ተመን ኣብ እግርኻ በትሪ ኣብ ኢድካ!!

ensf - hidri

ተመን ኣብ እግርኻ በትሪ ኣብ ኢድካ!!

መልእኽቲ ሰራዊት ሕድሪ፡

ተመን ዝኣክል መርዛም እንስሳ ኣብ እግሩ ተጸጊዕዎ ከሎ፡ ዝገብሮ ዝሕርብቶ እሞ፡ ናብ ማዕድኡ ዘሎ ኣድህዩ እንታይ ክገብር ዝብል ሰብ ኣብ መንጎና ከም ዘየሎ ፉሉጥ አዩ፡፡ የግዳስ እዚ ብምስላ ተሰንዩ ምሉእ ኣበሃህልኡ ንዘጓነፈካ ተጻይ፡ ብትብዓት ግጠሞ ዝብል ኣበሃህላ ኣበው፡ ሽግር ገጢምካ እንምበር ሃዲምካ ከም ዘይስዓር የነጽረልና፡፡

እሞ’ኸ ደኣ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብቑሉዕን ብጋህድን ኮይኑ ብእከይ መርዛምነቱ ኣብ ምፍልላይና፡ ኣብ ምምሕዳርና፡ ኣብምስዳድና፡ ካብ ዝዋፈር ርብዒ ዘመን ኣሕሊፉ ዘሎ፡ መንቀኛ ጸላኢና ደው ኢልና ክይንምክቶ ዓጊቱ ሒዙና ዘሎ ምኽንያት እንታይ ኢዩ? ካብ ደሃይ ንዘጥፈአ ቀንፈዘው ኢልካ ብሻቕሎት ንወርኡ ምጽባይ፡ ካብ ተሊቖም ኢልካ ብኣውያት ምድረ ሰማይ ምቕዳድ፡ ካብ ኣብ ሱዳን ተጨውዮም ኣብ ሲናይ ምድረ በዳ ሊበያን ተቕቲሎም ኣብ ፈቐዶ ማዓሙቕ ባሕሪ ከኣ ሓደጋ ኣጓኒፉ ምስተሰምዐ ዳስ ሓዘን ንምስራሕ ምጉያይ፤ ነባሪ ፍታሕ ምንዳይ’ዶ ኣይምሓሸናን፡፡ እዚ ብኣበሃህላ ምስላ ናባና ምስ እንቕይሮ፡ ሰናድር ኣብ ኢድና ከሎ፡ ብሓደ መርዛም ተምን  ንጉሆ  ይኹን ምሸት ተተቆሊብና ካብ ምጥፋእ ብድሆ ንኣንጻር ህላወና ንዝተዓጠቐ ሓይሊ ምባል የድልየና ኣሎ’ዩ ዘስምዕ፡፡

ብፍላይ ከኣ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ሰናድር ንእስነት ኣብ ብርክኻ ከሎ ምስራሕ ቡሉጽ ታሪኽ ቦዂሩ ከም ዘሎ ይሰወጥካ ኢዩ ዘስምዕ፡፡ ሙሉእ ዘይጎደለ ጸጋ እትውንን ሃገር ከላትካ ስኣን ኣንጻር ህላወኻ ደው ንዝበሉ ሓይልታት ምጥፋእ፡ ስኣን ንሓጺር ግዜ መኪትካ ዘኹርዕ ታሪኽ ኣቦታትካ ምድጋም ዕጫኻ ከም ዝኾነ ዘሎ ኣደራዕ ሕሰም ምስካም፡ ንኹሉ ኣሰካሕካሒ ሕልፈት ኢድካ ኣጣሚርካ ክትሓልፎ ምፍታን ነባሪ ፍታሕ ከምጽኣልና አይትጸበ፡፡

