሊጹ።

ብጉዳይ ልፍንቲ ሹዱሽተ ውድባት ድማ መበገሲኦም ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኮይኑ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ፍልልያት ከመይ ይፈታሕ ኣብ ዝብል ጉዳይ ሓደ ዓይነት ርእይቶ ስለ ዘጥረዩ ብኡ ዝማዕበለ ናይ ሓባር ምይይጥ ክሳብ እዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ናብ ሓደ ልፍንታዊ ግንባር ናብ ምብጻሕ ጉዕዞ ተታሓሒዞሞ ከምዘለዉ ተገሊጹ። ኣብ ተመኩሮ ልፍንትታት ካብ ዝተራእየ ዝተፈላለየ ተመኩሮታት ብምቕሳም ዝሓሸ ልፍንቲ ንምምስራት መታን ክከኣል ድማ ኣብኡ መሰረት ዝገበረን ኣብ ካልእ ኣገደስቲ ኣርእስታትን መጽናዕትታት ቀሪቡ ሰፉሕ ናይ መሪሕነታት ሰሚናር ተኻይዱ እዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ጅማሮ ኣብ ምምስራት ኣድማዒ ልፍንቲ ተርኡ ቀሊል ስለ ዘይኮነ እዚ ብሹዱሽተ ውድባት ተጀሚሩ ዘሎ ልፍንቲ ናብ ካብኡ ዝዓቢ ቁጽሪ ክምዕብልን ህዝቢ ዓሲልዎ ኣብ ምቅልጣፍ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ተርኡ ክጻወት ጻውዒት ቀሪቡ።

ካልእ ብዙሕ ዘይዝረበሉ ኣርእስቲ ተባሂሉ ዝቐረበ – ሃገርና ኤርትራ ናብ ናይ ክራይ ሃገር እናተቐየረት ትመጽእ ምህላዋ’ዩ። ናይ ክራይ ሃገር ወይ -Rentier State ዝበሃል ኩሎ ወይ መብዛሕትኡ እቶት እታ ሃገር ዘለዋ ጸጋታት ብምሻጥ ወይ ምክራይ ዝርከብ ኣታዊ ምስ ዝኸውን’ዩ። እቲ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክህልዎ ዝኽእል ኣሉታታት ድማ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ኣብ ርእስ’ቲ ዝጸንሖ ናይ ህዝቢ ተነጽሎን ምስ ህዝቢ ከራኽቦ ዝኽእል ማሕበራውን ቁጠባውን ገመድ ኣዝዩ እናላሕለሐ ዝኸደሉ ኩነታትን፡ እታ ሃገር ዝያዳ ናብ ናይ ክራይ ሃገር ኣብ እትቕየረሉ እዋን ዝምድና ህዝብን መንግስትን ኣዝዩ ተቛሪጹ ዝምድና መንግስትን ተኻረይትን ጥራሕ ዝምዕብለሉ ኩነታት’ዩ ዝፍጠር። እቶም ተኻረይቲ ድማ ንገዛእ ርእሶም እምበር ንህዝቢ ክረብሕ ኢሎም ስለ ዘይመጹ ክመጹ ሒዞሞ ዝመጹ ጸጋታት ክወጹ ከለዉ ሒዞሞ ዝወጹ ጥራሕ’ዩ ዝከውን እምበር ብወሳኒ መልክዑ ነቲ ንሓዋሩ ክርበሓሉ ዝኽእል ኣሰር ገዲፎም ክኸዱ ከምዘይክእሉ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ከከምቲ ባህርያት ናይቲ ኣካራዪ መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ወይ ኣብቲ ሃገር ክበጽሕ ዝኽእል ምዕብልና ከጋጥም ዝኽእል’ኳ እንተኾነ ኣብ ከም ህግደፍ ዝበለ ስርዓት ግን በቲ ዝረኽቦ ክራይ ጸጋታትና መጨቆኒ መሓውራቱ ዝያዳ ዘትርረሉ ኩነታት እምበር ፍትሒ ዝነግሰሉ ኩነታት ክፈጥር ባህርያቱ ዘፍቅደሉ ከምዘይኮነ’ውን ተገሊጹ። በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ዓሰብ ይኹን ካልኦት ደሴታትና ክራይ መዓንገል ህዝብና ዘይኮነስ ዝያዳ መጨቆኒ ህዝብና ክኾነሉ ዝኽእል ዕድል ዓቢ’ዩ።

ድሕር’ዚ ናይ ሕቶን መልስን መብርሂታትን ኣብቲ ናይ መጨረሽታ መደብ ርእይቶታትን እንታይ ይገበር ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ምይይጥ ተጌሩ ብዙሕ ሓሳባት ዝተመዝገበሉ መድረኽ ኔሩ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ምሁራት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ተዓዘብቲ ጥራሕ ከይኮኑ በቲ ዝኽእልዎን ዝፈልጥዎን ዓውደ ትምህርቲ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክጠቅም ዝኽእል ተበግሶታት ክወስዱ: መጽናዕትታት ክገብሩ፡ ደንበ ተቓውሞ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ሕልኽልኻት ክወጽእ እቲ ሕጽረታቱ መዚኖም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ስልጠናታት ከተኣታትዉ’ውን ከም ለበዋ ቀሪቡ ነቲ ድሮ ክቀላቐል ዝጸንሐ ተበግሶታት ምድንፋዕ ኣብ ዝብል ሓሳብ ተሰማሚዑ ዝወጸሉ ዕዉት ኣኼባ ኔሩ።

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ዓመተ ሰላምን ራህዋን ይግበረልና

ኤስደለ ጨንፈር ለንደን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10059

Posted by on Jan 7 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net