ጠንቂ እዚ ኩሉ ሳዕቤናትን ዳስ ሓዘናትን ሕብረተሰብና ኮይኑ ዝርከብ ተንኳዪ ዝባህሪኡ ስርዓት ህግደፍ ናይ ኣፈሙዝ ዉሉፍ ብምዃኑ ከም ሳሬት ብመኾስትር ካብ ገዛ ክትጸርጎ ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ኣብ እዚ እኹል ኣብነትን ምስክርን ምስ እንርኢ፡ ዘመነ መንካዕ ብፍላይ 1973-1974 ዘመነ የሚን ቀጺሉ ዝሰዓበ ቕንጸላ ንጀጋኑ ተጋደልቲ፡ ካልኦት ጸሊም ታሪኽ ዘንበሩ ኣብ ጉዑዞ ሰውራን፡ ሕቶ ናብራ ጀጋኑ ተጋደልቲ 1993፡ ሕቶ ናብራ ጀጋኑ ስንኩላን ተጋደልቲ ማይሓባር 1994 ሕቶ ምትካል ህዝባዊ መንግስቲ ብሙኩራት ገይም መራሕትን ምኒስተራትን ፖለቲከኛታት ኣብ 2001 ወ…ዘ…ተ.. እኹል ኣብነት ኢዩ፡፡ እዚ ሕቶታት ብኸመይ ተመሊሱ ንፋስ ዝሃረሞ ብምዃኑ ምድጋሙ’ውን ኣየድልን፡፡ የግዳስ ካብ እዚ ንመሃሮ፡ ዓቢ ቁምነገር ኣሎ፡፡ ንሱ ከኣ እዚ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ናይ ዉሑዳት ጉጂለ ፈጺሙ ኣብ ኣርዑት ሰላም ክጽመድ ዘይክእል ባህሪ ዝውንን ምዃኑ ኢዩ፡፡ ካብ እዚ ብምብጋስ ኢና’ምበኣር ተመን ኣብ እግርኻ በትሪ ኣብኢድካ ርእሲ -ርእሱ ከይትቕጥቅጦ ደኣ እንታይ ዓዘመካ ንብል ዘለና፡፡

መንእሰይ ሃገርና ኣንታ ውላድ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ሰናድር ንእስነትካ ናብ እዞም ንምልእቲ ሃገር ምድረ በዳ ከትርፍዎ ዝህንደዱ ዘለዉ ኣትማን ዘቤት ኣቕንዓዮ፡ ነብስኻ ብቓልስኻ ኣውሕስ፡ ህላውነት ህዝብኻን ሃገርካን ክቕጽልን ከይቅጽልን ኣብኢድካ ኢዩ ዘሎ ይብለካ ኣሎ ዓርከ መዘናኻ ድሮ ኣብ ቃልሲ ወጽዓ ንምቕራፍ ተዋፊሩ ዘሎ ሓይሊ፡፡

ዝኸበርካ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ምእንቲ ህዝብኻን ሃገርካን ዘልዓልካዮ ዕጥቂ ኣገልጋሊ ዉሑዳት ከም እትኸውን ጌሩካ ኢዩ፡፡ በል ደጊም ይኣክል በሎም ንተረባሕቲ ኣብ ኣገልግሎትን ነጻ ምዝመዛ ጉልበት ንእስነትካ ዝጥቀሙ ዘለዉ፡ ህዝባዊ ቃልስና ብሽጥን ብደገን ኣወሃሂድና ዓዲ ሰላምን ራህዋን፤ ዓዲ ፍትሕን ሕግን፡ ዓዲ ዲሞክራሲን ቁዋምን፡ እትስመ ሃገር ንመትካል ብሓደ ረምታ ኣበርከቶና ነዕዝዝ፡፡ እዚ ዕድመኻን ደረጃ ትምህርትኻን ኣይተሳነየን ኢሉ ናብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝዳጉን፡ ኣቕሽትን መሻይኽን ንመጋበርያታት ክኾንዎ ዝመልምል፡ ንሽማግለታት ወለዲ ኣብ እዋን ናይ ዕረፍቶም ዕድመን ናይ ቑርባንን ስግዳንን ግዜኦም ብምጭራታ ብኣስገዳድ ናብ ዕስክርናን ክፍሊ ታዕሊምን ዘውርድ፡ ዘይናይ ህዝቢ ስርዓት፤ ይኣኽለካ ኢልና ንፍድሰሉ ሃዋሁ እንሀለ እሞ ንጠቀመሉ፡፡

 

 

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ተዃዕኒና ተሪፋትካ ዘላ ምርጫ፡ ንፍታሕ ክትጥቀመላ ዝግበኣካ ሓንትን ሓንትን ኢያ፡ ንሳ ኸኣ ነዚ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ናይ ምልኪ ስርዓት ዘይናትካ ምዃኑ ኣሚንካ ብግልጺ ውረድ ከይትዋረድ ምባል ኢዩ፡፡ ብደገ ሃሉ ብውሽጢ ከካብ ዘለኻሉ ክፍሊ ዓለም፤ ሓይልኻ ወዳደብካ ይኣክል ስቕታ ንሕሰመይ በል፡፡ ደጎል ገዛኻ ዳስ ጋማ ካብ ዘይትከሎ፤ ዘዝጎበዙ መናእሰያትካ መገዲ ስደት ካብ ዘስተብህሉ ክንደይ ድዩ ግዲ ኮይኑ ዘሎ? ጀጋኑኻ ዝኸፈልካላ ሃገር ብስደትን ድሕረትን እትልለ ሃገር ንኽትህልወካ ኣይኮነን፡፡ ከብርኻ ምለስ ከምኡ ብምግባርካ መቓብር ሰማእታትካ ኣቕስን፡፡ ነባሪ ፍታሕ ብኣኻን ብቓልሰኻን ጥራሕ ኢዩ፡ ክረጋገጽ ዝኽእል፡፡

ካርሸልታት ከተማታት ኤርትራ ዝወለደአን ዒራ-ዒሮ፡ ሚዕጢር፡ ዊዓ፡ ደህላክ፡ ገለዓሎ፡ ኣደርሰር፡ ወ…ዘ…ተ.. ደቅኻ ዝሳቐዩለን ጎዳጉዲ ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ፡፡ ክሳብ ሕጂ ዘለዋ ከይ ኣከል ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ውን ዉሉደካ ዝሳቐዩለን ረገጽቲ ዝፍስሁለን እንዳዛየዳ ይኸዳ ኣለዋ፡፡ እምበኣርከስ ነዘን ካርሸሊታትን መገፈዒ ደቅኻ ዝኾና ናይ ትሕቲ ምድሪ እሱር ቤታት ባዕልኻ ብዉሁድ ቕልጽምካ ዕጸወን፡፡ ጸላኢኻ ህግደፋዊ ምሕደራ ብምዃኑ ንኹልሻዕ ብጥሙር ቃልስኻ ቅበሮ፡፡ ብሰንኪ ህግደፍ ዝተደርመመ ርእሲ ኣዴታት ናብ ቁኖ ሓጎስ እትቕይሮ ንስኻ ባዕልኻ ህዝብን ዉላድ ህዝብን ጥራይ ኢኻ፡፡ ደጊም ናብ ነበረ ከይተቐየረ ሰረተ ህላውነትካ ሴፍ ጅግንነትካ ምዘዝ፡ ኢሳያስ ዝተኸሎ ሕሰም ብትብዓት ብምቑራጽ ሰላም ኣብ ቤትካ ኣስፍን፡፡ እዚ ደርሆ ብኣሙዑት ደቃ ትጻወት ዝበሃል ብኣኻ ክምሰል ኣየተፍቅድ፡፡ ገዛ ነብሲ ወከፍና ክሕመስ እንዳ ረኣና፡ ሃገርና ደቃ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክስሕዉ እንዳ ኣስተብሃልና፡ ገዛ ነብሲ-ወከፍና ብጽምዋ ገረው-ረው ናብ ምባል ገጹ እንዳ ኣምርሐ ተገላብጦ ሃገር ጽቡቕ ኣላ ንብልስ ኣበይዶ ዊሒድና ኢና፡፡

እምበኣርከስ ኡኹላት ዝኾኑ ኣካላት ሽግር ዓቕሚ ሰብ ስለ ዘለዉና፡ ንሕናስ ኣካላት ፍታሕ፡ ኣባላት ፍትሒ፡ ንኽንከውን ካብትማሊ ሎሚ ካብ ሎሚ ሕጂ ክንውስን ይግባእ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

መልእኽቲ ሰራዊት ሕድሪ፡

ብኽፍሊ ውደባን ዜናን ሓበሬታን

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10110

Posted by on Feb 5 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net